bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
/
Ecclesiastes 2
Ecclesiastes 2
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
← Chapter 1
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 3 →
1
ኣነ ብልበይ “ነዓ ብደስታ ኽፍትነካ እየ፤ ሰናይ ዝኾነ ኸዓ ጠዓም” በልኩ። ግና እንሆ እዙይውን ከንቱ ነበረ።
2
ንሰሓቕ ዕቡድ ኢኻ በልክዎ፤ ንደስታ ኸዓ እንታይ ትጠቅም በልክዎ።
3
ኣነ ብልበይ፥ ደቂ ሰብ ብዘመን ህይወቶም ኣብ ትሕቲ ፀሓይ ክገብርዋ እትግባእ ሰናይ ነገር እንታይ ከም ዝኾነት ክሳዕ ዝርኢ፥ ልበይ ብጥበብ እናመርሐኒ፥ ንሰብነተይ ብወይኒ ኸሐጕሶ ንዕሽነትውን ንምሓዝ ብልበይ መርመርኩ።
4
ዓበይቲ ስራሕቲ ሰራሕኹ፤ ኣባይቲውን ሰራሕኹ፤ ኣታኽልቲ ወይኒ እውን ተኸልኩ።
5
ኣታኽልትን ገነትን ንኣይ ገበርኩ፤ በብዓይነቱ ፍረታት ዝፈሪ ኣእዋም ከዓ ኣብ ውሽጦም ተኸልኩ።
6
ነቶም ኣብ ዱር ዝተተኸሉ ኣእዋም ምእንቲ ኸስትየሉ ዒላ ገበርኩ።
7
ኣወዳትን ኣጓላትን ባሮት ዓደግኩ፤ ኣብ ቤተይ ዝተወለዱ ባሮትውን ነበሩኒ፤ ካብ ናይቶም ቅድመይ ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነበሩ ዅሎም ዝበዝሓ ኸብትን ጠለ በጊዕን ድማ ነበራኒ።
8
ብሩርን ወርቅን ዝኸበረ ናይ ነገስታትን ኣውራጃታትን መዛግብ ኣከብኩ። ዝደርፉለይ ሰብኡትን ኣንስትን ነበሩኒ፤ ንሰብ ደስ ከብላኦ ዝኽእላ ብዙሓት ኣንስቲ ኸዓ ኣከብኩ።
9
በዝ ኸምዙይ ከዓ ሕልፊ ዅሎም እቶም ቅድመይ ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነበሩ ዝዓበኹ ኾንኩ፤ ጥበበይውን ምሳይ ፀንዐት።
10
ነዒንተይ ኵሉ ዝበሃጋኦ ኣይከልከልኩወንን፤ ልበይ ብዅሉ ድኻመይ ይሕጐስ ነበረሞ ንልበይ ካብ ሓጐስ ኣየርሓቕኩዎን፤ ዓስቢ ዅሉ እቲ ፃዕረይ ከዓ እዙይ ኮነ።
11
ሽዑ ነቲ ዅሉ ኢደይ ዝሰርሐቶ ስራሐይን ነቲ ዝደኸምኩሉ ድኻመይን ተመልከትኩ፤ እንሆ ኸዓ ዅሉ ኸንቱ፥ ንንፋስውን ከም ምኽታል ነበረ፤ ኣብ ትሕቲ ፀሓይ ድማ ረብሓ የለን።
12
ድሕሪ ንጉስ ዝመፅእ ሰብ ከምቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ዝገበርዎ እንተ ዘይኮይኑ እንታይ ይገብር? ስለዙይ ኣነውን ጥበብን ዕብዳንን ዕሽነትን እንታይ ምዃኑ ንምፍላጥ ከስተንትን ጀመርኩ።
13
ሽዑ ኸምቲ ብርሃን ካብ ፀልማት ዝበልፅ፥ ጥበብ ካብ ድንቍርና ኸም እትበልፅ ረአኹ።
14
ዓይኒ መስተውዓሊ ኣብ ርእሱ እዩ፤ ዓሻ ግና ኣብ ፀልማት ይመላለስ። ግና ንዅሎም ፍፃሜኦም ሓደ ኸም ዝኾነ ኣስተብሃልኩ።
15
ኣነውን ብልበይ “ንምንታይ የመና ጠቢብ ኮንኩ? ኸምቲ ንዓሻ ዝበፅሖ ንኣይውን ክበፅሐኒ እዩ” ኢለ ሓሰብኩ። ሽዑ ብልበይ “እዙይውን ከንቱ እዩ” በልኩ።
16
በተን ዝመፃ መዓልቲታት ኵሉ ኽርሳዕ እዩሞ፥ ነቲ ጥበበኛ ኾነ ነቲ ዓሻ ናይ ዘለኣለም መዘከርታ ኣይርከብን። ኣየ! ለባም ምስ ዓሻ ኸመይ ይመውት!
17
ኣብ ትሕቲ ፀሓይ ዝግበር ኵሉ ስለ ዝኸበደኒ፥ ህይወት ፀላእኹ፤ ኵሉ ኸንቱ እዩ፤ ንንፋስውን ከም ምኽታል እዩ።
18
ነቲ ብድሕረይ ዝመፅእ ሰብ ክሓድገሉ እየ እሞ፥ ነቲ ኣብ ትሕቲ ፀሓይ ዝደኸምኩሉ ዅሉ ስራሕ ፀላእኽዎ።
19
ንሱ ለባም ክኸውን ወይ ዓሻ፥ መን ይፈልጥ? ምስ ናይ እዙይ ግና ነቲ ኣብ ትሕቲ ፀሓይ ጥበበኛ ኮይነ ዝፀዓርኩሉ ዅሉ ስራሐይ ንሱ እዩ ዝጕይተተሉ፤ እዙይውን ከንቱ እዩ።
20
ስለዙይ ምልስ ኢለ ብዛዕባ እቲ ኣብ ትሕቲ ፀሓይ ዝፀዓርኩሉ ፃዕረይ ንልበይ ተስፋ ኣቝረፅኩዎ።
21
እንሆ፥ ብጥበብን ብፍልጠትን ብብልሓትን ዝፀዓረ ሰብ ንዘይደኸመሉ ሰብ እዩ ዘውርሶሞ፥ እዙይውን ከንቱን ዓብዪ ወፅዓን እዩ።
22
ሰብ በቲ ኣብ ትሕቲ ፀሓይ ዝፀዓሮን ዝደኸሞን እንታይ እዩ ረብሓኡ?
23
ኵሉ ዘመኑ ሓዘን፥ ፃዕርን ትካዘን እዩ፤ ለይቲ እኳ ልቡ ኣይድቅስን፤ እዙይውን ከንቱ እዩ።
24
ንሰብ ካብ ዝብላዕን ካብ ዝስተን ካብቲ ብፃዕሩ ምሕጓስን ዝሓሸ ኻልእ ነገር የብሉን፤ እዙይውን ካብ ኢድ እግዚኣብሄር ከም ዝወሃብ ረአኹ።
25
ብዘይ ናቱ ፍቓድ ዝበልዐ፥ ተሓጒሱውን ንምቾት ዝጠዓመ መን እዩ?
26
እግዚኣብሄር ነቲ ዘሐጕሶ ሰብ፥ ጥበብን ፍልጠትን ሓጐስን ይህቦ፤ ንሓጥእ ግና ነቲ ንእግዚኣብሄር ዘሐጕስ ሰብ ምእንቲ ኽህቦስ፥ ክእክብን ክድልብን ከም ዝፅዕር ይገብሮ፤ እዙይውን ከንቱ እዩ፤ ንንፋስውን ከም ምኽታል እዩ።
← Chapter 1
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 3 →
All chapters:
1
2
3
4
5
6
7
8
9
10
11
12