bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
/
Zechariah 4
Zechariah 4
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
← Chapter 3
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 5 →
1
እቲ ዝዛረበኒ ዝነበረ መልኣኽ ከዓ ተመሊሱ፥ ከምቲ ንሰብ ካብ ድቃሱ እተበራብሮ ኣበራበረኒ።
2
“ንሱ እንታይ ትርኢ ኣለኻ?” ድማ በለኒ። ኣነ ኸዓ “እንሆ ዅለንትናኡ ወርቂ ዝኾነ ቐዋሚ ቐንዲል ረአኹ፤ ኣብ ልዕሊ ርእሱ፥ እንዳ ዘይትን ሸውዓተ መብራህትን ነበሮ። እተን ኣብ ርእሱ ዘለዋ መብራህትታት ከዓ ሸውዓተ ሸምበቆታት ነበረን።
3
ኣብ ጥቓአን ድማ ኽልተ ኣእዋም ኣውሊዕ ነበራ፤ እታ ሓንቲ ኣብ የማን እቲ እንዳ ዘይቲ፥ እታ ሓንቲውን ኣብ ፀጋሙ ነበራ” በልኩ።
4
መሊሰ፥ ነቲ ዝዛረበኒ ዝነበረ መልኣኽ “ጐይታይ፥ እዚኣተን እንታይ እየን?” በልክዎ።
5
ንሱ ኸዓ “እዚኣተን እንታይ ምዃነንዶ ኣይትፈልጥን ኢኻ?” በለኒ። ኣነ ድማ “ጐይታይ፥ ኣይፈልጥን” በልክዎ።
6
መሊሱ “ንዘሩባቤል፥ ዝተብሃሎ ቓል እግዚኣብሄር እዙይ እዩ፦ ብመንፈሰይ እምበር፥ ብሓይልን ብብርተዐን ኣይኮነን፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።
7
ኣታ ዓብዪ እምባ፥ ንስኻ እንታይ ኢኻ? ኣብ ቅድሚ ዘሩባቤል፥ ለጥ ዝበለ ሜዳ ኽትከውን ኢኻ፤ ሰባት ሞገስ ይኹነሉ ኢሎም እናድመፁ፥ ንሱ ነቲ መዛዘሚ እምኒ ኸውፅኦ እዩ” ኢሉ ተናገረኒ።
8
ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ ናባይ መፀ፦
9
“ኣእዳው ዘሩባቤል፥ መሰረት እዝ ቤተ መቕደስ እዙይ መስረታ፤ ዝፍፅማኦውን ኣእዳዉ እየን። ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ንኣይ ናባኻትኩም ከም ዝለኣኸኒውን ክትፈልጡ ኢኹም።
10
ንመዓልቲ ኣናእሽቲ ነገር ዝንዕቕ መን እዩ? ኣብ ኢድ ዘሩባቤል ዘላ መለክዒት መንደቕ እንትሪኡ ክሕጐሱ እዮም፤ እዞም ሸውዓተ እዚኣቶም ከዓ፥ ኣብ ኵሉ ምድሪ ዝዘዋወሩ ኣዒንቲ እግዚኣብሄር እዮም።”
11
ብድሕሪኡ ነቲ መልኣኽ “እዞም ብየማነ ፀጋም እዝ ቐዋሚ ቐንዲል ዘለዉ፥ ክልተ ኣእዋም ኣውሊዕኸ እንታይ እዮም?” በልክዎ።
12
ደጊመውን “እቶም ኣብ ጥቓ እቶም ክልተ ሻምበቆታት ወርቂ፥ ዘይቲ ዘውሕዙ ኽልተ ጨናፍር ኣውሊዕኸ እንታይ እዮም?” በልክዎ።
13
ንሱ ኸዓ “እዚኣቶም እንታይ ከም ዝኾኑዶ ኣይትፈልጥን ኢኻ?” ኢሉ መለሰለይ። ኣነ ድማ “ጐይታይ፥ ኣይፈልጥን” በልክዎ።
14
ሽዑ ንሱ “እዚኣቶም ኣብ ጥቓ እቲ ጐይታ ዅላ ምድሪ ዝቖሙ ኽልተ ቕቡኣት እዮም” በለኒ።
← Chapter 3
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 5 →
All chapters:
1
2
3
4
5
6
7
8
9
10
11
12
13
14