bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Jeremiah 4
Jeremiah 4
Amharic Tigrinya 2011
← Chapter 3
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 23
Chapter 5 →
1
ኣታ እስራኤል፡ እንተ ተመለስካስ፡ ናባይ ደኣ ተመለስ። ነቲ ጽያፍካ ኻብ ቅድመይ እንተ ኣርሐቕካዮ፡ ቀባሕባሕ ኣይክትብልን ኢኻ፡
2
ሽዑ፡ እግዚኣብሄር ህያው እዩ፡ ኢልካ ብሓቅን ብቕንዕናን ብጽድቅን ክትምሕል ኢኻ፡ ኣህዛብ ከኣ ብእኡ ኺባረኹን ኪሕበኑሉን እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር።
3
እግዚኣብሄር ንሰብ ይሁዳን የሩሳሌምን ከምዚ ይብል ኣሎ፡ በዱኹም ጽግኡ እሞ ኣብ እሾዂ ኣይትዝርኡ።
4
ኣቱም ሰብ ይሁዳን ኣብ የሩሳሌም እትነብሩን፡ ብሰሪ ኽፍኣት ግብርኹም ቊጥዓይ ከም ሓዊ ኸይነድድ እሞ ሓደ እኳ ኼጥፍኦ ኸም ዘይኽእል ኰይኑ ሃልሃል ከይብልሲ፡ ንእግዚኣብሄር ተገዘሩ፡ ልብኹም ገዘሩ።
5
ኣብ ይሁዳ ንገሩ፡ ኣብ የሩሳሌም ኣውጁ እሞ፡ ኣብታ ሃገር መለኸት ንፍሑ፡ በሉ። ዓው ኢልኩም ከኣ፡ ተኣከቡ እሞ ናብተን ጽኑዓት ከተማታት ንእቶ፡ ኢልኩም ጨድሩ።
6
ካብ ሰሜን መዓትን ዓብዪ ጥፍኣትን ከምጽእ እየ እሞ፡ ናብ ጽዮን ኣቢሉ ዜመልክት ሰንደቕ ዕላማ ትኸሉ፡ መጸግዒ ድለዩ፡ ጠጠው ኣይትበሉ።
7
ኣንበሳ ኻብቲ ጭምጭም ዱር በለኽ ይብል፡ ምድርኺ ኼባድም፡ ከተማታትኪ ኸኣ፡ ሓደ እኳ ዚነብረለን ክሳዕ ዚሰኣን፡ ኬፍርስ፡ መጥፍእ ህዝብታት ነቒሉ ኻብ ስፍራኡ ይወጽእ።
8
እምበኣርሲ እቲ ነዳዲ ቚጥዓ እግዚኣብሄር ካባና ኣየግለሰን እዩ እሞ፡ ከሊ ተኸደኑ፡ ኣልቅሱ ዋይዋይ ድማ በሉ።
9
በታ መዓልቲ እቲኣ ልቢ ንጉስ ልቢ መሳፍንትን ከም ዚዝሕትል፡ ካህናት ከም ዚፈዙ፡ ነብያትውን ከም ዚግረሙ ኪኸውን እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
10
ኣነ ግና፡ ኣየ፡ ኣታ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ሰይፊ ኽሳዕ ነፍስና በጺሑ ኸሎስ፡ ደሓን ኢኹም ብምባልካ ነዚ ህዝቢ እዝን ንየሩሳሌምን ብርግጽ ጠቢርካዮም፡ በልኩ።
11
በቲ ዘመን እቲ ነዚ ህዝቢ እዝን ንየሩሳሌምን ከምዚ ኺበሀል እዩ፡ ሃሩር ዘለዎ ንፋስ ካብቲ በረኽቲ ምድረ በዳ ናብታ ጓል ህዝበይ ኪመጽእ እዩ፡ ንምምስኣይን ንምዝራውን ዚኸውን ኣይኰነን፡
12
ካብኡ ኣዝዩ ዚብርትዕ ንፋስ ካባይ ኪመጽእ እዩ፡ ኣነውን ሕጂ ብፍርዲ ኽዛረቦም እየ።
13
እንሆ፡ ከም ደበና ዀይኑ ይወጽእ፡ ሰረገላታቱ ኸም ህቦብላ እዮም። ኣፍራሱ ኻብ ንስሪ ይቕልጥፉ። ጠፊእና ኢና እሞ፡ ወይለና።
14
ኣቲ የሩሳሌም፡ ምእንቲ ኽትድሕንስ ልብኺ ኻብ ክፍኣት ሕጸቢ። ክሳዕ መኣዝ ክፋእ ሓሳባት ኣብ ውሽጥኺ ኺነብር እዩ
15
ካብ ዳን ድምጺ ይስማዕ፡ ካብ ኣኽራን ኤፍሬም ከኣ ሕሰም ይውረ ኣሎ እሞ፡
16
እንሆ፡ ካብ ርሑቕ ሃገር ዚኸብብ ጭፍራ ይመጽእ፡ ንኸተማታት ይሁዳ ኸኣ ይፍክሩለን አለው፡ ኢልኩም ነህዛብ ንገርዎም፡ ንየሩሳሌም ኣፍልጥዋ።
17
ንኣይ ስለ እተጻረረት፡ ከም ሓለውቲ ግራት ኰይኖም ብዂሉ ወገና ይኸብዋ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
18
ኣኻይዳኽን ግብርኽን እዩ እዚ ዘውረደልኪ፡ እዚ ኽፍኣትኪ እዩ፡ መሪር እዩ እሞ፡ ክሳዕ ልብኺ ይበጽሕ።
19
ኣምዑተይ፡ ኣምዑተይ ተበጠሰ፡ ኣየ ኣፍ ልበይ፡ ልበይ ኣብ ውሽጠይ ትርግርግ ይብል ኣሎ። ነፍሰይ ደሃይ መለኸትን ህማም ውግእን ትሰምዕ ኣላ እሞ፡ ትም ኣይብልን።
20
ኲላ እታ ሃገር ዐኒዋ እያ እሞ፡ ጥፍኣት ኣብ ርእሲ ጥፍኣት ይውረ ኣሎ፡ ጐጆታተይ ብድንገት፡ ድንኳናተይ ድማ ብቕጽበት ዓይኒ ዐነዋ።
21
ክሳዕ መኣዝ ሰንደቕ ዓላማ ኽርኢ፡ ደሃይ መለኸትስ ክሰምዕ እየ
22
ህዝበይ ዓሻ እዩ እሞ፡ ኣይፈልጠንን፡ ድንዙዛት ደቂ እዮም እሞ፡ ኣእምሮ የብሎምን። እከይ ንምግባር ጥበበኛታት እዮም፡ ሰናይ ንምግባር ግና ኣይፈልጡን እዮም።
23
ንምድሪ ጠመትክዋ፡ እንሆ፡ ጽምዋን ባዶን ነበረት፡ ንሰማያትውን ጠመትኩ እሞ ብርሃን ኣይነበሮን።
24
ነኽራን ጠመትኩ፡ እንሆ ኸኣ ራዕራዕ ይብሉ፡ ኲላቶም ኰረቢትውን የንፈጥፍጡ ኣለው።
25
ጠመትኩ፡ እንሆ ኸኣ፡ ሰብ ኣይነበረን፡ ኲለን ኣዕዋፍ ሰማይ ከኣ በረራ።
26
ጠመትኩ፡ እንሆ ኸኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄርን ኣብ ቅድሚ ነድሪ ቚጥዓኡን እታ ፈራይት ምድርስ ምድረ በዳ ዀነት፡ ከተማታታ ድማ ፈረሳ።
27
እግዚኣብሄር ኸምዚ ይብል፡ ኲላ እታ ሃገር ክትባድም እያ፡ ግናኸ ብጥራስ ኣይከጥፍኣን እየ።
28
ኣነ ኢለ ኢሎኹ ወዲኤዮ ኸኣ እየ፡ ኣይክጠዐሰሉን ኣይክምልሶን ድማ እየ እሞ፡ ብሰሪ እዚ ምድሪ ኽትሐዝን፡ ሰማያትውን ኣብ ላዕሊ ኺጽልምት እዩ፡ ይብል ኣሎ።
29
ካብቲ ድዋዕዋዕ ምባል ፈረሰኛታትን ወርወርቲ ፍላጻን እተላዕለ፡ ኲሉ እቲ ኸተማታት ይሀድም። ኣብ ዕሙር ዱር ይሰዃዅዑ፡ ኣብ ኣኻውሕ ከኣ ይሐዂሩ፡ ኲሉ ኸተማታት ተሐደኢጉ፡ ዚነብሮ ሰብ ከኣ የልቦን።
30
ኣቲ ዝዐኖኺኸ፡ እንታይ ኽትገብሪ ኢኺ ጁዂ እንተ ተኸደንኪ፡ ስልማት ወርቂ እንተ ተሰለምኪ፡ ኲሕሊ እንተ ተዀሐልኪ፡ ንኸንቱ ኢኺ እተጋይጺ ዘሎኺ። ፈተውትኺ ንዒቖምኺ ነፍስኺ ይደልዩ ኣለው።
31
ነቲ ቕልውላው ዝሐዛ፡ ነቲ ምዕሉባጥ ፈለማያ እትወልድ ሰበይቲ ዚመስል ኣደድ ምባል እሰምዕ ኣሎኹ እሞ፡ ደሃይ እታ ዓቕሊ ኣጽቢባ፡ ኢዳ ዘርጋሕጋሕ እተብል፡ ዋይ ደኣ ነፍሰይ ብሰሪ እዞም ቀተልቲ ሰልከየት፡ ኢላ እተድሂ ዘላ ጓል ጽዮን እዩ።
← Chapter 3
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 23
Chapter 5 →
All chapters:
1
2
3
4
5
6
7
8
9
10
11
12
13
14
15
16
17
18
19
20
21
22
23