bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
/
Joel 2
Joel 2
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
← Chapter 1
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 3 →
1
መዓልቲ እግዚኣብሄር ትመፅእ ኣላ፤ ቀሪባ ኸዓ እያ እሞ፥ ኣብ ፅዮን መለኸት ንፍሑ፤ ኣብቲ ቅዱስ እምባይ ድማ ኣእውዩ፤ መዓልቲ እግዚኣብሄር መፂኣ እያሞ፥ ኣብ ምድሪ ዝነብሩ ዘለዉ ዅላቶም የንቀጥቅጡ።
2
መዓልቲ ፀልማትን ጣቓን፥ መዓልቲ ደመናን ግብ ዝበለ ፀልማትን፥ ዓቢይን ሓያልን ህዝቢ፥ ከም ብርሃን ወጋሕታ ኣብ ልዕሊ እምባታት ተዘርጊሑ ኣሎ፤ ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ኸምኣቶም ዝበለ ኣይነበረን፤ ድሕሪኣቶምውን ክሳዕ ብዙሕ ውሉድ ወለዶ፥ ከምኣቶም ዝበለ ኸቶ ኣይኸውንን።
3
ኣብ ቅድሚኣቶም ሓዊ ትባላዕ፥ ኣብ ድሕሪኣቶም ድማ፥ ሃልሃልታ ሞዅ የብል፤ እታ ምድሪ ኣብ ቅድሚኣቶም ከም ገነት ኤደን፥ ኣብ ድሕሪኣቶም ከዓ ምድረ በዳ እያ፤ ካብኣቶምውን ዘምልጥ የለን።
4
ትርኢቶም ከም ትርኢት ኣፍራስ እዩ፤ ከም ኣፍራስ ድማ ይጋልቡ።
5
ከምቲ ኣብ ርእሲ እምባ ድዋዕዋዕ ዝብል ሰረገላታት፥ ከምቲ ንሓሰር ክበልዕ እንተሎ፥ ጥዋዕዋዕ ዝብል ድምፂ ሃልሃልታ ሓዊ፥ ከምቲ ንውግእ ዝተሰለፈ ሓያል ህዝቢ ይዘሉ።
6
ኣብ ቅድሚኣቶም ህዝብታት ይጭነቑ፤ ኵሉ ገፅ ሰብውን ይፅልም።
7
ከም ጀጋኑ ይጐዩ፤ ከምዝዋግኡ ሰባት ናብ ቅፅሪ ይድይቡ፤ ነፍሲ ወከፍ በብጐደናኡ ይሓልፍ፤ ካብ መንገዶም ከዓ ድሕር ኣይብሉን።
8
እቲ ሓደ ምስቲ ሓደ ኣይዳፋእን፤ ነፍሲ ወከፍ በብመንገዱ ይኸይድ፤ ናብ ማእኸል ውግእ ይሓልፉ፤ ኣይቘስሉንውን።
9
ነታ ኸተማ ይወሩ፤ ኣብ ልዕሊ ቕፅሪ ይጐዩ፤ ናብ ኣባይቲ ይድይቡ፤ ከም ሰራቒውን ብመሳዅቲ ይኣትዉ።
10
ምድሪ ኣብ ቅድሚኣቶም ትድንግፅ፤ ሰማያት ይንቅጥቀጡ፤ ፀሓይን ወርሕን ይፅልምታ፤ ከዋኽብቲ ኸዓ ብርሃኖም ይኽውሉ።
11
እግዚኣብሄር ኣብ ቅድሚ ሰራዊቱ ድምፁ ይህብ፤ ሰፈሩ የመና ብዙሕ እዩ እሞ፥ እቲ ንቓሉ ዝፍፅም ንሱ ሓያል እዩ፤ መዓልቲ እግዚኣብሄር ዓባይን፥ የመና እተፍርሕን እያ፤ መንከ ይኽእላ?
12
እምበኣርከስ ሕዚ እውን፥ ብፆምን ብብኽያትን ብሓዘንን፥ ብምሉእ ልብኹም ናባይ ተመለሱ፤ ይብል እግዚኣብሄር።
13
ንሱ ለዋህን፥ ርሕሩህን፥ ንቝጥዓ ደንጓዪ፥ ምሕረቱ ዝበዝሐ፥ ክፉእ ነገር ካብ ምምፃእ ዝናሳሕ እዩሞ፥ ክዳንኩም ዘይኮነስ ልብኹም ደኣ ቕደዱ፤ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩምውን ተመለሱ።
14
ብምሕረቱ ተናሲሑ ዝምለስ እንተ ኾነ፥ ብድሕሪኡ ድማ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም፥ ብቝርባን እኽልን ብቝርባን መስተን፥ በረኸት ዝሓድግ እንተ ኮነ፥ መን ይፈልጥ?
15
ኣብ ፅዮን መለኸት ንፍሑ፤ ቅዱስ ፆም ኣውጁ፤ ዝተቐደሰ ጉባኤውን ፀውዑ።
16
ህዝቢ ኣክቡ፤ ነቲ ጉባኤውን ቀድሱ፤ ንኣረጋውያን ኣክቡ፤ ቈልዑን ጡብ ዝጠብዉ ህፃናትን ኣክቡ፤ መርዓዊ ኻብ ሕልፍኚ፥ መርዓት ከዓ ኻብ መጋረጃኣ ይውፅኡ።
17
እቶም ኣገልገልቲ እግዚኣብሄር ካህናት፥ ኣብ መንጎ ኣዳራሽን መሰውእን እናበኸዩ፦ ኦ እግዚኣብሄር፥ ንህዝብኻ ራህርሀሉ፤ ነቲ ርስትኻ፥ ኣህዛብ መመሰሊ ኽገብርዎ፥ ንመላገፂ ኣሕሊፍካ ኣይትሃቦ፤ ስለ ምንታይከ ኣብ ማእኸል ኣህዛብ፥ ኣምላኾም ኣበይ ኣሎ? ዝበሃሉ ይበሉ።
18
እግዚኣብሄር ስለ ምድሩ ቐንአ፤ ንህዝቡ ኸዓ ራህርሀ።
19
እግዚኣብሄር ንህዝቡ መለሰሉ፥ በሎውን፤ እንሆ፥ ኣነ እኽልን ወይንን ዘይትን ክሰደልኩም እየ፤ ንስኻትኩምውን ብእኡ ኽትፀግቡ ኢኹም፤ ድሕሪዙይ ኣብ ማእኸል ህዝብታት፥ መላገፂ ኣይክገብረኩምን እየ።
20
ነቲ ሰራዊት ሰሜን ካባኻትኩም ከርሕቖ እየ፤ ናብ ደረቕን ዝዐነወን ምድሪ፥ ገፁ ናብ ምብራቓዊ ባሕሪ፥ ዝባኑ ኸዓ ናብ ምዕራባዊ ባሕሪ ገይረ ኽሰጎ እየ፤ ንሱ ዓብዪ ትዕቢት ገይሩ እዩ እሞ፥ ሕማቕ ጨናኡ ኽወፅእ፥ ክርፋሑ ድማ ኽለዓል እዩ።
21
ኣቲ ምድሪ፥ እግዚኣብሄር ዓብዪ ነገር ገይሩ እዩሞ፥ ኣይትፍርሒ፤ ተሓጐሲ፤ ዕልልውን በሊ።
22
ኣቱም እንስሳ ምድሪ፥ እቲ መጓሰዪ በረኻ ለምሊሙ፥ እቲ ኦምውን ፈርዩ እዩሞ፥ ኦም በለስን ተኽሊ ወይንን ከዓ፥ ሓይላቶም ይህቡ ኣለዉ እሞ፥ ኣይትፍርሑ።
23
ኣቱም ደቂ ፅዮን፥ ኣምላኽኩም እግዚኣብሄር፥ ዝናም ፅድያ ብፅድቂ ይህበኩም ኣሎሞ፥ ከም ቀደሙ ዝናም ፅድያን ፅብሓትን፥ የውርደልኩም ኣሎሞ፥ ተሓጐሱ፤ ብእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ድማ፥ ደስ ይበልኩም፤ ንእኡውን ዕልል በሉ።
24
ዓውድታት ከዓ እኽሊ ኽመልኡ እዮም፤ መፅመቚታትውን ወይንን ዘይትን፥ መሊኡ ትርፍርፍ ክብል እዩ።
25
ኣነ ኸዓ እቶም ኣንበጣን ኵብኵብታን ሓሰኻን፥ ናባኻትኩም ዝሰደድክዎ ዓብዪ ሰራዊተይ ዝበልዐን ዓመታት ክምልሰልኩም እየ።
26
ብዙሕ መብልዕ ክትበልዑ፥ ክትፀግቡውን ኢኹም፤ ነቲ ተኣምራት ዝገበረልኩም፥ ስም እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ድማ፥ ክተመስግንዎ ኢኹም፤ ህዝበይውን ንዘለኣለም ኣይሓፍርን።
27
ኣነ ኣብ ማእኸል እስራኤል ከም ዘለኹ፥ ኣነ ኸዓ እግዚኣብሄር ኣምላኻኩም ከም ዝኾንኩ፥ ብዘይ ዝኣይ ድማ ኻልእ ኣምላኽ ከም ዘየለ ኽትፈልጡ ኢኹም፤ ህዝበይውን ንዘለኣለም ኣይሓፍርን።
28
ብድሕሪዙይ ከምዙይ ክኸውን እዩ፤ መንፈሰይ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ስጋ ዝለበሰ ኸፍስስ እየ፤ ኣወዳትኩምን ኣዋልድኩምን ክንበዩ፥ ኣረጋውያንኩም ሕልሚ ኽሓልሙ፥ ኣጓብዝኩም ከዓ ራእይ ክሪኡ እዮም።
29
በተን ኣዋርሕ እቲኣተን፥ ኣብ ሰብኡትን ኣንስትን ባሮተይ፥ መንፈሰይ ክኽዑ እየ።
30
ኣብ ልዕሊ ሰማይ ከዓ ተኣምራት፥ ኣብ ታሕቲ ኣብ ምድሪ ድማ፥ ደምን ሓዊን ትክን ከርኢ እየ።
31
እታ ዓባይን መፍርሒትን መዓልቲ እግዚኣብሄር እንተይመፀት፥ ፀሓይ ናብ ፀልማት፥ ወርሒ ድማ ናብ ደም ክትልወጥ እያ።
32
ከምዙይ ክኸውን እዩ፤ ኵሉ ስም እግዚኣብሄር ዝፅውዕ፥ ክድሕን እዩ። ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ፥ ኣብ እምባ ፅዮንን ኣብ ኢየሩሳሌምን፥ መድሓኒት ክርከብ እዩ፤ ኣብቶም እግዚኣብሄር ዝፅውዖም፥ ብስራት ዝስበኸሎም ክርከቡ እዮም።
← Chapter 1
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 3 →
All chapters:
1
2
3