bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
/
Numbers 2
Numbers 2
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
← Chapter 1
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 23
Chapter 24
Chapter 25
Chapter 26
Chapter 27
Chapter 28
Chapter 29
Chapter 30
Chapter 31
Chapter 32
Chapter 33
Chapter 34
Chapter 35
Chapter 36
Chapter 3 →
1
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ከምዙይ ኢሉ ተናገሮም፦
2
“ደቂ እስራኤል ነፍሲ ወከፎም ኣብ ጥቓ ሰንደቕ ዕላማኦምን ኣብ ምልክት ነናይ ማይ ቤቶምን ይስፈሩ። ኣብ መንፅር እቲ መራኸቢ ድንኳን ብዙርያኡ ርሕቕ ኢሎም ይስፈሩ።”
3
ሰራዊት ይሁዳ ብወገን ምብራቕ ኣብ ትሕቲ ሰንደቕ ዕላማኦም ይስፈሩ። ሹም ደቂ ይሁዳ ድማ ነኣሶን ወዲ ኣሚናዳብ እዩ።
4
ብዝሒ ሰራዊቱን ካብኣቶም ዝተቘፀሩን ሰብዓን ኣርባዕተን ሽሕን ሽዱሽተ ሚእትን ነበረ።
5
ካብኡ ቐፂሎም ዝሰፍሩ ኸዓ ነገድ ይሳኮር ይኹኑ። ሹም ደቂ ይሳኮር ድማ ናትናኤል ወዲ ሶገር እዩ።
6
ብዝሒ ሰራዊቱን ካብኣቶም ዝተቘፀሩን ሓምሳን ኣርባዕተን ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ነበረ።
7
ቀፂሉ ዝሰፍር ከዓ ነገድ ዛብሎን እዩ፤ ሹም ደቂ ዛብሎን ድማ ኤልያብ ወዲ ኬሎን እዩ።
8
ብዝሒ ሰራዊቱን ካብኣቶም ዝተቘፀሩን ሓምሳን ሸውዓተን ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ነበረ።
9
ኵላቶም ካብ ሰፈር ይሁዳ ዝተቘፀሩ በብሰራዊቶም ሚእትን ሰማንያን ሽዱሽተን ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ነበሩ። እዚኣቶም ቅድሚት ይጐዓዙ።
10
ሰራዊት ሮቤል ብወገን ደቡብ ኣብ ትሕቲ ሰንደቕ ዕላማኦም ይስፈሩ። ሹም ደቂ ሮቤል ከዓ ኤሊሱር ወዲ ሰዲዮር እዩ።
11
ብዝሒ ሰራዊቱን ካብኣቶም ዝተቘፀሩን ኣርብዓን ሽዱሽተን ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ነበረ።
12
ምስኡ ለጊቦም ከዓ ነገድ ስምኦን ይስፈሩ። ሹም ደቂ ስምኦን ድማ ሰለሚኤል ወዲ ሱሪሳዳይ እዩ።
13
ብዝሒ ሰራዊቱን ካብኣቶም ዝተቘፀሩን ሓምሳን ትሽዓተን ሽሕን ሰለስተ ሚእትን ነበረ።
14
ቀፂሉ ነገድ ጋድ ይስፈር፤ ሹም ደቂ ጋድ ኤልያሳፍ ወዲ ረዑኤል እዩ።
15
ብዝሒ ሰራዊቱን ካብኣቶም ዝተቘፀሩን ኣርብዓን ሓሙሽተን ሽሕን ሽዱሽተ ሚእትን ሓምሳን ነበረ።
16
እቶም ኣብ ሰፈር ሮቤል ዝተቘፀሩ ዅሎም በብሰራዊቶም ሚእትን ሓምሳን ሓደን ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ሓምሳን ነበሩ። እዚኣቶም ካልኣይ ሰልፊ ኾይኖም ይጐዓዙ።
17
ድሕሪኡ ድማ እቲ መራኸቢ ድንኳን ምስ ሰፈር ሌዋውያን ኣብ መንጎ እቲ ሰፈራት ይጐዓዝ። ከምቲ ኣሰፋፍራኣቶም ከምኡ ኸዓ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ሰስፍራኦም መምስ ሰንደቕ ዕላማኣቶኦም ይጐዓዙ።
18
ሰራዊት ኤፍሬም ብወገን ምዕራብ ኣብ ትሕቲ ሰንደቕ ዕላማኣቶም ይስፈሩ። ሹም ደቂ ኤፍሬም ድማ ኤሊሳማ ወዲ ዓሚሁድ እዩ።
19
ብዝሒ ሰራዊቱ ኣርብዓ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ነበረ።
20
ምስኡ ለጊቡ ኸዓ ነገድ ምናሴ ይስፈር። ሹም ደቂ ምናሴ ድማ ገማልኤል ወዲ ፍዳሱር እዩ።
21
ብዝሒ ሰራዊቱን ካብኣቶም ዝተቘፀሩን ሰላሳን ክልተን ሽሕን ክልተ ሚእትን ነበረ።
22
ቀፂሉ ድማ ነገድ ብንያም ይስፈር፤ ሹም ደቂ ብንያም ኣቢዳን ወዲ ጋዴዮን እዩ።
23
ብዝሒ ሰራዊቱ ሰላሳን ሓሙሽተን ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ነበረ።
24
እቶም ኣብ ሰፈር ኤፍሬም ዝተቘፀሩ ዅሎም በብሰራዊቶም ሚእትን ሸሞንተን ሽሕን ሚእትን እዮም። እዚኣቶም ሳልሳይ ሰልፊ ኾይኖም ይጐዓዙ።
25
ሰራዊት ዳን ብወገን ሰሜን ኣብ ትሕቲ ሰንደቕ ዕላማኦም ይስፈሩ። ሹም ደቂ ዳን ኣኪዔዘር ወዲ ዓሚሳዳይ እዩ።
26
ብዝሒ ሰራዊቱ ስሳን ክልተን ሽሕን ሸውዓተ ሚእትን ነበረ።
27
ካብኡ ቐፂሎም ዝሰፍሩ ድማ ነገድ ኣሴር ይኹኑ። ሹም ደቂ ኣሴር ፋግኤል ወዲ ኤኽራን እዩ።
28
ብዝሒ ሰራዊቱን ካብኣቶም ዝተቘፀሩን ኣርብዓን ሓደን ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ነበረ።
29
ቀፂሉ ነገድ ንፍታሌም ይስፈር። ሹም ደቂ ንፍታሌም ኣኪሬ ወዲ ዔናን እዩ።
30
ብዝሒ ሰራዊቱን ካብኣቶም ዝተቘፀሩን ሓምሳን ሰለስተን ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ነበረ።
31
እቶም ኣብ ሰፈር ዳን ዝተቘፀሩ ዅሎም ሚእትን ሓምሳን ሸውዓተን ሽሕን ሽዱሽተ ሚእትን ነበሩ። እዚኣቶም ምስ ሰንደቕ ዕላማኦም ደጀን ኮይኖም ይጐዓዙ።
32
እቶም ካብ ደቂ እስራኤል በብማይ ቤቶም ዝተቘፀሩ እዚኣቶም እዮም። ኵሎም በብሰራዊቶም ከዓ ሽዱሽተ ሚእትን ሰለስተን ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ሓምሳን እዮም።
33
ሌዋውያን ግና ኸምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ምስ ደቂ እስራኤል ኣይተቘፀሩን።
34
ደቂ እስራኤል ድማ ኸምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ዅሉ ገበሩ፤ በብሰንደቕ ዕላማኦም ሰፈሩ፤ በብዓሌቶምን በብማይ ቤት ኣቦታቶምን ከዓ ተጕዓዙ።
← Chapter 1
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 23
Chapter 24
Chapter 25
Chapter 26
Chapter 27
Chapter 28
Chapter 29
Chapter 30
Chapter 31
Chapter 32
Chapter 33
Chapter 34
Chapter 35
Chapter 36
Chapter 3 →
All chapters:
1
2
3
4
5
6
7
8
9
10
11
12
13
14
15
16
17
18
19
20
21
22
23
24
25
26
27
28
29
30
31
32
33
34
35
36