bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
/
3 John 1
3 John 1
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
Jump to:
Chapter 1
1
ካብ ሽማግሌ፥ ናብቲ ኣነ ብሓቂ ዝፈትዎ ፍቑር ጋይዮስ።
2
ኣታ ፍቑረይ፥ ከምቲ መንፈሳዊ ናብራኻ ፅቡቕ ዘሎ፥ ከምኡ ኸዓ ብዅሉ ደሓን ክትህሉን፥ ጥዒና ኽትረክብን፥ እፅልየልካ ኣለኹ።
3
ንስኻ በታ ሓቂ ትነብር ከም ዘለኻ፥ ኣሕዋት መፂኦም፥ ብዛዕባ እታ ኣባኻ ዘላ ሓቂ ብምምስካሮም፥ ብዙሕ ተሓጒሰ ኣለኹ።
4
ኣነ እቶም ደቀይ፥ በቲ ሓቂ ይነብሩ ኸም ዘለዉ ኻብ ምስማዕ ዝዓቢ ሓጐስ የብለይን።
5
ኣታ ፍቑረይ፥ ንሳቶም ኣጋይሽ እንተ ኾኑ እኳ፥ እቲ ነቶም ኣሕዋት እትገብሮ ዘለኻ ኣገልግሎት፥ እሙን ኴንካ ትገብሮ ኣለኻ።
6
እዚኣቶም ኣብ ቅድሚ ቤተ ክርስቲያን፥ ብዛዕባ ፍቕርኻ መስኪሮም ኣለዉ። ንእግዚኣብሄር ከም ዘሐጕስ ጌርካ፥ ዘድልዮም ሂብካ ኣፋንዎም።
7
ንሳቶም፥ ካብቶም ኣህዛብ ሓንቲ እኳ እንተይወሰዱ፥ ምእንቲ ስም ክርስቶስ ዝወፁ እዮምሞ።
8
እምበኣር ናይታ ሓቂ፥ ተሳተፍቲ ኣገልግሎት ምእንቲ ኽንከውን፥ ከምዚኣቶም ንዝበሉ ሰባት፥ ክንሕግዞም ይግብአና እዩ።
9
ኣነ ናብታ ቤተ ክርስቲያን ፅሒፈ ነይረ፤ እቲ ሓለቓኦም ክኸውን ዝደሊ ድዮጥራጢስ ግና፥ ሓሳብና ኣይቕበሎን።
10
ስለዙይ ኣነ ምስ መፃእኹ፥ ነቲ ንሱ ኣብ ልዕሌና ዝዛረቦ ኽፉእ ነገራት፥ ክገልፆ እየ። እዙይ ምእኻል ኣብይዎ ኸዓ፥ ንሱ ባዕሉ ነቶም ኣሕዋት ኣይቕበሎምን፤ ነቶም ክቕበልዎም ዝደልዩውን፥ ይኽልክሎም፤ ካብ ቤተ ክርስቲያን ድማ፥ የውፅኦም ኣሎ።
11
ኣታ ፍቑረይ፥ ነቲ ሰናይ ደኣ እምበር፥ ነቲ ኽፉእስ ኣይትስዓቦ። እቲ ሰናይ ዝገብር ካብ እግዚኣብሄር እዩ፤ እቲ ኽፉእ ዝገብር ግና፥ ንእግዚኣብሄር ኣይረአዮን።
12
ንድሜጥሮስ ኵላቶም ይምስክሩሉ ኣለዉ፤ እታ ሓቂ ድማ፥ ባዕላ ትምስክረሉ ኣላ። ንሕናውን ንምስክረሉ ኣለና። ምስክርነትና ሓቂ ኸም ዝኾነ ድማ፥ ንስኻ ትፈልጥ ኢኻ።
13
ብዙሕ ዝፅሕፈልካ ነይሩኒ፤ ግናኸ ብቐለምን ብብርዕን ክፅሕፈልካ ኣይደለኹን።
14
ቀልጢፈ ኽሪአካ ተስፋ ኣለኒ፤ ሽዑ ኣፍ ንኣፍ ክንዘራረብ ኢና።
15
ሰላም ምሳኻ ይኹን። እቶም ፈተውትኻ፥ ሰላም ይብሉኻ ኣለዉ። ነቶም ፈተውትና፥ በብስሞም ሰላም በሎም።
Jump to:
Chapter 1
All chapters:
1