bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
/
Haggai 2
Haggai 2
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
← Chapter 1
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
1
ብሻውዐይቲ ወርሒ፥ ብመበል ዕስራን ሓደን መዓልቲ፥ ብነቢይ ሓጌ ኸምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር መፀ፦
2
ንዘሩባቤል ወዲ ሰላትያል ገዛኢ ይሁዳን፥ ንኢያሱ ወዲ ሊቀ ካህናት ኢዮሴዴቅን፥ ነቶም ዝተረፉ ህዝብን ከምዙይ ኢልካ ንገሮም፦
3
“ነዝ ቤተ መቕደስ እዙይ፥ በቲ ቐዳማይ ክብረቱ ዝረአዮ፥ ካባኻትኩም ዝተረፈ መን ኣሎ? ሕዚኸ ኸመይ ኮይኑ ትሪእዎ ኣለኹም? ኣብ ኣዒንትኹም ከም ዘየለዶ ኣይኮነን?
4
ሕዚ ኸዓ፥ ኦ ዘሩባቤል፥ ፅናዕ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ንስኻ ኢያሱ ወዲ ሊቀ ካህናት ኢዮሴዴቅውን ፅናዕ፤ ኵልኻትኩም ህዝቢ እታ ሃገርውን ፅንዑ፤ ስርሑውን፤ ይብል እግዚኣብሄር። ኣነ ምሳኻትኩም እየ እሞ፥ ስርሑ” ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።
5
ካብ ግብፂ ኽትወፁ እንተለኹም ምሳኻትኩም ዝኣተኹዎ ቓል ኪዳን፥ መንፈሰይ ኣብ ማእኸልኩም ይነብር ኣሎ እሞ፥ ኣይትፍርሑ።
6
ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ድሕሪ ቑሩብ ጊዜ፥ ኣነ ንሰማይን ንምድርን ንባሕርን ንየብስን ከናውፅ እየ።
7
ንዅላቶም ኣህዛብ ከናውፅ እየ፤ ንዅላቶም ኣህዛብ ዝተመረፀ ኽቡር ነገር ድማ ኽመፅእ እዩ፤ ነዝ ቤት እዙይ ከዓ ብኽብሪ ኽመልኦ እየ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።
8
እቲ ብሩር ናተይ እዩ፤ እቲ ወርቂውን ናተይ እዩ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።
9
ካብቲ ቐዳማይስ እቲ ዳሕረዋይ ክብሪ እዝ ቤት እዙይ ክበልፅ እዩ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር። ኣብዛ ቦታ እዚኣ ሰላም ክህብ እየ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።”
10
ብዳርዮስ ብኻልኣይ ዓመት፥ ኣብ ታሽዓይ ወርሒ፥ ኣብ መበል ዕስራን ኣርባዕተን መዓልቲ፥ ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ብነቢይ ሓጌ መፀ፦
11
ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ “ሓደ ኣብ ዘፈር ክዳኑ ዝተቐደሰ ስጋ እንተ ቛፀረ፥ በዛ ዘፈር ክዳኑ ከዓ እንጀራ ወይ ፀብሒ ወይ ወይኒ ወይ ዘይቲ ወይ ዝኾነ ይኹን ካልእ ምግቢ እንተ ነኽአ፥ እቲ ዝተነኽአ በዙይዶ ይቕደስ እዩ? ኢልካ፥ ብዛዕባ ሕጊ ነቶም ካህናት ጠይቆም” በሎ። እቶም ካህናት ከዓ “ኣይፋሉን” ኢሎም መለሱሉ።
13
ሽዑ ሓጌ “ሬሳ ብምንካእ ዝረኸሰ ሰብ ካብዚኣቶም እንተ ነኽአኸ ይረክስዶ?” ኢሉ ጠየቖም። እቶም ካህናት ድማ “እወ ይረክስ” ኢሎም መለሱሉ።
14
ሽዑ ሓጌ “እዝ ህዝብን እዝ ወገን እዙይን ኣብ ቅድመይ ከምኡ እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ኵሉ ስራሕ ኣእዳዎም ከምኡ እዩ፤ እቲ ንኣይ ኣብኡ ዘቕርቡለይውን ርኹስ እዩ” ኢሉ መለሰሎም።
15
“እምበኣር ካብ ሎሚ ጀሚርኩም፥ ኣብ ቤተ መቕደስ እግዚኣብሄር፥ እምኒ ኣብ ልዕሊ እምኒ ቅድሚ ምንብባሩ ዝነበረ ዅነታት ኣስተውዕሉ።
16
ሓደ ሰብ ዕስራ መስፈሪ ናብ ዝርከቦ ምህርቲ እኽሊ ምስ መፀ፥ ዓሰርተ መስፈሪ ጥራሕ ረኸበ፤ ሓምሳ ዕትሮ ወይኒ ንምቕዳሕ ናብ መፅመቚ እንተ ኸደ፥ ዝተረኽበ ዕስራ ጥራሕ እዩ።
17
ንዅሉ ስራሕ ኣእዳውኩም ብሃጕን ብሕሞድያን ብበረድን ወቓዕክዎ፤ ንስኻትኩም ግና ናባይ ኣይተመለስኩምን፤ ይብል እግዚኣብሄር።
18
ካብ ሎሚ ታሽዓይ ወርሒ መበል ዕስራን ኣርባዕተን መዓልቲ ጀሚሩ፥ መሰረት ቤተ መቕደስ እግዚኣብሄር ክሳዕ ዝተመስረተሉ ዘሎ ዘመን ኣስተውዕሉ።
19
እኽልስ ገናዶ ኣብ ቆፎ ኣሎ እዩ? ተኽሊ ወይንን ኦም በለስን ሮማንን ኣውሊዕን፥ ክሳዕ ሎሚ ኣይፈረየን፤ ካብዛ መዓልቲ እዚኣ ጀሚረ ግና ኽባርኸኩም እየ።”
20
ኣብ መበል ዕስራን ኣርባዕተን መዓልቲ ናይታ ወርሒ፥ ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ንኻልኣይ ጊዜ ናብ ሓጌ መፀ።
21
“ንዘሩባቤል ገዛኢ ይሁዳ ኸምዙይ ኢልካ ንገሮ፦ ኣነ ሰማይን ምድርን ከናውፅ እየ፤
22
ዙፋን መንግስታት ክገላብጥ እየ፤ ሓይሊ መንግስታት ኣህዛብ ከጥፍእ እየ፤ ሰረገላታትን ዝቕመጥዎምንውን ክገላብጥ እየ። ኣፍራስን ዝቕመጥወንን ከዓ፥ ነፍሲ ወከፍ ብሰይፊ ሓዉ ተወቒዑ ክወድቕ እዩ።
23
ኦ ባርያይ ዘሩባቤል ወዲ ሰላትያል፥ በታ መዓልቲ እቲኣ ኣነ ኽወስደካ እየ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር። ኣነ ሓርየካ እየ እሞ፥ ከም ቀለበት ማሕተም ክገብረካ እየ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።”
← Chapter 1
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
All chapters:
1
2