bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
1 Thessalonians 1
1 Thessalonians 1
Amharic Tigrinya 2011
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 2 →
1
ጳውሎስን ስልዋኖስን ጢሞቴዎስን ናብ ማሕበር ሰብ ተሰሎንቄ፡ ብእግዚኣብሄር ኣቦናን ብጐይታና የሱስ ክርስቶስን፡ ጸጋን ሰላምን ይውረድኩም።
2
ኣብ ቅድሚ ኣምላኽናን ኣቦናን ነቲ ግብሪ እምነትንኩምን ጻዕሪ ፍቕርኹምን ትዕግስቲ ተስፋኹምን ኣብ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ከየብኰርና ኣብ ጸሎትና ዂሉ ሳዕ እናዘከርናኩም፡ ብዛዕባ ዂላትኩም ንኣምላኽ ነመስግኖ ኣሎና።
3
ኣብ ቅድሚ ኣምላኽናን ኣቦናን ነቲ ግብሪ እምነትንኩምን ጻዕሪ ፍቕርኹምን ትዕግስቲ ተስፋኹምን ኣብ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ከየብኰርና ኣብ ጸሎትና ዂሉ ሳዕ እናዘከርናኩም፡ ብዛዕባ ዂላትኩም ንኣምላኽ ነመስግኖ ኣሎና።
4
ኣቱም ብኣምላኽ ፍቁራት ኣሕዋትና፡ ምሕራይኩም ስለ ዝፈለጥና፡
5
ኣባኻትኩምን ምእንታኻትኩምን ከመይ ከም ዝነበርና፡ ከምቲ እትፈልጥዎ፡ እቲ ወንጌልና፡ ብሓይልን ብመንፈስ ቅዱስን ብብዙሕ ምርዳእን ከኣ እዩ እምበር፡ ብቓል ጥራይ ኣይመጻኩምን።
6
ንስኻትኩምውን ብብዙሕ ጭንቂ ብናይ መንፈስ ቅዱስ ሓጐስ ነቲ ቓል ብምቕባልኩም ሰዓብትናን ሰዓብቲ ጐይታናን ኰንኩም።
7
ስለዚ ነቶም ኣብ መቄዶንያን ኣካይያን ዘለዉ ዂላቶም ኣመንቲ ኣርኣያ ዀንኩምዎም።
8
እምነትኩም ብኣምላኽ ናብ ብዘሎ ስፍራ ወጺኣ ኣላ እምበር፡ እቲ ቓል ጐይታስ ካባኻትኩም ኣብ መቄዶንያን ኣካይያን ጥራይ ኣይኰነን እተሰምዔ እሞ፡ ክንዛረበሉ ኣየድልየናን እዩ።
9
ነቲ ህያውን ናይ ሓቂ ኣምላኽን ከተገልግሉ፡ ነቲ ኻብ ምዉታት ዘተንስኦ እሞ ካብቲ ዚመጽእ ቊጥዓ ዜድሕነና ወዱ የሱስ ከኣ ካብ ሰማያት ክትጽበዩ፡ ካብ ጣኦታት ናብ ኣምላኽ ከመይ ጌርኩም ከም እተመለስኩምን፡ እቲ ናባኻትኩም ምእታውና ኸመይ ዝበለ ኸም ዝነበረን፡ ብዛዕባና ባዕላቶም ይነግሩ እዮም።
10

All chapters:
1
2
3
4
5