bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
2 Corinthians 4
2 Corinthians 4
Amharic Tigrinya 2011
← Chapter 3
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 5 →
1
ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንሕሊና ዂሉ ሰብ ነታ ሓቂ እናገለጽናሉ፡ ነፍስና ነዕቊብ እምበር፡ ብተንኰል ከይተመላለስና፡ ንቓል ኣምላኽውን ሓሳዊ ኸይገበርናዮ፡ ነቲ ናይ ነውሪ ሕቡእ ነገር ሐዲግና ኣሎና። ስለዚ ምሕረት ከም ዝወረደና፡ እዛ ኣገልግሎት እዚኣ ኻብ እትህልወና፡ ኣይሕለልን ኢና።
2
ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንሕሊና ዂሉ ሰብ ነታ ሓቂ እናገለጽናሉ፡ ነፍስና ነዕቊብ እምበር፡ ብተንኰል ከይተመላለስና፡ ንቓል ኣምላኽውን ሓሳዊ ኸይገበርናዮ፡ ነቲ ናይ ነውሪ ሕቡእ ነገር ሐዲግና ኣሎና። ስለዚ ምሕረት ከም ዝወረደና፡ እዛ ኣገልግሎት እዚኣ ኻብ እትህልወና፡ ኣይሕለልን ኢና።
3
እቲ ወንጌልና ስዉር እንተ ዀነ ኸኣ፡ ኣብቶም ዚጠፍኡ እዮም እተሰወረ።
4
እቲ ብርሃን ወንጌል ናይ ክብሪ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ ምስሊ ኣምላኽ፡ ምእንቲ ኸየብርሃሎምሲ፡ ኣምላኽ እዛ ዓለም እዚኣ ንሓሳብ እቶም ዘይኣምኑ ኣዖሮ።
5
ማለት፡ ክርስቶስ የሱስ ከም ጐይታ፡ ንርእስና ግና ምእንቲ የሱስ ከም ግዙኣትኩም ጌርና እምበር፡ ርእስና ኣይኰነናን እንሰብኽ ዘሎና።
6
እቲ፡ ካብ ጸልማትሲ ብርሃን ይብራህ፡ ዝበለ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ንብርሃን ፍልጠት ናይ ኣምላኽ ክብሪ ብገጽ የሱስ ክርስቶስ ኣብ ልብና ኣብርሆ።
7
ግናኸ እቲ ማእለያ ዜብሉ ሓይሊ ኻብ ኣምላኽ እምበር፡ ካባና ምእንቲ ኸይከውን፡ እዚ መዝገብ እዚ ኣብ ኣቕሓ መሬት እዩ ዘሎና።
8
ብዂሉ ወገን ንጽቀጥ፡ ግናኸ ኣይጸበናን፡ እንገብሮ ይጠፍኣና፡ ግናኸ ተስፋ ኣይንቐብጽን ኢና፡
9
ንስጐጒ፡ ድርቡያት ግና ኣይኰንናን። ይደፍኡና፡ ግናኸ ኣይንጠፍእን ኢና።
10
ህይወት የሱስ ኣብ ስጋና ምእንቲ ኽትግሀድውን፡ ኲሉ ሳዕ ሞት የሱስ ኣብ ስጋና ንጸውር ኣሎና።
11
ምለት፡ እታ ህይወት የሱስ ኣብቲ መዋቲ ስጋና ምእንቲ ኽትግሀድሲ፡ ንሕና ብህይወት ዘሎና ምእንቲ የሱስ ኢልና ዂሉ ሳዕ ናብ ሞት የሕልፉና ኣለዉ።
12
እምብኣርሲ ሞት ኣባና ይዐዪ፡ ህይወት ግና ኣባኻትኩም ትዐዪ ኣላ።
13
ግናኸ እቲ ንጐይታና የሱስ ዘተንስኦ ንኣናውን ምስ የሱስ ከም ዜተንስኣና እሞ ምሳኻትኩም ኣብ ቅድሚኡ ኸም ዜቚመና እናፈለጥና፡ ከምቲ፡ ኣሚነ ስለዚ ተዛረብኩ፡ ዚብል ጽሑፍ ዘሎ፡ እቲ ሓደ መንፈስ እምነት ካብ ዚህልወና፡ ንሕና ድማ ንኣምን፡ ስለዚውን ንዛረብ ኣሎና።
14
ግናኸ እቲ ንጐይታና የሱስ ዘተንስኦ ንኣናውን ምስ የሱስ ከም ዜተንስኣና እሞ ምሳኻትኩም ኣብ ቅድሚኡ ኸም ዜቚመና እናፈለጥና፡ ከምቲ፡ ኣሚነ ስለዚ ተዛረብኩ፡ ዚብል ጽሑፍ ዘሎ፡ እቲ ሓደ መንፈስ እምነት ካብ ዚህልወና፡ ንሕና ድማ ንኣምን፡ ስለዚውን ንዛረብ ኣሎና።
15
እቲ በቶም ብዙሓት እምብዛ ዝበዝሔ ጸጋ፡ ንኽብሪ ኣምላኽ ምስጋና ምእንቲ ኸዕዝዝ፡ ኲሉ ዚኸውን ዘሎ ምእንታኹም እዩ።
16
እቲ ሽዓ ዚሐልፍን ቀሊልን ጸበባና ማእለያ ዜብሉ ብሉጽ ናይ ዘለኣለም ምሉእ ረዚን ክብሪ የዳልወልና እዩ እሞ፡ እቲ ናይ ወጻኢ ሰብና እንተ በስበሰ እኳ፡ እቲ ውሽጥና ኣብ ጸጽባሕ ይሕደስ ኣሎ፡ ስለዚ ኣይንሕለልን ኢና።
17
እቲ ሽዓ ዚሐልፍን ቀሊልን ጸበባና ማእለያ ዜብሉ ብሉጽ ናይ ዘለኣለም ምሉእ ረዚን ክብሪ የዳልወልና እዩ እሞ፡ እቲ ናይ ወጻኢ ሰብና እንተ በስበሰ እኳ፡ እቲ ውሽጥና ኣብ ጸጽባሕ ይሕደስ ኣሎ፡ ስለዚ ኣይንሕለልን ኢና።
18
እቲ ዚረኤ ንጊዜኡ እዩ፡ እቲ ዘይርኤ ግና ንዘለኣለም እዩ እሞ፡ ንሕና ነቲ ዘይርኤ እምበር፡ ነቲ ዚርኤ ኣይንጥምትን ኢና።
← Chapter 3
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 5 →
All chapters:
1
2
3
4
5
6
7
8
9
10
11
12
13