bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic (Tigrigna: Contemporary Tigrinya Bible 2024)
/
1 Corinthians 2
1 Corinthians 2
Amharic (Tigrigna: Contemporary Tigrinya Bible 2024)
← Chapter 1
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 3 →
1
ኣነ ኣሕዋተየ፡ ናባኻትኩም ክመጽእ ከለኹ፡ ብብሉጽ ዘረባ ወይ ብጥበብ ኣይመጻእኩን፡ ምስክር ኣምላኽ ከኣ ሰበኽኩኹም።
2
ብዘይካ የሱስ ክርስቶስን ንሱ እተሰቕለን፡ ኣብ ማእከልኩም ሓደ እኳ ኽፈልጥ ኣይሓሰብኩን።
3
ብድኻምን ብፍርሃትን ብብዙሕ ምንቅጥቃጥን ድማ ምሳኻትኩም ነበርኩ።
4
ዘረባይን ስብከተይን ብናይ ሰብ ጥበብ መሳጢ ቃላት ዘይኰነስ፡ ብመንፈስን ሓይልን ምርኣየይ እዩ ነይሩ።
5
እምነትኩም ብሓይሊ ኣምላኽ እምበር፡ ኣብ ጥበብ ሰብ ኣይኰነትን።
6
ንሕና ግና ኣብ መንጎ ፍጹማት ጥበብ ንዛረብ እምበር፡ ጥበብ እዛ ዓለም እዚኣ ወይ ናይቶም ዚጠፍኡ መሳፍንቲ እዛ ዓለም እዚኣ ኣይንዛረብን ኢና።
7
ንሕና ግና ጥበብ ኣምላኽ ብሚስጢር ንዛረብ ኣሎና፡ እወ፡ እታ ኣምላኽ ንኽብርና ኣብ ቅድሚ ዓለም ዝሰርዓ ሕቡእ ጥበብ።
8
ካብ መሳፍንቲ እዛ ዓለም እዚኣ ሓደ እኳ ኣይፈለጦን፣ እንተ ዝፈልጥዎ ንጐይታ ክብሪ ኣይምሰቐልዎን።
9
ግናኸ ከምቲ ጽሑፍ፡ ኣምላኽ ነቶም ዘፍቅርዎ ዘዳለዎ፡ ዓይኒ ኣይረኣየቶን እዝኒ ኣይሰምዐትን፡ ናብ ልቢ ሰብ እውን ኣይኣተወትን።
10
ኣምላኽ ግና ብመንፈሱ ገሊጹልና እዩ፣ ከመይሲ፡ መንፈስ ንዅሉ፡ እንተላይ ንመዓሙቕ ኣምላኽ ይምርምሮ እዩ።
11
እቲ ኣብኡ ዘሎ መንፈስ ሰብ እንተ ዘይኰይኑስ፡ ንነገራት ሰብ ዚፈልጥ መን እዩ፧ ስለዚ ብዘይካ መንፈስ ኣምላኽ ንነገራት ኣምላኽ ዝፈልጦ የልቦን።
12
ሕጂ ኸኣ ካብ ኣምላኽ ዚመጽእ መንፈስ እምበር፡ መንፈስ ዓለም ኣይኰንናን ተቐቢልና። ናይ እግዚኣብሔር ነገር እንታይ ከም ዝተዋህበና ምእንቲ ክንፈልጥ።
13
እቲ እንዛረቦ ዘበለ ዅሉ፡ በቲ መንፈስ ቅዱስ ዚምህሮ እምበር፡ በቲ ጥበብ ሰብ ዚምህሮ ቓላት ኣይኰነን። መንፈሳዊ ነገራት ምስ መንፈሳዊ ነገራት ምውድዳር።
14
ስጋዊ ሰብ ግና ነቲ መንፈስ ኣምላኽ ዕሽነት ስለ ዝዀነ፡ ኣይቅበሎን እዩ። ብመንፈስ ስለ ዚፍረድ እውን ኪፈልጦ ኣይክእልን እዩ።
15
መንፈሳዊ ግና ንዅሉ ይፈርድ፡ ንሱ ግና ብሓደ እኳ ኣይፍረድን።
16
ንእግዚኣብሄር ኪምህሮ ዚኽእል መን ይፈልጥ፧ ንሕና ግና ናይ ክርስቶስ ኣተሓሳስባ ኣሎና።
← Chapter 1
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 3 →
All chapters:
1
2
3
4
5
6
7
8
9
10
11
12
13
14
15
16