bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
/
1 Timothy 2
1 Timothy 2
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
← Chapter 1
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 3 →
1
እምበኣር ቅድሚ ዅሉ ምህለላ፥ ፀሎት፥ ምምላድ፥ ምስጋና፥ ምእንቲ ዅሉ ሰብን፥
2
ምእንቲ ነገስታትን፥ ምእንቲ ሰበ ስልጣንን፥ ክግበር እምዕድ ኣለኹ። እዙይ ከዓ ብመንፈሳዊነትን፥ ህዱእን፥ ሰላማዊን፥ ዝኾነ ህይወት ምእንቲ ኽንነብር እዩ።
3
እዙይ፥ ኣብ ቅድሚ እቲ መድሓኒና ዝኾነ እግዚኣብሄር፥ ሰናይን ዘሐጕስን እዩ።
4
ንሱ፥ ኵሉ ሰብ ክድሕንን፥ ናብ ፍልጠት ሓቂ ኽመፅእን፥ ይፈቱ እዩ እሞ።
5
እግዚኣብሄር ሓደ እዩ፤ እቲ ኣብ መንጎ እግዚኣብሄርን ሰብን ዘሎ መተዓረቒ ድማ፥ ሓደ እዩ፤ ንሱ ኸዓ፥ እቲ ሰብ ዝኾነ ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ።
6
ንሱ፥ ክንዲ ዅሉ ሰብ፥ ቤዛ ገይሩ፥ ንባዕሉ ኣሕሊፉ ሃበ፤ እዙይውን፥ በቲ ብገዛ ዘመኑ ምስክርነቱ ነበረ።
7
ኣነውን ነዙይ እየ፥ ንኣህዛብ ሓቅን እምነትን ምእንቲ ኽምህር፥ ሰባኽን ሃዋርያን ኮይነ ዝተሸምኩ፤ ሓቂ እየ ዝዛረብ እምበር፥ ኣይሕሱን እየ።
8
ኵሎም ሰብኡት፥ ካብ ኵራን ባእስን ርሒቖም፥ ኣብ ኵሉ ስፍራ፥ ቅዱሳት ኣእዳዎም ኣልዒሎም፥ ክፅልዩ እደሊ ኣለኹ።
9
ኣንስትውን፥ ርእሰን ብምቝናን ወይ ብወርቂ ወይ ብዕንቊ ወይ ብኽቡር ዝዋጋኡ ኽዳውንቲ ብምግያፅ ዘይኮነስ፥ ግቡእን ትሕትና ዘርእን፥ ክዳን ይከደና።
10
ከምቲ ነተን መንፈሳውያት ኣንስቲ ዝግባእ፥ ብሰናይ ግብሪ ኽሽለማ እደሊ ኣለኹ።
11
ሰበይትስ፥ እዝዝቲ ብምዃን ብህድኣት ደኣ ትመሃር።
12
ሰበይቲ ኽትምህር ወይ ኣብ ልዕሊ ሰብኣይ ስልጣን ክህልዋ፥ ኣይፈቅድን እየ። ንሳስ ስቕ ደኣ ትበል።
13
ቅድም ዝተፈጠረ ኣዳም እዩ፤ ደሓር ከዓ ሔዋን እያ እሞ።
14
ከምኡ ኸዓ ሰበይቲ እያ ተታሊላ ትእዛዝ ዝጠሓሰት እምበር፥ ኣዳም ኣይተታለለን።
15
ሰበይቲ ግና፥ ብእምነትን ብፍቕርን ብቕድስናን ብትሕትናን ፀኒዓ እንተ ነበረት፥ ውሉድ ብምውላድ ክትድሕን እያ።
← Chapter 1
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 3 →
All chapters:
1
2
3
4
5
6