bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
/
Hebrews 3
Hebrews 3
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
← Chapter 2
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 4 →
1
እምበኣር ኣቱም ካብቲ ሰማያዊ መፀዋዕታ፥ ተኻፈልቲ ዝኾንኩም ቅዱሳን ኣሕዋትና፥ ናይ እምነትና ሃዋርያን ሊቀ ካህናትን ንዝኾነ ኢየሱስ ተመልከትዎ።
2
ከምቲ ሙሴ ኣብ ኵሉ ቤቱ እሙን ዝነበረ፥ ንሱውን ነቲ ዝሸሞ እሙን ነበረ።
3
ካብቲ ገዛ፥ ነቲ ገዛ ዝሰርሕ ዝበለፀ ኽብሪ ኸም ዘለዎ፥ ከምኡ ኸዓ ኻብ ሙሴ፥ ኢየሱስ ዝበለፀ ኽብሪ ኣለዎ።
4
ንሕድሕድ ገዛ፥ ሰብ ይሰርሖ፤ እቲ ንዅሉ ዝሰርሕ ግና እግዚኣብሄር እዩ።
5
ብዛዕባ እቲ ንሓዋሩ ክኸውን ንዘለዎ ነገራት ምስክር ምእንቲ ክኸውን፥ ሙሴ ኣብ ኵላ ቤት እግዚኣብሄር እሙን ኣገልጋሊ ነበረ።
6
ክርስቶስ ግና ኸም ውሉድ፥ ኣብ ልዕሊ ቤቱ እሙን እዩ፤ ነቲ ትብዓትናን፥ እንምክሐሉ ተስፋናን፥ ክሳዕ መወዳእታ ኣፅኒዕና እንተ ሒዝና ድማ፥ ቤቱ ንሕና ኢና።
7
ስለዙይ፥ ከምቲ መንፈስ ቅዱስ ዝብሎ፥ “ሎሚ ድምፁ እንተ ሰሚዕኹም፥
8
ከምቲ ኣብ ምድረ በዳ፥ ንእግዚኣብሄር ክትፈታተንዎ እንተለኹም ምእዛዝ ዝኣበኹምዎ፥ ልብኹም ኣይተትርሩ።
9
ኣብኡ ኣቦታትኩም ተሃላለኹንን ተፈታተኑንን፤ ነርብዓ ዓመት ከዓ ግብረይ ረአዩ።
10
ስለዙይ ነዝ ትውልዲ እዙይ ተቘጣዕኽዎ፤ ‘ኵልሻዕ ብልቦም ይስሕቱ፤ ንመንገደይውን ኣይፈለጥዎን’ በልኩ።
11
ብቝጥዓይ ድማ፥ ‘ናብ ዕረፍተይ ከቶ ኣይኣትዉን እዮም’ ኢለ መሓልኩ።”
12
ኣሕዋተይ፥ ካባኻትኩም ካብቲ ህያው ዝኾነ እግዚኣብሄር ዘርሕቕ፥ ክፉእን ዘይኣምን ልብን ዘለዎ ሓደኳ ኸይህሉ ተጠንቀቑ።
13
እኳ ደኣ፥ “ሎሚ” ተብሂሉ ዝፅዋዕ መዓልቲ ኽሳዕ ዘሎ፥ ብናይ ሓጢኣት ምትዕሽሻው፥ ናይ ሓደ ሰብ ልቢ እኳ ምእንቲ ኸይተርር፥ በብመዓልቱ ንስንሳትኩም ተመዓዓዱ።
14
ነታ መጀመርታ እምነትና ኽሳዕ መወዳእታ ኣፅኒዕና እንተ ሒዝናያ፥ መዋርስቲ ክርስቶስ ንኸውን።
15
እዙይ ከዓ ኸምቲ፦ “ሎሚ ድምፁ እንተ ሰሚዕኹም፥ ከምቲ ንእግዚኣብሄር ምእዛዝ ዝኣበኹምዎ፥ ልብኹም ኣይተትርሩ” ዝበሎ እዩ።
16
እቶም ሰሚዖም ምእዛዝ ዝኣበይዎኸ እንመን እዮም? ኵላቶም እቶም ሙሴ ኻብ ግብፂ መሪሑ ዘውፅኦምዶ ኣይኮኑን?
17
ነርብዓ ዓመት ዝተቘጥዖምከ እንመን እዮም? እቶም ሓጢኣት ዝገበሩ እሞ፥ ሬሳኦም ኣብ ምድረ በዳ ዝወደቐዶ ኣይኮኑን?
18
“ናብ ዕረፍተይ ኣየኣትዉን እዮም” ኢሉ ዝመሓለሎምከ እንመን ድዮም? እቶም ዘይተኣዘዝዎዶ ኣይኮኑን?
19
ብሰንኪ ዘይምእማኖም ክኣትዉ ኸም ዘይከኣሉውን ንርኢ ኣለና።
← Chapter 2
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 4 →
All chapters:
1
2
3
4
5
6
7
8
9
10
11
12
13