bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
/
Philemon 1
Philemon 1
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
Jump to:
Chapter 1
1
ምእንቲ ኢየሱስ ክርስቶስ፥ እሱር ካብ ዝኾንኩ ጳውሎስን፥ ካብ ሓውና ጢሞቴዎስን፥ ናብቲ ፍቑርን መሳርሕትናን ዝኾነ ፊልሞና፥
2
ናብ ኣፍብያ ሓፍትናን፥ ናብቲ ምሳና ዝጋደል ኣክርጳን፥ ናብታ ኣብ ቤትካ ዘላ ቤተ ክርስቲያንን።
3
ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን፥ ካብ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ፀጋን ሰላምን ንኣኻትኩም ይኹን።
4
ኣብ ፀሎተይ ክዝክረካ እንተለኹ፥ ኵሉ ጊዜ ንኣምላኸይ አመስግን።
5
እዙይ ከዓ፥ ንቕዱሳን ከም እተፍቅርን፥ ብጐይታና ብኢየሱስ ከም እተኣምንን ስለ ዝሰማዕኹ እየ።
6
ነቲ ብክርስቶስ ዝረኸብናዮ ሰናይ ነገር ኣፀቢቕካ ምእንቲ ኽትርዳእ፥ ነቲ ዘለካ እምነት ብትብዓት ክተካፍሎ እፅሊ ኣለኹ።
7
ኣታ ሓወይ፥ ልቢ ቅዱሳን ስለ ዘፀናናዕኻ፥ ብፍቕርኻ ብዙሕ ሓጐስን ምትብባዕን ረኺበ ኣለኹ።
8
ስለዙይ ብክርስቶስ ኢየሱስ ብዘለኒ ብዙሕ ትብዓት፥ ነቲ ኽትገብሮ ዝግብአካ፥ ክእዝዘካ ዝኽእል እኳ እንተ ኾንኩ፥
9
ኣነ ጳውሎስ፥ ሽማግለ፥ ሕዚ እውን ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ እሱር፥ ምእንቲ ፍቕሪ ኢለ፥
10
ብዛዕባ እቲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ እንተለኹ፥ ብክርስቶስ ዝወለድክዎ ወደይ ኣናሲሞስ፥ እልምነካ ኣለኹ።
11
ንሱ ቐደም ኣይጠቐመካን፤ ሕዚ ግና ንኣኻን ንኣይን ይጠቕመና እዩ።
12
ነቲ ብልቢ ዘፍቅሮ ኣናሲሞስ፥ መሊሰ ናባኻ እሰዶ ኣለኹ።
13
ኣነ እኳ፥ ወንጌል ብምስባኸይ ተኣሲረ ኣብ ዘለኹሉ፥ ክንዳኻ ኾይኑ ኸገልግለኒ፥ ምሳይ ከትርፎ ምደለኹ ነይረ።
14
ግናኸ እቲ ሰናይ ግብርኻ፥ ብድልየትካ እምበር፥ ብግዲ ምእንቲ ኸይኸውን፥ ብዘይ ፍቓድካ ሓንቲ እኳ ኽገብር ኣይደለኹን።
15
ኣናሲሞስ ንሓፂር ጊዜ ዝተፈለየካ፥ ምናልባሽ ንሓዋሩ ምሳኻ ምእንቲ ኽነብር እዩ ዝኸውን።
16
ደጊም ከም ባርያ ኣይኮነን፤ ብፍላይ ነኣይ፥ ፍቑር ሓው ካብ ኮነ፥ ንኣኻ ግዳ ብስጋን ብጐይታን፥ ካብ ባርያ ዝበለፀ፥ ፍቑር ሓው ከመይ ዘይኾነካ!
17
እምበኣር ከም ሓው ትሪአኒ እንተ ዄንካስ፥ ንኣይ ከም እትቕበለኒ ጌርካ ተቐበሎ።
18
እንተ በዲሉካ ወይ ንሱ ዝኸፍለካ ዕዳ እንተ ሃልዩ፥ ካባይ ድለዮ።
19
ኣነ ጳውሎስ፥ ክንድኡ ክኸፍለካ እየ ኢለ፥ ብኢደይ እፅሕፈልካ ኣለኹ። ንስኻውን በዓል ዕዳይ ከም ዝኾንካ ምዝራብ ኣየድልየንን እዩ።
20
እወ፥ ኣታ ሓወይ፥ ካባኻስ ብጐይታ ኽጥቀም እደሊ ኣለኹሞ፥ ብክርስቶስ ንልበይ ኣዕርፈለይ።
21
ካብዝ ዝብለካ ዘለኹ ኣብሊፅካ ኸም እትገብር ፈሊጠ፥ ከም እትእዘዘኒውን ኣሚነ እየ ዝፅሕፈልካ ዘለኹ።
22
ከምኡውን እግዚኣብሄር ፀሎትኩም ሰሚዑ፥ ናባኻትኩም ክመፅእ ከም ዝገብረኒ፥ ተስፋ ኣለኒ እሞ ስፍራ ኣዳልወለይ።
23
ምእንቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ምሳይ ዝተኣስረ ኤጳፍራስ፥ ሰላም ይብለካ ኣሎ።
24
ከምኡውን እቶም መሳርሕተይ ዝኾኑ ማርቆስ፥ ኣርስጠርኮስ፥ ዴማስ፥ ሉቃስ፥ ሰላም ይብሉኻ ኣለዉ።
25
ፀጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ምስ መንፈስኩም ይኹን። ኣሜን።
Jump to:
Chapter 1
All chapters:
1