bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
/
2 Thessalonians 2
2 Thessalonians 2
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
← Chapter 1
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 3 →
1
ሕዚ ኸዓ፥ ኣቱም ኣሕዋትና፥ ብዛዕባ ምፅኣት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ብዛዕባ እቲ ናብኡ ምእካብናን፥ እንነግረኩም እዙይ እዩ፦
2
ብመንፈስ ወይ ብቓል፥ ወይ ካባና ኸም ዝተፅሓፈት መልእኽቲ ብምምሳል፥ “ጐይታ ተመሊሱ ዝመፀላ መዓልቲ በፂሓ እያ” ኢልኩም፥ ቀልጢፍኩም ኣይትደንግፁን ኣይትተሃወኹን።
3
ኣቐዲሙ ኽሕደት እንተይመፀ፥ እቲ ናይ ዓመፅ ሰብ ዝኾነ፥ ናይ ጥፍኣት ሰብ እንተይተገልፀ፥ ጐይታ ተመሊሱ ዝመፀላ መዓልቲ ኣይትመፅእን እያ እሞ፥ ሓደኳ ብዝኾነ መንገዲ ኣየስሕትኩም።
4
“ኣነ እግዚኣብሄር እየ” ኢሉ ብምእዋጅ፥ ኣብ ቤተ መቕደስ እግዚኣብሄር ዝቕመጥ፥ ኣምላኽ ካብ ዝተብሃለ ዅሉ፥ ሰባት ካብ ዘምልኽዎ ዅሉ፥ ንባዕሉ ልዕል ልዕል ዘብል ተቓዋሚ፥ ንሱ እዩ።
5
ኣነ ገና ምሳኻትኩም እንተለኹ፥ ነዙይ ከም ዝነገርኩኹምከ፥ ኣይትዝክርዎን ዲኹም?
6
ንሱ ኣብቲ ዝተወሰነሉ እዋን ምእንቲ ኽግለፅ፥ እቲ ሕዚ ዝኽልክሎ እንታይ ምዃኑ፥ ትፈልጥዎ ኢኹም።
7
እቲ ናይ ዓመፅ ምስጢር፥ ድሮ እኳ ይሰርሕ ኣሎ፤ እንተ ኾነ እቲ ኸልኪልዎ ዘሎ፥ ንሱ ኻብ መንገዱ ኽሳዕ ዘግልስ፥ ኣይግለፅን እዩ።
8
ድሕሪዙይ፥ ናይ ዓመፅ ሰብ ክግለፅ እዩ፤ ጐይታ ኢየሱስ ከዓ፥ በቲ ኻብ ኣፉ ዝወፅእ ትንፋስ፥ ከጥፍኦ እዩ። ብግርማ ምፅኣቱውን ክድምስሶ እዩ።
9
ናይቲ ናይ ዓመፅ ሰብ ምምፃእ፥ በቲ ዅሉ ሰይጣን ዝሰርሖ፥ ብሓይልን፥ መስሓቲ ምልክትን፥ ዘደንቕ ነገራትን፥ ብምግባር ክኸውን እዩ።
10
ከምኡውን ነቶም ዝጠፍኡ ዘስሕተሉ፥ ኵሉ ተንኰልን ክፍኣትን ኣለዎ። እቶም ዝጠፍኡ ኸዓ፥ ነቲ ኸድሕኖም ዝኽእል ሓቂ፥ ፈትዮም ስለ ዘይተቐበሉ እዩ።
11
ስለዙይውን ንሓሰት ምእንቲ ኽኣምኑ፥ እግዚኣብሄር ዘስሕት መንፈስ ይሰደሎም።
12
እዙይ ከዓ ዅሎም እቶም ንሓቂ ዘይኣምኑ፥ ብኽፉእ ግና ዝሕጐሱ ዅሎም፥ ምእንቲ ኽፍረዱ እዩ።
13
ኣቱም ጐይታ ዘፍቅረኩም ኣሕዋትና፥ ብመንፈስ ቅዱስ ተቐዲስኩምን፥ ነቲ ሓቂ ኣሚንኩምን፥ ምእንቲ ኽትድሕኑ፥ ካብ መጀመርታ ስለ ዝሓረየኩም፥ ንሕና ብዛዕባኻትኩም ንእግዚኣብሄር ኵልሻዕ ክነመስግኖ፥ ግቡእና እዩ።
14
ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ክብሪ ተኻፈልቲ ምእንቲ ኽትኮኑ ኢሉ፥ በቲ ንሕና እንሰብኮ ወንጌሉ ፀውዐኩም።
15
እምበኣር፥ ኣቱም ኣሕዋትና፥ ፀኒዕኹም ቁሙ፤ ነቲ ብቓል ኮነ ብመልእኽትና ዝመሃርናኩም፥ ኣፅኒዕኹም ሓዝዎ።
16
ባዕሉ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን፥ እቲ ዘፍቀረና፥ ብፀጋኡ ኸዓ፥ ዘለኣለማዊ ምፅንናዕን፥ ሰናይ ተስፋውን ዝሃበና እግዚኣብሄር ኣቦና፥
17
ንልብኹም የፀናንዕ፤ ብሰናይ ግብርን ቃልን ከዓ የበርትዕኹም።
← Chapter 1
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 3 →
All chapters:
1
2
3