bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
/
1 Chronicles 2
1 Chronicles 2
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
← Chapter 1
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 23
Chapter 24
Chapter 25
Chapter 26
Chapter 27
Chapter 28
Chapter 29
Chapter 3 →
1
ደቂ ያእቆብ፦ ሮቤል፥ ስምኦን፥ ሌዊ፥ ይሁዳ፥ ይሳኮር፥ ዛብሎን፥
2
ዳን፥ ዮሴፍ፥ ብንያም፥ ንፍታሌም፥ ጋድ፥ ኣሴር እዮም።
3
ደቂ ይሁዳ፦ ዔር፥ ኣውናን፥ ሴሎም፥ እዚኣቶም ሰለስቲኦም ካብታ ከነዓናዊት ሰበይቲ ጓል ሹዓ ዝተወለዱሉ እዮም። ዔር በዅሪ ይሁዳ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ስለ ዝገበረ እግዚኣብሄር ቀተሎ።
4
ይሁዳ ድማ ኻብ ትእማር ሰበይቲ ወዱ፥ ንፋሬስን ዛራን ወለደ፤ ደቂ ይሁዳ ዅሎም ሓሙሽተ እዮም።
5
ደቂ ፋሬስ፦ ኤስሮም፥ ሓሙል፥
6
ደቂ ዛራ፦ ዘምሪ፥ ኤታን፥ ሄማን፥ ከልኮል፥ ዳራ፥ ኵሎም ሓሙሽተ እዮም።
7
ከርሚ ንኣካን ወለደ፤ ኣካን እቲ ኻብቲ ዝተሓረመ ብምውሳድ ንደቂ እስራኤል ጥፍኣት ዘምፅአሎም እዩ።
8
ኤታን ንኣዛርያ ወለደ።
9
እቶም ንሔፅሮን ዝተወለዱሉ ደቂ ኸዓ ይረሕምኤልን ኣራምን ካልብን እዮም።
10
ኣራም ድማ ንኣሚናዳብ ወለደ፤ ኣሚናዳብ ከዓ ንነኣሶን ሓላቓ ደቂ ይሁዳ ወለደ።
11
ነኣሶን ድማ ንሰልሞን ወለደ፤ ሰልሞን ከዓ ንቦዔዝ ወለደ።
12
ቦዔዝ ድማ ንኢዮቤድ ወለደ፤ ኢዮቤድ ከዓ ንእሴይ ወለደ።
13
ደቂ እሴይ፦ በዅሪ ኤልያብ፥ ካልኣይ ኣሚናዳብ፥ ሳልሳይ ሳማን፥
14
ራብዓይ ናትናኤል፥ ሓምሻይ ራዳይ፥
15
ሻድሻይ ኣሳም፥ ሻውዓይ ዳዊት ነበሩ።
16
ኣሓቶም ከዓ ፅሩያን ኣቢግያን ነበራ። ደቂ ፅሩያ ድማ ኣቢሳይን ኢዮኣብን ኣሳሄልን፥ ሰለስተ ነበሩ።
17
ኣቢግያ ኸዓ ንኣሜሳይ ወለደት፤ ኣቦ ኣሜሳይ ድማ ዬቴር ዝተብሃለ እስማኤላዊ ነበረ።
18
ካሌብ ወዲ ኤስሮም ከዓ ኻብ ዓዙባ ሰበይቱ ይሪኦትም እትበሃል ጓል ወለደ፤ ንሳ ድማ ንያሳርን ሶባብን ኣርዶንን ወለደት።
19
ዓዙባ ምስ ሞተት ከዓ፥ ካሌብ ንኤፍራታ ኣእተዋ እሞ ንሆር ወለደትሉ።
20
ሆር ድማ ንኡሪ ወለደ፤ ኡሪ ኸዓ ንባስልኤል ወለደ፤
21
ደሓር ድማ ኤስሮም ንጓል ማኪር ኣቦ ገለዓድ ኣእተዋ እሞ ንሰጉብ ወለደትሉ። ንሱ ኸእትዋ እንተሎ ወዲ ስሳ ዓመት ነበረ።
22
ሴጉብ ድማ ንኢያኢር ወለደ፤ ንሱ ኣብ ምድሪ ገለዓድ ዕስራን ሰለስተን ከተማታት ነበራኦ።
23
ጌሹርን ኣራምን ግና ንኣኣቶም ስሳ ኸተማታት ኣሕደግዎም። ኢያዕርን ቄናትን እተን ኣብ ዙርያአን ዝነበራ ቝሸታትን እውን ካብኣተን ነበራ። እዚኣቶም ኵሎም ደቂ ማኪር ኣቦ ገለዓድ ነበሩ።
24
ኤስሮም ኣብ ኤፍራታ ናይ ካሌብ ምስ ሞተ፥ ኣቢያ ሰበይቱ፥ ኣቦ ቴቁሔ ንዝኾነ ንኣሽሑር ወለደትሉ።
25
ደቂ ይረሕምኤል፥ በዅሪ ወዱ ንኤስሮም፦ በዅሪ ራም፥ ቡናህ፥ ኦሬን፥ ኣፄም፥ ኣኪያ።
26
ንይረሕምኤል ዓጣራ ዝስማ ኻልእ ሰበይቲ ኸዓ ነበረቶ፤ ንሳ እኖ ኦናም እያ።
27
ደቂ ራም በዅሪ ወዱ ንይረሕምኤል፦ መዓስ፥ ያሚን፥ ዔቄር እዮም።
28
ደቂ ኦናም፦ ሸማይን ያዳን እዮም። ደቂ ሸማይ፦ ናዳብን ኣቢሱርን እዮም።
29
ስም ሰበይቲ ኣቢሱር ከዓ ኣቢካኢል እዩ። ንሳ ንኣሕባንን ንሞሊድን ወለደትሉ።
30
ደቂ ናዳብ፦ ሴሌድን ኣፋይምን ነበሩ። ሴሌድ ውሉድ ዘይብሉ ሞተ።
31
ኣፋይም ንይሽዒ ወለደ፤ ይሽዒ ንሶሳን ወለደ፤ ሶሳን ንኣሕላይ ወለደ።
32
ደቂ ያዳዕ ሓው ሸማይ፦ ዮቴርን ዮናታንን ነበሩ። ዮቴርውን ውሉድ ዘይብሉ ሞተ።
33
ደቂ ዮናታን፦ ፌሌትን ዛዛን፥ እዚኣቶም ደቂ ይረሕምኤል እዮም።
34
ንሶሳን ግና ኣጓላት እምበር ኣወዳት ኣይነበርዎን። ንሶሳንውን ኢዮሄል ዝስሙ ግብፃዊ ሓሽከር ነበሮ።
35
ሶሳን ንኢዮሄል ሓሽከሩ፥ ሰበይቲ ኽትኮኖ ጓሉ ሃቦ፤ ንሳ ኸዓ ንዓታይ ወለደት።
36
ዓታይ ድማ ንናታን ወለደ፤ ናታን ድማ ንዛባድ ወለደ፤
37
ዛባድ ንኤፍላል ወለደ፤ ኤፍላል ከዓ ንዖቤድ ወለደ፤
38
ዖቤድ ንኢዩ ወለደ፤ ኢዩ ድማ ንኣዛርያስ ወለደ፤
39
ኣዛርያስ ንኬሌስ ወለደ፤ ኬሌስ ከዓ ንኤልዓሳ ወለደ፤
40
ኤልዓሳ ንሲስማይ ወለደ፤ ሲስማይ ድማ ንሰሎም ወለደ፤
41
ሰሎም ንየቃምያ ወለደ፤ የቃምያ ድማ ንኤሊሳማ ወለደ፤
42
ካሌብ ሓው ይረሕምኤል ንበዅሪ ወዱ ሞሳ ወለደ፤ ሞሳ ንዚፍ ወለደ፤ ዚፍ ንመሪሳ ወለደ፤ መሪሳ ንኬብሮን ወለደ፤
43
ደቂ ኬብሮን፦ ቆሬ፥ ተፉዋ፥ ሬቄም፥ ሽማዕ ነበሩ።
44
ሸማዕውን ንረሓም ወለደ፤ ረሓም ንዮርቅዓም ወለደ፤ ሬቄም ድማ ንሸማይ ወለደ፤
45
ሸማይ ንማዖን ወለደ፤ ማዖን ድማ ንቤትፁር ወለደ፤
46
ዔፋ ሰበይቲ ወሰኑ ንካሌብ ድማ ሓራንን ሞዳን ጋዜዝን ወለደትሉ። ሓራን ከዓ ንጋዜዝ ወለደ።
47
ደቂ ያህዳይ፦ ሬጌም፥ ኢዮታም፥ ጌሻን፥ ፋሌጥ፥ ሔፋ፥ ሸዓፍ እዮም።
48
ማዓካ ሰበይቲ ወሰኑ ንካሌብ ድማ ንሼቤርን ንቲርሓናን ወለደት።
49
እቲ ንመድማና ዝመስረተ ሸዓፍን፥ እቲ ንመክቢናን ንጊብዓን ዝወለደ ንሱሳን ወለደትሉ። ካሌብ፥ ዓክሳ እትበሃል ጓልውን ነበረቶ።
50
ደቂ ካሌብ እዚኣቶም እዮም፦ ሆር፥ ኤፍራታ ዝወለዶ በዅሪ ወዱ ሶባል፥ ንሱ ኸዓ ንቂርያትይዓሪም ወለደ።
51
ሰልሞን ካልኣይ ወዱ፥ ንቤተ ልሔም ወለደ፤ ሓሬፍ ሳልሳይ ወዱ ኸዓ ኣቦ ቤት ጋዴር እዩ።
52
ኣቦ ቂርያትይዓሪም ሶባል፥ ኣቦ መናሕታውያን ሃሮኤ ዝበሃሉ ህዝቢ ወለደ፤
53
ዓሌታት ቂርያትይዓሪም፦ ይትራውያን፥ ፉታውያን፥ ሹማታውያን፥ ሚሽራዓውያን። ካብዚኣቶም ፆርዓውያንን ኤሽታኦላውያንን ተወለዱ።
54
ደቂ ሰልሞን፦ ቤተ ልሔም፥ ነጦፋውያን፥ ዓጣሮት ቤት ዮኣብ፥ ፈረቓ መናሕታውያን፥ ፆርዓውያን እዮም።
55
እቶም ኣብ ያቤፅ ዝቕመጡ ዝነበሩ ዓሌታት ፀሓፍቲ ድማ ቲርዓውያን፥ ሺምዓታውያን፥ ሱካታውያን እዮም። እዚኣቶም እቶም ካብ ሓማት፥ ኣቦ ቤት ሬካብ ዝተወለዱ ቄናውያን እዮም።
← Chapter 1
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 23
Chapter 24
Chapter 25
Chapter 26
Chapter 27
Chapter 28
Chapter 29
Chapter 3 →
All chapters:
1
2
3
4
5
6
7
8
9
10
11
12
13
14
15
16
17
18
19
20
21
22
23
24
25
26
27
28
29