bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
/
Obadiah 1
Obadiah 1
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
Jump to:
Chapter 1
1
ኣብድዩ ዝረኣዮ ራእይ። ጐይታ እግዚኣብሄር ብዛዕባ ኤዶምያስ ከምዙይ ይብል፦ ካብ እግዚኣብሄር ወረ ሰሚዕና ኢና፤ እቲ ልኡኽውን ናብ ኣህዛብ ተልኢኹ፥ “ተስኡ፥ ኣብ ልዕሊኣ ብሰልፊ ንለዓል፥ ኢሉ እዩ።”
2
“እንሆ፥ ኣብ ማእኸል ኣህዛብ ኣንኣስኩኻ፤ ንስኻ ፈፂምካ ተንዒቕካ ኢኻ።
3
ኣታ ኣብ ዝነቕዐ ኰዅሒ እትነብር፥ መንበሪኻ ድማ ኣብ ልዕል ዝበለ ቦታ ዝገበርካ፥ ብልብኻውን ‘ናብ ምድሪ ኸውርደኒ ዝኽእል መን እዩ?’ እትብል ንስኻ፥ ትዕቢት ልብኻ ኣታሊሉካ እዩ።
4
ከም ንስሪ ተወንጪፍካ ንላዕሊ እንተ ደየብካ፥ ቤትካውን ኣብ ማእኸል ከዋኽብቲ እንተ ኾነ፥ ካብኡ ኸውርደካ እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
5
ሰረቕቲ ናባኻ እንተ መፁ፥ ወይ ከተርቲ ብለይቲ እንተ መፁኻ፥ ዝኣኽሎም ዝሰርቁዶ ኣይኮኑን? ወይኒ ዝቘርፁ ናባኻ እንተ መፁ ቐሪምዶ ኣየትርፉን? ንስኻ ግና ኸመይ ኢልካ ጠፋእኻ!
6
ኤሳው ከመይ ተመርመረ! ዝተሓብአ ነገር ከመይ ተደለየ!
7
ኵሎም ቃል ኪዳን ዝኣተዉልካ ሰባት ክሳዕ ወሰን ሰጐጉኻ፤ ኵሎም እቶም እትኣምኖም ሰባት እውን ኣታለሉኻ፤ ኣእምሮ የብሉን ኢሎም ኣሰነፉኻ፤ እቶም እንጀራኻ ዝበልዑ እውን፥ ኣብ ትሕቴኻ መፈንጠር ዘርግሑልካ፤ ንሳቶምውን ምስትውዓል የብሎምን።
8
“በታ መዓልቲ እቲኣ ጥበበኛታት ካብ ኤዶምያስ፥ መስተውዓልቲውን ካብ እምባታት ኤሳውዶ ኣየጥፍእን? ይብል ጐይታ እግዚኣብሄር።
9
ኣታ ቴማን፥ ኵሎም ሰባት ካብ እምባ ኤሳው፥ ተቐቲሎም ምእንቲ ኽጠፍኡ፥ ጀጋኑኻ ኽርዕዱ እዮም።”
10
ኣብ ልዕሊ ሓውካ ያእቆብ ስለ ዝተገብረ ግፍዒ፥ ሓፍረት ክትጕልበብ ኢኻ፤ ንዘለኣለምውን ክትጠፍእ ኢኻ።
11
በታ ኣንፃር ኣብ ቅድሚኡ ደው ኢልካ ዝነበርካላ መዓልቲ፥ በታ ጓኖት ንጭፍራ ማሪኾም ዝወሰዱላ መዓልቲ፥ ኣህዛብ ንጭፍራኡ ብዝማረኹላ፥ ኣጋይሽውን ብበሪ ዝኣተውሉ፥ ኣብ ኢየሩሳሌም ዕፃ ብዝተዋደቑሉ መዓልቲ፥ ንስኻውን ካብኣቶም ከም ሓደ ነበርካ።
12
ግና ብመዓልቲ መከራ ንሓውካ ኽትምልከት፥ ብመዓልቲ ጥፍኣቶም ድማ፥ ኣብ ልዕሊ ደቂ ይሁዳ ኽትሕጐስ፥ ብመዓልቲ ጭንቂ እውን፥ ብትዕቢት ክትዛረብ ኣይግበአካን ነይሩ።
13
በቲ ጥፍኣት ዝወረዶም መዓልቲ ብበሪ ህዝበይ ምእታው፥ ብመዓልቲ ጭንቀቶምውን ጥፍኣቶም ክትምልከት፥ ብመዓልቲ ጥፍኣቶም ኢድካ ዘርጊሕኻ፥ ሃብቶም ክትዘምት ኣይምተገበአካን ነይሩ።
14
ነቶም ዘምልጡ ዝነበሩ ኽትቀትል ኢልካ፥ ኣብ ቀራና መንገዲ ምፅባይ፥ በታ መዓልቲ ጭንቆም ከዓ፥ ነቶም ዝተረፉ ንፀላኢ ኣሕሊፍካ ኽትህብ፥ ኣይምተገብአካን ነይሩ።
15
“መዓልቲ እግዚኣብሄር፥ ኣብ ልዕሊ ዅሎም ኣህዛብ ቀሪባ እያ እሞ፥ ከምቲ ንስኻ ዝገበርካዮ ኸምኡ ኽግበረካ እዩ፤ ፍዳኻውን ኣብ ልዕሊ ርእስኻ ኽምለስ እዩ።
16
ከምቲ ንስኻትኩም ኣብ ቅዱስ እምባይ ዝሰተኹም፥ ከምኡ ዅሎም ኣህዛብ እንተየቋረፁ ክሰትዩ እዮም፤ እወ፥ ክሰትዩ እዮም፤ ኣብዚሖምውን ክጭልጥዎ እዮም፤ ከም ዘይነበሩ ኸዓ ክኾኑ እዮም።”
17
“ግና ኣብ ልዕሊ እምባ ፅዮን ዘምልጡ ኽህልዉ እዮም፤ ንሱውን ቅዱስ ክኸውን እዩ፤ ቤት ያእቆብ ድማ ርስቶም ክወርሱ እዮም።
18
እግዚኣብሄር ተዛሪቡ እዩሞ፥ ቤት ያእቆብ ሓዊ፥ ቤት ዮሴፍ ከዓ ነበልባል፥ ቤት ኤሳው ድማ ሓሰር ክኾኑ እዮም፤ ንኣኣቶም ከዓ ኸንድድዎምን ከጥፍእዎምን እዮም፤ ካብ ቤት ኤሳው፥ ሓደ እኳ ተረፍ ኣይህሉን እዩ።”
19
“ሰባት ደቡብ ንእምባ ኤሳው፥ ሰባት እቲ ቖላ ድማ፥ ንምድሪ ፍልስጥኤማውያን ክወርሱ እዮም፤ ንሳቶም ንምድሪ ኤፍሬምን ንሰማርያውን ክሕዙ እዮም፤ ብንያምውን ንገለዓድ ክወርስ እዩ።
20
እዙይውን ደቂ እስራኤል ምርኮ ጭፍራኦም፥ ኵሉ ስፍራ ከነዓን ክሳዕ ሰራጵታ ኽወርስ እዩ፤ ኣብ ስፋራድም ዝነበሩ ምሩኻት ኢየሩሳሌም፥ ንኸተማታት ደቡብ ክወርስወን እዮም።
21
ኣብ ልዕሊ እምባ ኤሳው ክፈርዱ፥ እቶም ዘድሕኑ ናብ እምባ ፅዮን ክድይቡ እዮም፤ መንግስቲ ድማ ናይ እግዚኣብሄር ክኸውን እዩ።”
Jump to:
Chapter 1
All chapters:
1