bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
/
Leviticus 4
Leviticus 4
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
← Chapter 3
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 23
Chapter 24
Chapter 25
Chapter 26
Chapter 27
Chapter 5 →
1
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦
2
ንደቂ እስራኤል ከምዙይ ኢልካ ንገሮም፦ ዝኾነ ሰብ፥ እግዚኣብሄር ኣይትግበርዎ ኢሉ ኻብ ዝኣዘዞ፥ ሓንቲ ብምጥሓሱ ብዘይ ምፍላጥ ሓጢኣት እንተ ገበረ ኸምዙይ ይግበር፦
3
እቲ ሓጢኣት ዝገበረ፥ ዝተቐብአ ካህን እንተ ኾይኑ፥ እሞ በዙይ ነቲ ህዝቢ በደል ክቝፀረሎም እንተ ገበረ፥ ስለ እቲ ዝገበሮ ሓጢኣት ንእግዚኣብሄር ጐደሎ ዘይብሉ ዝራብዕ መስዋእቲ የቕርብ።
4
ነቲ ዝራብዕ ናብ ኣፍ ደገ እቲ መራኸቢ ድንኳን ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር የምፅኣዮ፤ ኢዱውን ኣብ ልዕሊ ርእሲ እቲ ዝራብዕ የንብር፤ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ድማ ይሕረዶ።
5
እቲ ቕቡእ ካህን ድማ ኻብ ደም እቲ ዝራብዕ ወሲዱ ናብቲ መራኸቢ ድንኳን የእትዎ።
6
ሽዑ እቲ ኻህን ኣፃብዕቱ ኣብቲ ደም ጠሚዑ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣብ ቅድሚ እቲ መጋረጃ መቕደስ ካብቲ ደም ሸውዓተ ሻዕ ይንፀግ።
7
እቲ ኻህን ድማ ኣብ ውሽጢ እቲ መራኸቢ ድንኳን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዘሎ ምዑዝ ዕጣን ኣብ ዝዓጥነሉ ቐርኒ መሰውኢ ኻብቲ ደም ይልከዮ። እቲ ዝተረፈ ደም ዝራብዕ ኸዓ ኣብ ትሕቲ እቲ ኣብ ኣፍ ደገ እቲ መራኸቢ ድንኳን ዘሎ ዝቃፀል መስዋእቲ ዝቐርበሉ መሰውኢ የፍስሶ።
8
ካብቲ ምእንቲ ስርየት ሓጢኣት ዝተሰውአ ዝራብዕ ኵሉ ስብሒ፥ እቲ ንናይ ውሽጢ ኣካላት ከብዲ ዝኸድን ስብሕን እቲ ኣብ ናይ ውሽጢ ኣካላት ከብዲ ዘሎ ስብሕን የልዕል።
9
ከምኡ ኸዓ ኽልቲኡ ዅላሊትን ኣብ ዙርያኡ ኣብ ጥቓ ሽምጢ ዘሎ ስብሕን፥ እቲ ኣብ ጥቓ ዅላሊት ዘሎ ስብሒ ኸብድን የልዕል።
10
ከምቲ ኻብቲ ንመስዋእቲ ምስጋና ዝሕረድ ዝራብዕ፥ ዝለዓል ከምኡ የልዕል። ነዙይ እቲ ኻህን ኣብቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ዝቐርበሉ መሰውኢ የቃፅሎ።
11
ቈርበት እቲ ዝራብዕን ኵሉ ስጋኡን ምስ ናይ ርእሱን ኣእጋሩን ናይ ውሽጢ ኣካላት ከብዱን ፈርሱን፥
12
እቲ ዝራብዕ ብምሉኡ ኻብ ሰፈር ናብ ወፃኢ ናብታ ሓሙዅሽቲ ዝፈሰላ ናብ ንፁህ ቦታ ይውሰዶ። ኣብ ልዕሊ ዕንፀይቲ ገይሩ ብሓዊ የቃፅሎ። ኣብታ ሓሙዅሽቲ ዝጐሓፈላ ቦታ ይቃፀል።
13
ኵሎም ማሕበር ህዝቢ እስራኤል እንተ ሰሓቱ፥ እቲ ነገር ከዓ በቲ ማሕበር እንተ ዘይተፈለጠ፥ ካብቲ ዅሉ እግዚኣብሄር ኣይትግበርዎ ኢሉ ዝኣዘዞም፥ ሓደ ብምጥሓስ እንተ በደሉ፥
14
እቲ ዝገበርዎ ሓጢኣት ምስ ተፈልጠ፥ እታ ማሕበር ክንዲ ሓጢኣት ዝስዋእ ሓደ ዝራብዕ ተቕርብ፤ ናብ እቲ መራኸቢ ድንኳን ከዓ የምፅእዎ።
15
እቶም ዓበይቲ እቲ ኣኼባ ኸዓ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣእዳዎም ኣብ ልዕሊ ርእሲ እቲ ዝራብዕ የንብሩ፤ እቲ ዝራብዕ ከዓ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ይተሓረድ።
16
እቲ ዝተቐብአ ኻህን ድማ ኻብ ደም እቲ ዝራብዕ ወሲዱ ናብቲ መራኸቢ ድንኳን የምፅኣዮ።
17
እቲ ኻህን ኣፃብዕቱ ኣብቲ ደም ጠሚዑ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ናብ ቅድሚ እቲ መጋረጃ ሸውዓተ ሻዕ ይንፀጎ።
18
ካብቲ ደም ከዓ ኣብ ኣቕርንቲ እቲ ኣብ ቅድሚ እቲ መራኸቢ ድንኳን ዘሎ መሰውኢ ይግበር። ነቲ ዝተረፈ ደም ከዓ ኣብ እግሪ እቲ ኣብ ቅድሚ ኣፍ ደገ እቲ መራኸቢ ድንኳን ዘሎ ዝቃፀል መስዋእቲ ዝቐርበሉ መሰውኢ የፍስሶ።
19
ንዅሉ እቲ ስብሑ ድማ ኻብኡ ኣልዒሉ ኣብ መሰውኢ የቃፅሎ።
20
ነዝ ዝራብዕ እዙይ ከዓ፥ ከምቲ ነቲ ምእንቲ ሓጢኣት ዝስዋእ ዝራብዕ ዝገበሮ፥ ከምኡ ይግበሮ። ከምዙይ ገይሩ እቲ ኻህን ሓጢኣቶም የስተስርየሎም፤ ንሳቶምውን ይቕረ ኽበሃለሎም እዩ።
21
ነቲ ዝራብዕ ድማ ኻብቲ ሰፈር ንወፃኢ የውፅኣዮ፤ ነቲ ቐዳማይ ዝራብዕ ከም ዘቃፀሎ፥ የቃፅሎ። እዙይ ናይቲ ማሕበር መስዋእቲ ሓጢኣት እዩ።
22
ሓደ ሹም ሓጢኣት እንተ ገበረ፥ እንተይፈለጠውን ኻብቲ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ኣይትግበር ኢሉ ዝኣዘዞ ጥሒሱ እንተ በደለ፥
23
ሓጢኣት ከም ዝገበረ ምስ ተፈለጦ፥ ንመስዋእቲ ዝኸውን ካብ ኣጣሉ ሓደ ተባዕታይ ጐደሎ ዘይብሉ ጤል የምፅእ።
24
ኢዱ ኣብ ርእሲ እቲ ጤል የንብር፤ ኣብታ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዝቃፀል መስዋእቲ ዝሓርዱላ ቦታ ኸዓ ይሕረዶ። እዙይ ምእንቲ ሓጢኣት ዝቐርብ መስዋእቲ እዩ።
25
እቲ ኻህን ድማ ኻብቲ ደም እቲ ምእንቲ ሓጢኣት ዝሕረድ ጤል በፃብዕቱ ይውሰድ፤ ነቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ዝቐርበሉ ኣቕርንቲ መሰውኢ ይልከዮ። ነቲ ዝተረፈ ደም ከዓ ኣብ እግሪ እቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ዝቐርበሉ መሰውኢ የፍስሶ።
26
ንዅሉ እቲ ስብሑ ድማ፥ ከምቲ ንስብሒ እቲ ኣብ ልዕሊ መስዋእቲ ምስጋና ዝተሓርደ ዝገበሮ፥ ኣብ መሰውኢ የቃፅሎ። እቲ ኻህን ድማ ኸምዙይ ገይሩ ሓጢኣቱ የስተስርየሉ፤ ሽዑ ይቕረ ኽበሃለሉ እዩ።
27
ካብ ህዝቢ እታ ሃገር ሓደ ሰብ፥ እንተይፈለጠ ሓጢኣት እንተ ሰርሐ፥ ካብቲ እግዚኣብሄር ኣይትግበርዎ ኢሉ ዝኣዘዞ ጥሒሱውን እንተ በደለ፥
28
ሓጢኣት ከም ዝገበረ ምስ ተፈለጦ፥ ምእንቲ እቲ ዝገበሮ ሓጢኣቱ ንመስዋእቲ እትኸውን፥ ጐደሎ ዘይብላ ኣንስተይቲ ጤል የምፅእ።
29
ኢዱ ድማ ኣብ ልዕሊ ርእሲ እታ ምእንቲ ሓጢኣት እትስዋእ ጤል የንብር፤ ኣብቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ዝቐርበሉ ቦታ ድማ ይሕረዳ።
30
እቲ ኻህን ድማ ኻብ ደማ በፃብዕቱ ወሲዱ፥ ኣብ ልዕሊ ቐርኒ እቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ዝቐርበሉ መሰውኢ ይግበር፤ ነቲ ዅሉ ደም ከዓ ኣብ እግሪ መሰውኢ የፍስሶ።
31
ከምቲ ኻብ መስዋእቲ ምስጋና ዝፍለ ስብሒ ንዅሉ እቲ ስብሒ ይፍለዮ፤ እቲ ኻህን ድማ ንእግዚኣብሄር ባህ ዘብል ጥዑም ጨና ምእንቲ ክኸውን ኣብ መሰውኢ የቃፅሎ። ከምዙይ ገይሩ እቲ ኻህን ሓጢኣት የስተስርየሉ፤ ሽዑ ኸዓ ሓጢኣቱ ይቕረ ኽበሃለሉ እዩ።
32
ምእንቲ ሓጢኣቱ ዝስዋእ ካብ ኣባጊዑ እንተ ኣምፅአ ኸዓ፥ ጐደሎ ዘይብላ ኣንስተይቲ በጊዕ የቕርብ፤
33
ኢዱ ድማ ኣብ ልዕሊ ርእሲ እታ ምእንቲ ሓጢኣት እትስዋእ በጊዕ የንብር፤ ኣብታ ዝቃፀል መስዋእቲ ዝሓርዱላ ቦታ ምእንቲ ሓጢኣቱ ይሕረዳ።
34
እቲ ኻህን ድማ ኻብ ደም እታ ምእንቲ ሓጢኣት እትስዋእ፥ በፃብዕቱ ወሲዱ ኣብ ልዕሊ ቐርኒ ዝቃፀል መስዋእቲ ዝቐርበሉ መሰውኢ ይግበር፤ ነቲ ዝተረፈ ደማ ኣብቲ እግሪ መሰውኢ የፍስሶ።
35
ከምቲ ንስብሒ እቲ ኣብ መስዋእቲ ምስጋና ዝሕረድ ጡበት በጊዕ ዝወስድዎ፥ ንዅሉ እቲ ስብሒ ይውሰዶ፤ እቲ ኻህን ከዓ ኣብ ልዕሊ እቲ ብሓዊ ዝቃፀል መስዋእቲ ዝግበር ኣብ መሰውኢ የቃፅሎ። እቲ ኻህን ከምዙይ ገይሩ ሓጢኣቱ የስተስርየሉ፤ ሽዑ ይቕረ ኽበሃለሉ እዩ።
← Chapter 3
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 23
Chapter 24
Chapter 25
Chapter 26
Chapter 27
Chapter 5 →
All chapters:
1
2
3
4
5
6
7
8
9
10
11
12
13
14
15
16
17
18
19
20
21
22
23
24
25
26
27