bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
3 John 1
3 John 1
Amharic Tigrinya 2011
Jump to:
Chapter 1
1
ካብቲ ሽማግለ ናብቲ ፍቁር፡ ኣነ ብሓቂ ዘፍቅሮ ጋይዮስ።
2
ኣታ ፍቁር፡ ከምቲ ነፍስኻ ዝጠዐየት፡ ብዂሉ ደሓን ክትህሉን ክትጥዕን እምነየልካ ኣሎኹ።
3
ንስኻ በታ ሓቂ ትመላለስ ከም ዘሎኻ፡ ኣሕዋት መጺኦም ስለ እታ ኣባኻ ዘላ ሓቂ ብምምስካሮም ብዙሕ ተሐጐስኩ።
4
ኣነ እቶም ደቀይ ብሓቂ ኸም ዚመላለሱ ኻብ ምስማዕ ዚዐቢ ሓጐስ የብለይን።
5
ኣታ ፍቁረይ፡ እቲ ነቶም ኣሕዋትን ኣጋይሽን እትገብሮ ዘሎኻ ዘበለ ተኣሚንካ ትገብሮ ኣሎኻ።
6
እዚኣቶም ብናይ ፍቕርኻ ኣብ ቅድሚ ማሕበር መስኪሮም ኣለዉ። ንኣምላኽ ከም ዚበቅዕ ጌርካ ንመገዶም እንተ ኣፋኖኻዮም ድማ፡ ሰናይ ትገብር ኣሎኻ።
7
ንሳቶም ካብቶም ኣህዛብ ሓንቲ እኳ ኸይወሰዱ ምእንቲ እቲ ስም እቲ እዮም ዝወጹ።
8
እምብኣርስኸ፡ ነታ ሓቂ መዓይይታ ምእንቲ ኽንከውን፡ ንሕና ነዞም ከምዚኣቶም ዝበሉ ኽንቅበሎም ይግብኣና እዩ።
9
ኣነ ናብታ ማሕበር ሓደ ነገር ጽሒፈ ኣሎኸ፡ እቲ ኣውራኦም ኪኸውን ዚደሉ ድዮት ሬፌስ ግና ኣይቅበለናን እዩ።
10
ስለዚ፡ እንተ መጸእኩ፡ ኣነ ነቲ ንሱ ብእኩይ ዘረባ እናጸረፈና ዚገብሮ ዘሎ ግብሪ ኸዘክሮ እየ። በዚ ድማ ምእካል ኣብይዎስ፡ ባዕኩ ነቶም ኣሕዋት ኣይቕበሎምን፡ ነቶም ኪቕበልዎም ዚደልዩ ኸኣ ይኽልክሎም ካብ ማሕበርውን የውጽኦም ኣሎ።
11
ኣታ ፍቁረይ፡ ነቲ ሰናይ ደኣ እምበር፡ ነቲ እኩይሲ ኣይትቃጸጾ። እቲ ሰናይ ዚገብር ካብ ኣምላኽ እዩ፡ እቲ እቲ እኩይ ዚገብር ንኣምላኽ ኣይረኣዮን።
12
ንድሜጥሮስ ኲላቶም ይምስክሩሉ ኣለዉ፡ እታ ሓዊ ባዕላ ድማ ትምስክረሉ ኣላ። ንሕናውን ንምስክረሉ ኣሎና፡ ምስክርና ሓቂ ምዃና ድማ ንስኻ ትፈልጥ ኢኻ።
13
ቀልጢፈ ኽርእየካ ተስፋ እገብር ኣሎኹ፡ ሽዑ ኣፍ ንኣፍ ክንዛራረብ ኢና እምበር፡ ብዙሕ ዝጽሕፈልካ ነይሩኒ፡ ግናኸ ብቐለምን ብርዕን ክጽሕፈልካ ኣይፈቶኹን።
14
ቀልጢፈ ኽርእየካ ተስፋ እገብር ኣሎኹ፡ ሽዑ ኣፍ ንኣፍ ክንዛራረብ ኢና እምበር፡ ብዙሕ ዝጽሕፈልካ ነይሩኒ፡ ግናኸ ብቐለምን ብርዕን ክጽሕፈልካ ኣይፈቶኹን።
15
ሰላም ምሳኻ ይኹን። እቶም ፍቁራትና ሰላም ይብሉኻ ኣለዉ። ነቶም ፍቁራትና በብስሞም ሰላም በሎም።
Jump to:
Chapter 1
All chapters:
1