bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
/
Zephaniah 3
Zephaniah 3
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
← Chapter 2
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
1
ነታ ዓላዊትን ርኽስትን፥ እትገፍዕን ከተማ፥ ወይለኣ!
2
ንድምፂ ኣይሰምዐትን፤ ተግሳፅውን ኣይተቐበለትን፤ ብእግዚኣብሄር ድማ ኣይተኣመነትን፤ ናብ ኣምላኻውን ኣይቀረበትን።
3
ኣብ ውሽጣ ዘለዉ ኣሕሉቓ ከም ዝጓዝሙ ኣናብስ እዮም፤ ፈራዶኣውን፥ ንንግሆ ሓደ እኳ ኸም ዘየትርፉ ጥሙያት ተዃሉ ምሸት እዮም።
4
ነቢያታ ቐለልትን ተንኰለኛታትን እዮም። ካህናታ ንመቕደስ የርክስዎ፤ ኣብ ልዕሊ ሕጊ እውን ግፍዒ ፈፂሞም እዮም።
5
ኣብ ማእኸላ ዘሎ እግዚኣብሄር ፃድቕ እዩ፤ ክፉእውን ኣይገብርን፤ ንግሆ ንግሆ ፍርዱ ናብ ብርሃን የውፅእ፥ ተሓቢኡውን ኣይተርፍን እዩ፤ እቲ ዓማፂ ግና ኣይሓንኽን።
6
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ኣነ ንኣህዛብ ኣፅነትክዎም፤ ንግምብታቶም ድማ ኣዕነኹወን፤ ንመንገድታቶምውን፥ ሓደ እኳ ኸይሓልፈን ኣባደምክወን። ከተማታቶም ከዓ ዝነብረን ዘይብለን ኮይነን ዓነዋ።
7
ኣነ ድማ ደጊምስ ከኽብሩንን ተግሳፀይ ክቕበሉን፥ ምእንቲ መንበሪኦም ከይጠፍእ፥ ነቲ ዝኣዘዝኩዎምውን ኣይርስዑን እዮም ኢለ ነይረ፤ ንሳቶም ግና ኣንጊሆም ግብሮም ኣርከሱ።”
8
“መዓተይን ርሱን ቍጥዓይን ምእንቲ ኸፍስሰሎም፥ ንኣህዛብ ክእክቦም፥ ንመንግስታት ከዓ ንምትእኽኻብ ፍርደይ እዩ እሞ፥ ክሳዕ እታ ንዘመተ ዝለዓለላ መዓልቲ ተፀበዩኒ፤ ኵላ ምድሪ ብሓዊ ቕንኣተይ ክትነድድ እያሞ” ይብል እግዚኣብሄር።
9
“በታ እዋን እቲኣ፥ ኵሎም ኣህዛብ ብሓባር ኮይኖም፥ ንእግዚኣብሄር ምእንቲ ኸገልግልዎን፥ ስሙውን ምእንቲ ኽፅውዑን፥ ንፁህ ልሳን ክህቦም እየ።
10
እቶም ፋሕ ዝበሉ ናባይ ዝምህለሉ ደቀይ፥ ካብ ክንየው ሩባታት ኢትዮጵያ እንተይተረፈ መባእ ከምፅኡለይ እዮም።
11
በታ እዋን እቲኣ፥ ኣነ ነቶም ዕቡያት ካብ ማእኸልኪ ኸውፅኦም እየሞ፥ ንስኺውን ድሕሪ ደጊም ኣብቲ ቅዱስ እምባይ ኣባይ ኣይትዕበዪን ኢኺ እሞ፥ በታ መዓልቲ እቲኣ በቲ ንኣይ ዝበደልክሉ ዅሉ ግብርኺ ኣይትሓፍሪን ኢኺ።
12
ኣብ ማእኸልኪ የዋህን ትሑትን ህዝቢ ኸትርፍ እየ፤ ንሳቶምውን ብስም እግዚኣብሄር ክእመኑ እዮም።
13
እቶም ዝተረፉ ህዝቢ እስራኤል፥ ኣይብድሉን ኣይሕስዉን እዮም፤ ኣብ ኣፎምውን ተንኰለኛ መልሓስ ኣይርከብን። ክዋፈሩን ክዓርፉን እዮም፤ ዘፍርሖም ድማ ኣይህሉን።”
14
ኦ ጓል ፅዮን፥ ዘምሪ፤ ኦ እስራኤል ብሓጐስ ዕልል በል፤ ኦ ጓል ኢየሩሳሌም፥ ብምሉእ ልብኺ ተሓጐሲ፤ ደስ ከዓ ይበልኪ።
15
እግዚኣብሄር ንመቕፃዕትኺ ኣርሓቖ፤ ንፀላእትኺ ሰጐጎም፤ ንጉስ እስራኤል እግዚኣብሄር ኣብ ማእኸልኪ ኣሎ፤ ድሕሪዙይ ዝኾነ ኽፉእ ነገር ኣይትርእዪን።
16
በታ መዓልቲ እቲኣ ንኢየሩሳሌም፥ “ኦ ኸተማ ፅዮን፥ ኣይትፍርሒ፤ ኣእዳውኪ ኣይተሓለላ።
17
እግዚኣብሄር ኣምላኽኪ፥ ኣብ ማእኸልኪ ዘናግፍ ሓያል እዩ፤ ብታሕጓስ ብኣኺ ኽሕጐስ እዩ፤ ብፍቕሩውን ክዓርፍ እዩ፤ ብፍፁም ሓጐስ ብኣኺ ኽሕጐስ እዩ፥ ክበሃል እዩ።
18
ነቶም ኣብ ጉባኤ ርሒቖም ዝሓዝኑ፥ ነቶም ካባኺ ዝኾኑ ኽእክብ እየ፤ ፀርፊ ኸም ፆር ከቢድዎም ነይሩ።
19
እንሆ፥ በቲ ጊዜ እቱይ፥ ኵሎም ነቶም ዝጭቁኑኹም ክፃረሮም እየ፤ ነቶም ዝሓንከሱ ኸድሕኖም፥ ነቶም ዝተሰደዱ ኸዓ ኽእክቦም እየ፤ ኣብቲ ዅሉ ዝሓፈሩሉ ምድሪ፥ ንምስጋናን ንዝኸበረ ስምን ክገብሮም እየ።
20
በቲ ጊዜ እቱይ ክመልሰኩም እየ፤ በቲ እዋን እቱይ ክእክበኩም እየ፤ ምርኮኹም ኣብ ቅድሚ ዓይንኹም ምስ መለስኩልኩም፥ ኣብ ማእኸል ኵሎም ኣህዛብ ምድሪ፥ ንዝኸበረ ስምን ንምስጋናን ክገብረኩም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
← Chapter 2
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
All chapters:
1
2
3