bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
1 John 1
1 John 1
Amharic Tigrinya 2011
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 2 →
1
እቲ ኻብ መጀመርታ ዝነበረ፡ ንሕና ዝሰማዕናዮ፡ እቲ በዒንትና ዝርኤናዮ፡ እቲ ዝጠመትናዮ፡ ኣእዳውናውን ዘረምሰሳኦ፡ ብዛዕባ እቲ ቓል ህይወት፡
2
ህይወት ድማ ተገልጸት፡ ነታ ምስ ኣቦ ዝነበረት ንኣና ኸኣ እተገልጸት ናይ ዘለኣለም ህይወት ርኢናያ ኢና እሞ፡ ንምስክር ንነግረኩምውን ኣሎና፡
3
ንስኻትኩም ድማ ምሳና ሕብረት ምእንቲ ኸህልወኩም ኢልና፡ እቲ ዝርኤናዮን ዝሰማዕናዮን ንኣኻትኩም ንነግሮ ኣሎና። ሕብረትናውን ምስ ኣቦን ምስ ወዱ የሱስ ክርስቶስን እዩ።
4
ሓጐስና ምእንቲ ኺምላእ ኢልና፡ እዚ ንጽሕፈልኩም ኣሎና።
5
እግዚኣብሄር ብርሃን ምዃኑን ኣብኡ ኸኣ ሓንቲ እኳ ጸልማት ከም ዜብሉን፡ እታ ኻብኡ ዝሰማዕናያ ንኣኻትኩምውን እንነግራ ዘሎና መልእኽቲ እዚኣ እያ።
6
ምስኡ ሕብረት ኣሎና፡ ኢልናስ ኣብ ጸልማት እንተ ተመላለስና፡ ንሕሱ፡ ሓዊውን ኣይንገብርን ኢና ዘሎና።
7
ከምቲ ንሱ ኣብ ብርሃን ዘሎ፡ ኣብ ብርሃን እንተ ተመላለስና ግና፡ ንሓድሕድና ሕብረት ኣሎና፡ ደም የሱስ ክርስቶስ ወዱውን ካብ ኲሉ ሓጢኣት የንጽሃና እዩ።
8
ሓጢኣት የብልናን፡ እንተ በልና፡ ንርእስና ንጥብራ ኣሎና፡ እታ ሓቂውን ኣባና የላን።
9
ሓጢኣትና እንተ ተናዘዝና፡ ንሓጢኣትና ይቕረ ኸብለልና፡ ካብ ኲሉ ዓመጻውን ኬንጽሃና እሙንን ጻድቕን እዩ።
10
ሓጢኣት ኣይገበርናን፡ እንተ በልና፡ ሓሳዊ ንገብሮ፡ ቃሉውን ኣባና የሎን።
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 2 →
All chapters:
1
2
3
4
5