bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Ecclesiastes 1
Ecclesiastes 1
Amharic Tigrinya 2011
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 2 →
1
ቃላት እቲ ሰባኺ፡ ወዲ ዳዊት ንጉስ ዮርሳሌም።
2
ከንቱነት ናይ ከንቱነታት፡ ይብል እቲ ሰባኺ፡ ከንቱነት ናይ ከንቱነታት፡ ኩሉ ኸንቱነት እዩ።
3
ሰብ ካብቲ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዚጽዕረሉ ኹሉ ጻዕሪ እንታይ ረብሓ ይረኽበሉ፡
4
ወለዶ ይኸይድ፡ ወለዶ ኸአ ይመጽእ፡ ምድሪ ግና ንዘለኣለም ትቐውም።
5
ጸሓይ ድማ ትበርቕ፡ ጸሓይ ከአ ትዐርብ፡ ናብቲ ዝበረቐትሉ ቦታ ኽትምለስውን ትቕልጥፍ።
6
ንፋስ ናብ ደቡብ ይኸይድ፡ ናብ ሰሜን ከአ ይዘውር፡ እቲ ንፋስ ኣዘውቲሩ እናኸደ ይዘውር፡ ናብ ዙረቱውን ከም ብሓድሽ ይምለስ።
7
ውሒዝ ዘበለ ኹሉ ናብ ባሕሪ ይኸይድ፡ ባሕሪ ግና ከቶ ኣይመልአን። ወሓይዝ ናብቲ ዝኸደሉ ቦታ መመሊሱ ይኸይድ።
8
ኩሉ ነገር ይጽዕር፡ ሰብ ኪዛረብ እኳ ኣይይኽእልን። ዓይኒ ብምርኣይ ኣይትጸግብን እዝኒ ኸአ ብምስማዕ ኣይትመልእን።
9
እቲ ዝነበረ ንሱ እዩ መሊሱ ዚነብር፡ እቲ እተገብረ ኸአ ንሱ እዩ መሊሱ ዚነብር፡ እቲ እተገብረ ኸአ ንሱ መሊሱ ዚግበር፡ ኣብ ትሕቲ ጸሓይሲ ሓድሽ ነገር ከቶ የልቦን።
10
ሰብሲ፡ እንሆ፡ እዚኣ ሓዳስ እያ፡ ዚብለላ ነገርዶ ኣላ እያ፡ ድሮ በቲ ቕድሜና ዝነበረ ዝመናት ዝነበረት እያ።
11
እተን ቀደም ዝነበራ ነገራትሲ መዘከርታ የብለንን። እተን ብደሓር ዚኾና ኸአ ኣብቶም ብድሕሪኤን ዚመጹ መዘከርታ የብለንን።
12
ኣነ ሰባኺ ኣብ ዮርሳሌም ንጉስ እስራኤል ነበርኩ።
13
ኣብ ትሕቲ ሰማይ ዚግበር ዘበለ ኹሉ ብጥበብ ክምርምርን ከስተብህልን ልበይ ኣቕናዕኩ። እዝስ እግዚኣብሄር ንደቂ ሰብ ኪሳቕዩሉ ዝሀቦም ሓማቕ ጻዕሪ እዩ።
14
ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዚግበር ኹሉ ኸንቱነትን ደድሕሪ ንፋስ ምጉያይን እዩ።
15
ቄናን ኪቐንዕ ኣይከአልን፡ እተሳእነውን ኪቑጸር ኣይከአልን።
16
ኣነ እንሆ ሓለፋ እቶም ቅድመይ ኣብ ዮርሳሌም ዝነበሩ ዓብዩ ጥበብ ኣጥሬኹ፡ ኢለ ብልበይ በልኩ። ልበይ ናይ ጥበብን ፍልጠትን ምልኣት ረአየ።
17
ንጥበብ ክፈልጣ፡ ንዕሽነትን ድንቁርናን ክፈልጠን ኢለ ልበይ ኣቕኒዔስ፡ እዚውን ደድሕሪ ንፋስ ምጉያይ ምዃኑ ኣስተብሀልኩ።
18
ብዙሕ ጥበብ ኣብ ዘለዎ፡ ኣብኡ ብዙሕ ጓሂ ኣሎ እሞ፡ እቲ ፍልጠት ዜብዝሕ ስቓይ ይበዝሕ።
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 2 →
All chapters:
1
2
3
4
5
6
7
8
9
10
11
12