bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
/
Micah 1
Micah 1
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 2 →
1
ብዘመን ኢዮኣታምን ኣካዝን ሕዝቅያስን ነገስታት ይሁዳ፥ ብዛዕባ ሰማርያን ኢየሩሳሌምን ሞሬታዊ ሚክያስ ዝረኣዮ ናብኡ ኸዓ ዝመፀ ቓል እግዚኣብሄር እዙይ እዩ።
2
ኣቱም ህዝብታት ኵልኻትኩም፥ ስምዑ፤ ምድሪ እውን ብምልእታ ትስማዕ፤ ጐይታ እግዚኣብሄር ንሱውን እቲ ኣብ ቅዱስ መቕደሱ ዝኾነ ጐይታ ኣብ ልዕሌኹም ይመስክረልኩም።
3
እንሆ እግዚኣብሄር ካብ ቅዱስ ስፍራኡ ኽወፅእ እዩ፤ ወሪዱ ድማ ኣብ በረኽቲ ምድሪ ኽረግፅ እዩ።
4
ሽዑ እምባታት ከምቲ ሽምዒ ኣብ ቅድሚ ሓዊ፥ ከምቲ ብፀድፊ ወሪዱ ዝፈስስ ማይ ኣብ ትሕቲኡ ይመኩ፤ ሽንጥሮታት ከዓ ኽጭደዱ እዮም።
5
እዝ ዅሉ፥ ብሰንኪ በደል ያእቆብን፥ ብሰንኪ ሓጢኣት ቤት እስራኤልን እዩ። በደል ያእቆብ እንታይ እዩ? ሰማርያዶ ኣይኮነትን? በረኽቲ መስገዲ ይሁዳ እንታይ እዩ? ኢየሩሳሌምዶ ኣይኮነትን?
6
ስለዙይ “ንሰማርያ ኸም ኣብ ሜዳ ዘሎ ኹምራ እምንን፥ ከም ቦታ ኣታኽልቲ ወይንን ክገብራ እየ። ነእማና ናብ ሽንጥሮ ኽውርውሮ፥ ንመሰረታ ኸዓ ኽቐልዖ እየ።
7
እቲ ቕሩፅ ምስልታታ ክሰባበር እዩ። እቲ ዅሉ ዋጋ ምንዝርናኣውን ብሓዊ ኽቃፀል እዩ። ብዋጋ ምንዝርና ኣኪባቶም፥ መሊሶም ድማ ዋጋ ምንዝርና ክኾኑ እዮም እሞ፥ ኣነ ንዅላቶም ጣዖታታ ኽሰባብሮም እየ።”
8
“በዝ ምኽንያት እዙይ እበክን፥ ዋይ ዋይ እብልን፥ ጥራሕ እግረይን ጥራሕ ሰብነተይን ኮይነ እኸይድ፥ ከም ውኻርያ እበኪ፥ ከም ሰገን ከዓ ድምፂ ሓዘን ኣስምዕ ኣለኹ።
9
ቍስላ ዘይሓዊ እዩሞ፥ ክሳዕ ይሁዳ መፂኡ፥ ኣብ ኣፍ ደገ ህዝበይ፥ ክሳዕ ኢየሩሳሌም በፂሑ እዩሞ።”
10
ኣብ ጌት ኣይተውርይዎ፤ ኣብ ልዕሊ ኣኮ ብኽያት ኣይትብከዩ። ኣብ ቤት ኦፍራ ግና ኣብ ሓመድ ተንከባለሉ።
11
ኣቲ ኣብ ሳፊር እትነብሪ፥ ዕርቃንኪ ወፂእኺ ብሕፍረት ሕለፊ፤ እታ ኣብ ፀዓናን እትነብር፥ ካብኡ ኣይወፀትን። ብኽያት ቤትኤፄል ስፍራኡ ኣሕደገኩም።
12
መዓት ካብ እግዚኣብሄር ክሳዕ ደገ ኢየሩሳሌም ወሪዱ እዩ እሞ፥ እታ እትነብር ሰናይ ነገር ትፅበ ኣላ።
13
ኣቲ ኣብ ላኪሶ እትነብሪ፥ ነቶም ኣፍራስ ኣብ ሰረገላ ፅመድዮም። በደል እስራኤል ኣባኺ ተረኺቡ እዩ እሞ፥ ንጓል ፅዮን ናይ መጀመርያ ሓጢኣት ነበረት።
14
ስለዙይ ንሞሬሼትጌት ውህብቶ ኽትወሃቢ ኢኺ፤ ኣባይቲ ኣኽዚብ ንነገስታት እስራኤል መጠበሪ ክኾኑ እዮም።
15
ኣቲ ኣብ ማሬሻ እትነብሪ፥ ዝወርስ ከምፀአልኪ እየ፤ ክብሪ እስራኤል ድማ ናብ ኣዶላም ክመፅእ እዩ።
16
እቶም እትሕጐስሎም ደቅኺ፥ ካባኺ ተማሪኾም ከይዶም እዮም እሞ፥ ፀጕርኺ ንፀዪ፤ ርእስኺውን ላፅዪ፤ ነቲ ነዃዕኪ ድማ ኸም ናይ ንስሪ ኣግፍሒዮ።
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 2 →
All chapters:
1
2
3
4
5
6
7