bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
1 Timothy 4
1 Timothy 4
Amharic Tigrinya 2011
← Chapter 3
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 5 →
1
በቲ ዳሕራይ ዘመናት ግና ገሊኦም እምነቶም ክሒዶም፡ ንመናፍስቲ ስሕተትን ንምህሮ ኣጋንንትን ከም ዚስዕቡ፡ እቲ መንፈስ ብግሁድ ይብል ኣሎ።
2
ብግብዝና እቶም ሕሊናኦም ከም ብመዓለም እተዐለመ፡ ሓሶት ዚዛረቡ ሰባት፡
3
መውስቦ እናኸልከሉስ፡ እቶም ኣመንትን ሓቂ ዝፈለጡን፡ ብምስጋና ኪቕበልዎ ኢሉ ኣምላኽ ዝፈጠሮ ብልዒውን ሰብ ኪሐርሞ ይእዝዙ ኣለዉ።
4
እቲ ፍጥረት ኣምላኽ ብዘሎ ጽቡቕ እዩ እሞ፡ ብምስጋና እንተ ተቐበልካዮ፡ በቲ ቓል ኣምላኽን ጸሎትን ዚቕደስ ስለ ዝዀነ፡ ገለ እኳ ዚድርበ የብሉን።
5
እቲ ፍጥረት ኣምላኽ ብዘሎ ጽቡቕ እዩ እሞ፡ ብምስጋና እንተ ተቐበልካዮ፡ በቲ ቓል ኣምላኽን ጸሎትን ዚቕደስ ስለ ዝዀነ፡ ገለ እኳ ዚድርበ የብሉን።
6
ነቶም ኣሕዋት እዚ እንተ ኣርኤኻዮም፡ ቃል እምነትን እቲ ተኣሚንካ ዝሰዐብካዮ ጽቡቕ ምህሮን እተመገበ ሕያዋይ ኣገልጋሊ የሱስ ክርስቶስ ክትከውን ኢኻ።
7
ግናኸ ንነገር ቅለትን ንዕላል ኣንስትን ካባኻ ኣርሕቆ። ንርእስኻ ግና ኣምልኾ ኣልምዳ።
8
እቲ ስጋዊ ምልማድ ንቕሩብ ነገር እዩ ዚጠቅም፡ ኣምልኾ ግና ንዂሉ ይጠቅም፡ ነዛ ሕጂ ዘላ ህይወት እዚኣን ነታ እትመጽእን ከኣ ተስፋ ኣለዎ።
9
እዚ ቓልዚ እሙን እዩ፡ ምቕባሉውን ብዂሉ ግቡእ እዩ።
10
በቲ ንዂሉ ሰብ፡ ምናዳ ንኣመንቲ፡ ዜድሕን ህያው ኣምላኽ ተስፋ ስለ ዝገበርና ኢና እንዐይን እንጽዕርን ዘሎና።
11
እዚ ኣዝዝን ምሀርን።
12
ነቶም ኣመንቲ ብቓል፡ በኻይዳ፡ ብፍቕሪ፡ ብእምነት፡ ብንጽህናውን ኣርኣያ ኹኖም እምበር፡ ነቲ ንእስነትካ ሓደ እኳ ኣይንዐቃ።
13
ኣነ ኽሳዕ ዝመጽእ፡ ናብ ምንባብን ምምዓድን ምምሃርን ኣቕልብ።
14
ነቲ ብትንቢትን ብምንባር ኢድ ሽማግሌታትን እተዋህበካ፡ ኣባኻ ዘሎ ውህበት ጸጋ ዕሽሽ ኣይትበሎ።
15
እዚ ኣጸቢቕካ ሕሰብ፡ እናወሰኽካ ትኸይድ ከም ዘሎኻ፡ ኣብ ኲሉ ምእንቲ ኺግልጽሲ፡ ነዚ ነገርዚ ብምሉእ ርእስኻ ወፊ።
16
ንርእስኻን ንትምህርትኻን ተጠንቀቕ፡ በዚ ነገርዚ ጽናዕ። እዚ እንተ ገበርካስ፡ ንርእስኻን ነቶም ዚሰምዑኻን ከተድሕን ኢኻ።
← Chapter 3
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 5 →
All chapters:
1
2
3
4
5
6