bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Habakkuk 1
Habakkuk 1
Amharic Tigrinya 2011
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 2 →
1
ነብዩ ኣንባቆም ዝረአዮ ጾር እዚ እዩ።
2
ዎ እግዚኣብሄር፡ ንስኻ ኸይሰማዕካንስ፡ ክሳዕ መአ ከእዊ እዩ፡ እነ፡ ዓመጽ፡ ኢለ ናባኻ ኣእዌኹ፡ ንስኻውን ኣይድሐንካን።
3
ስለምናትይ ኣበሳ እተርእየኒ፡ ንስኻስ ሕሰም እትጥምት፡ ምዝራፍን ዓመጽን ኣብ ቅድመይ እዩ፡ ባእስን ክርክርን ይለዐል።
4
ስለዚ ሕጊ ደኸመ፡ ፍትሒውን ከቶ ኣይወጸን። እቲ ረሲእ ነቲ ጻድቕ ኪበብዎ እዩ እሞ፡ ስለዚ ፍርዲ ቐኒኑ ይወጽእ አሎ።
5
እንተ ነገሩኹም እኳ ዘይትአምንዎ ግብሪ ብመዓልትታትኩም እገብር አሎኹ እሞ፡ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ርአዩን ጠምቱን፡ ተገረሙን ተደነቑውን።
6
እንሆ፡ ዘይናቶም መናበሪ ኺወርሱ፡ ኣብ ሰፍሒ ምድሪ ዚኸዱ መረርትን ፍጡናትን ህዝቢ ከለዳውያን ከተንስእ እየ።
7
ንሳቶም ዜፍርሁን ዜሰምብዱን እዮም፡ ፍርዶምን ክብረቶምን ካባታቶም ይወጽእ።
8
ኣፍራሶምኳ ነብሪ ይቕልጥፉ፡ ካብ ቶኹላ ምሸት ይፈጥኑ፡ ፈረሰኛታቶም ይዝርግሑ፡ ፈረሰኛታቶም ካብ ርሑቕ ይመጹ።
9
ኩላቶም ኪዕምጹ ይመጹ፡ ትምኒት ገጾም ናብ ቅድሚኦም እዩ፡ ከም ሑጻ ዝምብዝሖም ይማርኹ።
10
ንነገስታት የላግጹሎም፡ መሳፍንቲ ኸአ መስሓቒ ይኾንዎ። ብኹሉ ዕርድታት ይስሕቁ፡ መሬት ይእክብ፡ ይወስዶ ኸአ።
11
ሽዑ ኸም ንፋስ ይሐልፍ፡ ንኽንየው ይሐልፍ፡ በዳሊ ኸአ ይኸውን፡ ሓይሉ ድማ ኣምላኽ እዩ።
12
ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፡ ቕዱሰይ፡ ካብ ጥንቲ ንስኻዶ ኣይኮንካን፡ ንሕና ኣይንመውትን። ዎ እግዚኣብሄር፡ ንፍርዲ ኣንበርካዮም፡ ኣታ ኸውሒ፡ ንመቕጻዕቲ ሰረትካዮም።
13
ኣዒንትኻ እኩይ ንምርኣይ ኣዝየን ጽሩያት እየን፡ ኣበሳ ኽትጥምት ኣይኮነልካን። ስለምንታይ ነቶም ጠለምቲ እትጥምቶም፡ ከመይከ እቲ ረእሲ ነቲ ኻብኡ ዚጸድቕ ኪውሕጦ ኸሎ ትም እትብል፡
14
ከመይሲ ንሰባት ከምቶም ዓሳ ባሕርን ከምቶም ገዛኢ ዜብሎም ለመታን እትገብሮም፡
15
ንኹላቶም ብመቑለብ ኣውጽኦም፡ ብመርበቡ ሰሓቦም፡ ብመግፈፊኡ ድማ ኣከቦም፡ ስለዚ ባህ ኢልዎ እልል ይብል።
16
ስለዚ ንመርበቡ መስዋእቲ የቕርበሉ፡ ንመግፈፊኡ ድማ ዕጣን ይዐጥን አሎ፡ እዚ ኸአ ብኣታቶም ግዲኡ ስለ ዝሰብሓሉ፡ ምግቡውን ስለ ዝጠዐመሉ እዩ።
17
ስለዚዶ መርበቡ ኼዐርቕ እዩ፡ ኩሉ ጊዜዶኸ ንህዝብታት ብዘይ ምሕረት ኪቕትል እዩ።
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 2 →
All chapters:
1
2
3