bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
1 Kings 3
1 Kings 3
Amharic Tigrinya 2011
← Chapter 2
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 4 →
1
ሰሎሞን ድማ ምስ ፈርኦን ንጉስ ግብጺ ሕምነት ገበረ እሞ፡ ንጓል ፈርኦን ወሰዳ፡ ቤቱን ቤት እግዚኣብሄርን እቲ ንየሩሳሌም ዚኸብብ ቀጽርን ነዲቑ ኽሳዕ ዚውድእ ከኣ፡ ናብ ከተማ ዳዊት ኣእተዋ።
2
ክሳዕ እተን መዓልትታት እቲኤን ገና ንስም እግዚኣብሄር ቤት ኣይተሰርሔን ነበረ እሞ፡ እቲ ህዝቢ ኣብ በረኽቲ ጥራይ ይስውእ ነበረ።
3
ሰሎሞን ድማ ንእግዚኣብሄር ፈተዎ እሞ፡ ብሕጋጋት ኣቦኡ ዳዊት ከደ፡ ኣብ በረኽቲ ግዳ ይስውእን ይዐጥንን ነበረ።
4
ጊብዖን ንሳ እታ ዓባይ ኲርባ ነበረት እሞ፡ እቲ ንጉስ ድማ ኣብኣ ኺስውእ ከደ። ኣብቲ መሰውኢ እቲ ኸኣ ሰሎሞን ሽሕ ዚሐርር መስዋእቲ ኣዕረገ።
5
ኣብ ጊብዖን እግዚኣብሄር ንሰሎሞን ለይቲ ብሕልሚ ተራእዮ። ኣምላኽ ከኣ፡ እንታይ ከም ዝህበካ ለምን፡ በለ።
6
ሰሎሞን ድማ በለ፡ ንስኻ ንባርያኻ፡ ነቦይ ዳዊት፡ ከምቲ ኣብ ቅድሜኻ ብእምነትን ብጽድቅን ብቕንዕናን ልብን ምሳኻ እተመላለሶ፡ ብዙሕ ምሕረት ገበርካሉ። ነዚ ዓብዪ ምሕረት እዚ ሐሊኻ ኸኣ፡ ከምዚ ሎሚ ዀይኑ ዘሎ፡ ኣብ ዝፋኑ ዚቕመጥ ወዲ ሀብካዮ።
7
ሕጂ ድማ፡ ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፡ ንባርያኻ ኣብ ክንዲ ኣቦይ ዳዊት ኣንገስካኒ፡ ኣነ ኸኣ መውጽእየይን መእተውየይን ዘይፈልጥ ንእሽቶ ጐበዝ እየ።
8
ባርያኻ ድማ ኣብ ማእከል እዚ ስለ ምብዛሑ ዘይቊጸርን ዘይጽብጸብን ብዙሕ ህዝቢ እየ ዘሎኹ።
9
ነዚ ብዙሕ ህዝብኻ እዚ ደኣ መን ኪፈርዶ ይኽእል፡ እምበኣርሲ ኣብ መንጎ ጽቡቕን ክፉእን ፈልዩ ንህዝብኻ ምእንቲ ኺፈርድሲ፡ ንባርያኻ ኣስተውዓሊ ልቢ ሀቦ።
10
ሰሎሞን እዚ ነገር እዚ ስለ ዝለመነ ድማ፡ ነገሩ ንጐይታ ባህ ኣበሎ።
11
ኣምላኽ ከኣ በሎ፡ ነዊሕ ዕድመ ኣይለመንካን፡ ሃብቲውን ኣይለመንካን፡ ነፍሲ ጸላእትኻ ድማ ኣይለመንካን፡ እዚ ነገር እዚ ደኣ ስለ ዝለመንካ፡ ፍርዲ ንምፍላይ ምስትውዓል ስለ ዝለመንካ፡
12
እንሆ፡ ብቕድሜኻ ኸማኻ ዝበለ ዘይትንስእ፡ ብልህን ኣስተውዓልን ልቢ ሂበካ ኣሎኹ።
13
ምስኡ ድማ፡ ብዂሉ ዘመንካ ኣብ መንጎ ነገስታት ከማኻ ዝበለ ዘይርከብ ገይረ ዘይለመንካኒ ሃብትን ክብረትን ሀብኩኻ።
14
ከምቲ ኣቦኻ ዳዊት ዝኸዶ ኸኣ፡ ሕጋጋተይን ትእዛዛተይን ክትሕሉ፡ ብመንገደይ እንተ ኸድካ፡ ዕድሜኻ ኸንውሕ እየ።
15
ሰሎሞን ድማ ተበራበረ፡ እንሆ ኸኣ፡ ሕልሚ እዩ ዝነበረ። ናብ የሩሳሌም መጺኡ ድማ ኣብ ቅድሚ ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ቈመ፡ ዚሐርር መስዋእቲ ኸኣ ኣዕረገ፡ መስዋእቲ ምስጋናውን ኣቕረበ። ንዂሎም ገላዉኡ ድማ ምሳሕ ገበረሎም።
16
ሽዑ ኽልተ ኣመናዝር ኣንስቲ ናብ ንጉስ መጺኤን ኣብ ቅድሚኡ ደው በላ።
17
እታ ሓንቲ ሰበይቲ ኸኣ በለት፡ ዎ ጐይታይ፡ ኣነን እዛ ሰበይቲ እዚኣን ኣብ ሓንቲ ቤት ኢና እንነብር። ኣብታ ቤት ምስኣ ኸሎኹ ኸኣ ወለድኩ።
18
ኰነ ድማ፡ ኣብ ሳልስቲ እታ ዝወለድኩላ መዓልቲ፡ እዛ ሰበይቲ እዚኣውን ወለደት። ንሕና ኸኣ ብሓንሳእ ነበርና፡ ኣብታ ቤት ድማ ብጀካ ንሕና ኽልቴና፡ ኣብታ ቤትሲ ጓና ምሳና ኣይነበረን።
19
ወዲ እዛ ሰበይቲ እዚኣ ግና፡ ኣብ ልዕሊኡ ስለ ዝደቀሰት፡ ለይቲ ሞተ።
20
ፍርቂ ለይቲ ተንሲኣ ኸኣ፡ ገረድካ ደቂሳ ከላ፡ ነቲ ወደይ ካብ ጐድነይ ወሲዳ ኣብ ሕቚፋ ኣደቀሰቶ፡ ነቲ ምዉት ወዲ ግና ኣብ ሕቚፈይ ኣደቀሰቶ።
21
ንግሆ ወደይ ከጥቡ ኢለ እንተ ተንሳእኩ፡ እንሆ ኸኣ፡ ሞይቱ ጸንሔ። ንግሆ ምስ ጠመትክዎ ኸኣ፡ እንሆ፡ እቲ ዝወለድክዎ ወደይ ኣይኰነን።
22
እታ ኻልአይቲ ሰበይቲ ኸኣ፡ ኣይፋል፡ እዚ ህያውሲ ወደይ እዩ፡ እቲ ምዉት ከኣ ወድኺ እዩ፡ በለት። እዚኣ ድማ፡ ኣይፋል፡ እቲ ምዉት ደኣ እዩ ወድኺ፡ እዚ ህያው ግና ወደይ እዩ፡ በለት። በዙ ኸኣ ኣብ ቅድሚ እቲ ንጉስ ተዛራረባ።
23
ሽዑ እቲ ንጉስ፡ እዚኣ፡ እዚ ህያው ወደይ እዩ፡ እቲ ምዉት ከኣ ወድኺ እዩ፡ ትብል ኣላ፡ እዚኣ ኸኣ፡ ኣይፋል፡ እቲ ምዉት ወድኺ፡ እዚ ህያው ግና ወደይ እዩ፡ ትብል አላ።
24
እቲ ንጉስ ድማ፡ ሴፍ እሞ ኣምጽኡለይ፡ በለ። ናብ ቅድሚ ንጉስ ድማ፡ ሴፍ ኣምጽኡ።
25
እቲ ንጉስ ድማ፡ ነዚ ህያው ሕጻን ኣብ ክልተ ቘሪጽኩም እቲ ፈረቓ ነዛ ሓንቲ፡ እቲ ፈረቓ ኸኣ ነታ ሓንቲ ሀብወን።
26
ሽዑ እታ እቲ ህያው ወዲ ዝነበራ ሰበይቲ፡ ስለ ወዳ ኣምዑታ ተናወጻ እሞ፡ ነቲ ንጉስ፡ ዎ ጐይታይ፡ እዚ ህያው ሕጻን ንእኣ ሀብዋ እምበር፡ ምቕታልሲ ኣይትቕተልዎ፡ ኢላ ተዛረበቶ። እታ ኻልአይቲ ግና፡ ንኣይ ወይስ ንኣኺ ኣይኹን፡ ቊረጽዎ ደኣ በለት።
27
ሽዑ ንጉስ፡ ምቕታልሲ ኣይትቕተልዎ፡ እዚ ህያው ሕጻን ነዚኣ ሀብዋ፡ ኣዲኣኡ ንሳ እያ፡ ኢሉ መለሰ።
28
ነዚ ንጉስ ዝፈረዶ ፍርዲ ብዘለዉ እስራኤል ሰምዑ። ፍርዲ ንምፍራድ ጥበብ ኣምላኽ ኣብኡ ኸም ዘሎ ረአዩ እሞ፡ ንንጉስ ፈርህዎ።
← Chapter 2
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 4 →
All chapters:
1
2
3
4
5
6
7
8
9
10
11
12
13
14
15
16
17
18
19
20
21
22