bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
/
1 Corinthians 2
1 Corinthians 2
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
← Chapter 1
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 3 →
1
ኣሕዋተይ፥ ኣነውን ናባኻትኩም ክመፅእ እንተለኹ፥ ብኽእለት ዘረባ ወይ ብጥበብ፥ ምስጢር እግዚኣብሄር ክሰብከልኩም ኣይመፃእኹን።
2
ምሳኻትኩም እንተለኹ፥ እንትርፊ ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ንሱውን እቲ ዝተሰቕለ እንተ ዘይኮይኑ፥ ካልእ ከይፈልጥ ወሲነ ነይረ እየሞ።
3
ኣነ ኸዓ፥ ብድኻምን ብፍርሓትን ብብዙሕ ምንቅጥቃጥን እየ፥ ምሳኻትኩም ዝነበርኩ።
4
ቃለይን ስብከተይን፥ ንመንፈስ ቅዱስን ሓይሉን ዝገልፅ እምበር፥ ብዝጥብር ቃል ጥበብ ኣይነበረን።
5
እዙይ ከዓ፥ እምነትኩም፥ ኣብ ሓይሊ እግዚኣብሄር እምበር፥ ኣብ ጥበብ ሰብ፥ ዝተመስረተ ምእንቲ ኸይኸውን እዩ።
6
ኣብ ማእኸል እቶም ለባማት ዝኾኑ ግና፥ ጥበብ ንናገር ኢና፤ እቲ እንናገሮ ግና፥ ጥበብ እዛ ዓለም፥ ወይ ጥበብ ናይቶም ዝሓልፉ ገዛእቲ እዛ ዓለም እዚኣ ኣይኮነን።
7
ንሕናስ፥ እቲ እግዚኣብሄር ቅድሚ ዘመናት ንኽብርና ዘዳለዎ፥ ተሰዊሩ ዝነበረ ምስጢር ንዝኾነ፥ ጥበብ እግዚኣብሄር ኢና እንዛረብ።
8
ካብ ገዛእቲ እዛ ዓለም እዚኣ፥ ሓደኳ ነዝ ጥበብ እዙይ ኣይፈለጦን፤ እንተ ዝፈልጡስ፥ ነቲ ጐይታ ኽብሪ ኣይምሰቐልዎን ነይሮም።
9
ግና እቲ ፅሑፍ፦ “ዓይኒ ዘይረአዮ፥ እዝኒ ዘይሰምዖ፥ ልቢ ሰብውን ዘይሓሰቦ፥ እግዚኣብሄር ነቶም ዝፈትውዎ ዘዳለወሎም” ይብል።
10
ንኣና ግና፥ እግዚኣብሄር ብመንፈሱ ገይሩ ገለፀልና፤ እቲ መንፈስ ቅዱስ፥ ንዅሉ ናይ እግዚኣብሄር ዓሚቝ ምስጢር፥ ዝምርምር እዩ እሞ።
11
እቲ ኣብ ሰብ ዘሎ መንፈስ እንተ ዘይኮይኑ፥ ነቲ ኣብ ልቢ ሰብ ዘሎ ዝፈልጥ የለን። ከምኡውን፥ መንፈስ እግዚኣብሄር እንተ ዘይኮይኑ፥ ነቲ ኣብ እግዚኣብሄር ዘሎ ሓሳብ፥ ሓደኳ ዝፈልጦ የለን።
12
ንሕና ግና፥ ነቲ እግዚኣብሄር ብኸምኡ ዝሃበና ፀጋ ምእንቲ ኽንፈልጥስ፥ ነቲ ኻብ እግዚኣብሄር ዝኾነ መንፈስ ደኣ ተቐበልና እምበር፥ ናይዝ ዓለም መንፈስ ኣይተቐበልናን።
13
ንሕና ኸዓ፥ መንፈሳዊ ነገር፥ ምስ መንፈሳውያን ሰባት እናሰማማዕና፥ ጥበብ ሰብ ብዝምህረሉ ቓል ዘይኮነስ፥ መንፈስ ቅዱስ ብዝምህረሉ ቓል፥ ንዛረብ ኣለና።
14
እቲ ስጋዊ ሰብ፥ ነቲ ኻብ መንፈስ እግዚኣብሄር ዝመፅእ ኣይቕበሎን እዩ፤ ንእኡ ዕሽነት እዩ፤ ብመንፈስ ዝምርመር ስለ ዝኾነ ኸዓ፥ ክፈልጦ ኣይኽእልን እዩ።
15
ናይ እግዚኣብሄር መንፈስ ዝሓደሮ ሰብ ግና፥ ንዅሉ ይምርምር፤ ንሱ ግና ብሓደኳ ኣይምርመርን እዩ።
16
“ንእግዚኣብሄር ክምህሮ ኢሉስ፥ ንልቡ ዝፈልጥ መን እዩ?” ንሕና ግና ናይ ክርስቶስ ልቢ ኣለና።
← Chapter 1
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 3 →
All chapters:
1
2
3
4
5
6
7
8
9
10
11
12
13
14
15
16