bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
/
Habakkuk 1
Habakkuk 1
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 2 →
1
ነቢይ እንባቆም ዝረኣዮ ፆር እዙይ እዩ።
2
ኦ እግዚኣብሄር፥ ናባኻ እንተእዊ፥ ክሳዕ መኣዝ ኢኻ ዘይትሰምዐኒ? “ግፍዒ በዝሐ” ኢለ ናባኻ ኣእዌኹ፤ ንስኻውን ኣየድሓንካን።
3
ስለ ምንታይ በደል ኣርአኻኒ? ንስኻኸ ስለ ምንታይ ዓመፅ እትምልከት? ጥፍኣትን ግፍዕን ኣብ ቅድመይ እዩ። ባእስን ክርክርን ከዓ ይለዓል ኣሎ።
4
ስለዙይ ሕጊ ላሕለሐ፤ ፍትሒውን ኣሰኒፉ ኣይወፀን። ሓጢኣተኛ ነቲ ፃድቕ ከቢብዎ እዩ እሞ፥ ፍርዲ ቀይኒኑ ይወፅእ ኣሎ።
5
“ኣቱም እትንዕቑ ሓደ እንተ ተረኸልኩምኳ ዘይትኣምንዎ ስራሕ፥ ኣብ ዘመንኩም እሰርሕ ኣለኹሞ ረአዩ፤ ተመልከቱ፤ ተገረሙ።
6
እንሆ፥ ዘይናቶም መንበሪ ኽወርሱ፥ ኣብ ስፍሓት ምድሪ ዝኸዱ፥ መረርትን ፍጡናትን ህዝቢ ከለዳውያን ከተስእ እየ።
7
ንሳቶም ዘፍርሑን ዘደንግፁን እዮም፤ ፍርዶምን ክብረቶምን ካብኣቶም ይወፅእ።
8
“ኣፍራሶም ካብ ነብሪ ይቕልጥፉ፤ ካብ ተዅላ ምሸትውን ይጭክኑ። ፈረሰኛታቶም ቀልጢፎም ይጋልቡ፤ ካብ ርሑቕ ስፍራውን ይመፁ። ከምቲ ነጢቁ ንምብላዕ ዝሃፅፅ ንስሪ ይነፍሩ።
9
“ኵላቶም ክዕምፁ ይመፁ፤ ገፆምውን ከም ንፋስ ምብራቕ የቕንዑ። ምሩኻት ከዓ ኸም ሑፃ ይእክቡ።
10
ንነገስታት የላግፁሎም፤ ንመሳፍንቲ ኸዓ መስሓቒ ይገብርዎም። ብዅሉ ዕርድታት ይስሕቑ፤ ነቲ ሓመድውን ኰሚሮም ይወስድዎ።
11
ሽዑ ኸም ንፋስ ሓሊፉ ይኸይድ፤ ይብድልውን፤ ንሓይሉውን ከም ኣምላኽ ይገብሮ።”
12
ኦ ቅዱስ ኣምላኸይ፥ ንስኻ ኻብ ዘለኣለም ጀሚሩ ዘለኻዶ ኣይኮንካን? ንሕና ኣይንመውትን፤ ኦ እግዚኣብሄር፥ ንፍርዲ ኣንበርካዮ፤ ኦ ኸውሐይ ንተግሳፅውን ገበርካዮ።
13
ኣዒንትኻ ኽፉእ ከይሪኣ የመና ፅሩያት እየን፤ ንሓጢኣት ክትጥምትውን ኣይትኽእልን። ነቶም መታለልቲኸ፥ ስለ ምንታይ ስቕ ኢልካ እትጥምቶም? ስለ ምንታይከ እቲ ሓጥእ፥ ነቲ ኻብኡ ዝፀድቕ እንትውሕጦ ስቕ እትብል?
14
ስለ ምንታይከ ንሰባት፥ ከምቶም ዓሳ ባሕርን፥ ከምቶም ገዛኢ ዘይብሎም ለመምታን እትገብሮም?
15
ንዅላቶም ብመቝለብ የውፅኦም፤ ብመርበብውን ይሕዞም፤ ብመፃወዲኡ ድማ ይእክቦም፤ በዙይውን ተሓጒሱ ዕልል ይብል።
16
ዕድሉ ብኣኣቶም ሰቢሓ እያሞ፥ ምግቡውን በዚሓ እያሞ፥ ንመርበቡ ይስውእ፤ ንመግፈፊኡውን ይዓጥን።
17
ስለዙይ መርበቡ ኽድርቢ ድዩ? ዅልሻዕኸ ንህዝብታት ክቐትል ኣይርህርህንዶ?
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 2 →
All chapters:
1
2
3