bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Ephesians 3
Ephesians 3
Amharic Tigrinya 2011
← Chapter 2
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 4 →
1
ስለዚ ኣነ ጳውሎስ፡ ምእንታኹም ኣህዛብ ናይ የሱስ ክርስቶስ እሱር፡
2
ቀደም ኣሕጺረ ኸም ዝጸሐፍኩ፡ እቲ ምስጢር ከመይ ኣቢሉ ብራእይ ከም ዘፍለጠኒ ብዛዕባ እቲ ስሌኻትኩም እተዋህበኒ መጋቢነት ጸጋ ኣምላኽ ሰሚዕኩምዎ እንተ ዄንኩምሲ፡
3
ቀደም ኣሕጺረ ኸም ዝጸሐፍኩ፡ እቲ ምስጢር ከመይ ኣቢሉ ብራእይ ከም ዘፍለጠኒ ብዛዕባ እቲ ስሌኻትኩም እተዋህበኒ መጋቢነት ጸጋ ኣምላኽ ሰሚዕኩምዎ እንተ ዄንኩምሲ፡
4
ምስ ኣንበብኩምዎ፡ ነቲ ኣብ ምስጢር ክርስቶስ ዘሎኒ ፍልጠት ከተስተውዕልዎ ይኸነልኩም እዩ።
5
ከምቲ እዚ ሕጂ ነቶም ቅዱሳን ሃዋርያቱን ነብያቱን ብመንፈስ እተገልጸሎም ኰይኑ፡ ኣብቶም ካልኦት ወለዶ ንደቂ ኣዳም ኣይተፈልጠን።
6
ማለት፡ ኣህዛብሲ መዋርስቲ፡ ሓደ ስጋ፡ ብወንጌልውን ኣብ የሱስ ክርስቶስ መማቕልቲ ተስፋ ኸም ዝዀኑ፡
7
ኣነ፡ ከም ግብሪ ሓይሉ፡ ከምቲ እተዋህበኒ ውህበት ጸጋ ኣምላኽ፡ ኣገልጋሊ ወንጌል ኰንኩ።
8
ንኣይ፡ ካብ ኲሎም ቅዱሳን ለጠቕ ንዝብል፡ እቲ ዘይምርመር ሃብቲ ክርስቶስ ነህዛብ ክሰብኽ፡ እዚ ጸጋ እዚ ተዋህበኒ።
9
እቲ ኣብቲ ዂሉ ዝፈጠረ ኣምላኽ ካብ ዘለኣለም ተሰዊሩ ዝነበረ ምስጢር መጋቢነትውን ከመይ ምዃኑ ንዂሎም ከብርሃሎም ተዋህበኒ።
10
ኣምላኽ እታ ብዙሕ ዝዓይነታ ጥበብ ሕጂ በታ ማሕበር ገይሩ ነቶም ኣብ ሰማያት ዘለዉ ሽመታትን ስልጣናትን ምእንቲ ኼፍልጦም፡
11
ከምቲ ብክርስቶስ የሱስ ጐይታና ዝገበሮ ናይ ዘለኣለም ምኽሩ፡
12
ሳላ ብክርስቶስ ምእማንና ንሕና ትብዓትን ብእሙንቶ ምእታውን ብእኡ ኣሎና።
13
ስለዚ፡ ክብረትኩም እዩ እሞ፡ በቲ ምእንታኸም ዝበጽሓኒ ጸበባይ ከይትስልክዩ፡ እልምነኩም ኣሎኹ።
14
ምእንትዚውን ናብቲ ኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ዘሎ ዂሉ ወለዶታት ካብኡ ዚስመ ኣቦ ብብርከይ እምብርከኽ ኣሎኹ።
15
ምእንትዚውን ናብቲ ኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ዘሎ ዂሉ ወለዶታት ካብኡ ዚስመ ኣቦ ብብርከይ እምብርከኽ ኣሎኹ።
16
ብመንፈስ ኣብቲ ናይ ውሽጢ ሰብ ብሓይሊ ምእንቲ ኽትብርትዑ፡ ከምቲ ሃብቲ ኽብሩ ኺህበኩም እጽሊ ኣሎኹ።
17
ክርስቶስ ኣብ ልብኹም ብእምነት ምእንቲ ኺሐድር፡ ኣብ ፍቕሪ ሱር ሰዲድኩምን ተሰሪትኩምን፡
18
ምስ ኲሎም ቅዱሳን ምግፋሑን ምንዋሑን ምዕማቑን ቊመቱን እንታይ ምዃኑ ምስትውዓል ክትክእሉ፡
19
እሞ ነታ ንፍልጠት ሓለፍ እትብላ ፍቕሪ ክርስቶስ ክትፈልጥዋ፡ ክሳዕ ኲሉ ምልኣት ኣምላኽ ምእንቲ ኽትመልኡ፡ እጽሊ ኣሎኹ።
20
ግናኸ ከምቲ ኣባና ዚገብር ሓይሊ፡ ካብቲ ንሕና እንልምኖም እንሐስቦን ዘለና እምብዛ ኣዕዚዙ ኺገብር ዚኸኣሎ፡
21
ካብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ንዂሉ ውሉድ ወለዶታት ኣብታ ማሕበር ክርስቶስ የሱስ ንእኡ ኽብሪ ይኹኖ። ኣሜን።
← Chapter 2
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 4 →
All chapters:
1
2
3
4
5
6