bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
/
Malachi 2
Malachi 2
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
← Chapter 1
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 3 →
1
ሕዚ እውን ኣቱም ካህናት፥ እዝ ትእዛዝ እዙይ ንኣኻትኩም ዝተውሃበ እዩ።
2
ንስመይ ክብሪ ኽትህቡ እንተ ዘይሰሚዕኹም፥ ብልብኹምውን እንተ ዘይገበርኩምዎ፥ መርገም ክሰደልኩም፥ ንበረኸትኩምውን ክረግማ እየ። ሕዚ እውን ብልብኹም ኣይገበርኩምዎን እሞ፥ ኣነውን ረጊመያ ኣለኹ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።
3
ንቕልፅምኩም ክግስፆ እየ፤ ነቲ ፋንዲያ መስዋእትኹም፥ ኣብ ገፅኩም ክብትኖ እየ፤ ምስኡውን ክትውገዱ ኢኹም።
4
እቲ ምስ ሌዊ ዝኣተኹዎ ቓል ኪዳን ምእንቲ ኽፀንዕ ኢለ፥ ነዝ ትእዛዝ እዙይ ከም ዝለኣኽክዎ ትፈልጡ ኢኹም፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።
5
ቃል ኪዳነይ ምስኡ፥ ኪዳን ህይወትን ሰላምን ነበረ። ምእንቲ ኽፈርሕ ንኣኣቶም ሃብክዎ፤ ንሱውን ፈርሐኒ፤ ካብ ስመይ ዝተልዓለውን ደንገፀ።
6
ሓቀኛ ሕጊ ኣብ ኣፉ ነበረ፤ ዝኾነ በደልውን ኣብ ከንፈሩ ኣይተረኽበን፤ ምሳይ ብሰላምን ብቕንዕናን ይኸይድ ነበረ፤ ንብዙሓትውን ካብ ሓጢኣት መለሰ።
7
እቲ ኻህን፥ ናይ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ልኡኽ ስለዝኾነ፥ ከናፍሩ ፍልጠት ክሕልዉ ይግባእ፤ ካብ ኣፉውን ሰባት ሕጊ ኽደልዩ ይግባእ።
8
ንስኻትኩም ግና፥ ካብ መንገዱ ኣግለስኩም፤ ብሕጊ እውን ብዙሓት ከም ዝዕንቀፉ ጌርኩም ኢኹም፤ ኪዳን ሌዊ ድማ ኣነዊርኩም ኢኹም፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።
9
ስለዙይ ብመንገደይ ስለዘይከድኩምን፥ ብሕገይውን ኣድልዎ ስለዝገበርኩምን፥ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ሰብ ኽትነዓቑን ክትዋረዱን ገይረኩም እየ።
10
ንዅላትና ሓደ ኣቦዶ ኣይኮነን ዘለና? ዝፈጠረናስ ሓደ ኣምላኽዶ ኣይኮነን? ስለ ምንታይ ደኣ ንሕና ናይ ኣቦታትና ቓል ኪዳን ንምርካስ ንስንሳትና ንሓውና እነታልል?
11
ይሁዳ ኣይተኣመነን፤ ይሁዳ ነቲ እግዚኣብሄር ዘፍቀሮ ቤተ መቕደስካ ኣርኪስዎ፤ ይሁዳ ጓል ባዕዲ ኣምላኽ ኣእትዩ እዩ፤ ኣብ እስራኤልን ኣብ ኢየሩሳሌምን ርኽሰት ተፈፂሙ እዩ፤ እዙይ ድማ ጌርኩም ኢኹም።
12
ነዙይ ዝገብር ዝኾነ ይኹን ሰብ፥ ንጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ቍርባን እንተምፀአ እኳ፥ እግዚኣብሄር ካብ ድንኳን ያእቆብ ከወግዶ እዩ።
13
እትገብርዎ ኻልእ ነገር ከዓ፦ “ንመስዋእቲ ስለ ዘይጥምቶ፥ ካብ ኢድኩምውን ባህ ኢልዎ ስለ ዘይቕበሎን” ንመሰውኢ እግዚኣብሄር፥ ብንብዓትን ብብኽያትን ብዋይ ዋይታን ሸፈንኩምዎ።
14
ንስኻትኩም፥ ስለ ምንታይ እዩ ኸዓ ትብሉ ኣለኹም? እዙይ ዝኾነ፥ ናይ ሓዳር ብፀይትኻን፥ ናይ ቃል ኪዳን ሰበይትኻን ኣታሊልካ ኢኻ እሞ፥ እግዚኣብሄር ኣብ መንጎኻን፥ ኣብ መንጎ ሰበይቲ ንእስነትካን፥ ንዘሎ ቓል ኪዳን ምስክር ስለዝኾነ እዩ።
15
እግዚኣብሄር ናይ ህይወት መንፈስ፥ ሓደ ገይሩዶ ሓልዩልና ኣይኮነን? ንሱ ዝደልዮ እንታይ እዩ? ቅዱስ ዘርኢዶ ኣይኮነን? እምበኣርከስ መንፈስኩም ሓልዉ፤ ዝኾነ ሰብ፥ ንሰበይቲ ንእስነቱ ኣየታልል።
16
ምፍታሕ እፀልእ እየ፤ ይብል ኣምላኽ እስራኤል እግዚኣብሄር። ንኽዳኑ፥ ብግፍዒ ተግባር ንዝሽፍን ሰብ እፀልእ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር። ስለዙይ ከይተታልሉ መንፈስኩም ሓልዉ።
17
ንእግዚኣብሄር ብቓላትኩም ኣትኪርኩምዎ ኢኹም፤ ንስኻትኩምውን “ከመይ ኢና ዘትከርናዮ?” ትብሉ ኣለኹም። “ኵሉ ኽፉእ ዝገብር ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሰናይ እዩ፤ ንሱ ብኣኣቶም ደስ ይብሎ እዩ” ወይ “ናይ ፍርዲ ኣምላኽ ኣበይ ኣሎ?” ብምባልኩም እዩ።
← Chapter 1
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 3 →
All chapters:
1
2
3
4