bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
John 4
John 4
Amharic Tigrinya 2011
← Chapter 3
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 5 →
1
ጐይታ ኸኣ፡ እቶም ፈሪሳውያንሲ የሱስ ካብ ናይ ዮሃንስ ዚበዝሑ ደቀ መዛሙርቲ ኸም ዝገበረን ዘጥመቐን ምስማዖም ምስ ፈለጠ፡
2
ግናኸ ደቀ መዛሙርቱ ደኣ እምበር፡ የሱስ ባዕሉ ኣየጥመቐን፡
3
ምድሪ ይሁዳ ሐዲጉ ናብ ገሊላ ተመልሰ።
4
ብሰማርያ ንምሕላፍ ከኣ ናይ ግዲ ዀኖ።
5
ኣብ ጥቓ እታ ያእቆብ ንዮሴፍ ወዱ ዝሀቦ ምድሪ ዘላ ሲካር ናብ እትብሀል ከተማ ሰማርያ መጸ።
6
ኣህኡ ኸኣ ዔላ ያእቆብ ኣሎ። የሱስ ከኣ ብምኻድ መገዲ ደኺሙ፡ ኣብ ጥቓ እቲ ዔላ ተቐመጠ። እቲ ጊዜኡ ሳድሰይቲ ሰዓት ኣቢሉ ነበረ።
7
ካብ ሰማርያ ኸኣ ሰበይቲ ማይ ክትቀድሕ መጸት። የሱስ ድማ፡ ማይ ኰታ ኣስትይኒ፡ በላ።
8
ደቀ መዛሙርቱ ግና ዚብላዕ ኪዕድጉ ናብ ከተማ ኸይዶም ነበሩ።
9
ኣይሁድ ምስ ሳምራውያን ኣይተሓባበሩን እዮም እሞ፡ እታ ሳምራዊት ሰበይቲ፡ ንስኻ ኣይሁዳዊ ኽነስኻስ፡ ካባይ ሳምራዊት ሰበይቲ ደኣ ኸመይ ኢልካ ማይ ክትሰቲ ትልምን ኣሎኻ፧ በለቶ።
10
የሱስ ድማ፡ ህያው ኣምላኽን እቲ ኣስትይኒ ዚብለኪ ዘሎ መን ምዃኑን እንተ ትፈልጥስ፡ ንስኺ ግዳ ምለመንክዮ ኔርኪ፡ ንሱ ኸኣ ማይ ህይወት ምሀበኪ ነይሩ፡ ኢሉ መለሰላ።
11
እታ ሰበይቲ ድማ፡ ጐይታይ፡ መቕድሒ የብልካን፡ እዚ ዔላ ኸኣ ዓሚቚ እዩ፡ እቲ ማይ ህይወት ደኣ ኻበይ ትረኽቦ፧
12
ንስኻዶ ኻብቲ ነዚ ዔላ እዚ ዝሀበና፡ ንሱውን ምስ ደቁን ማሉን ካብኡ ዝሰተየ ኣቦና ያእቆብ፡ ትዐቢ ኢኻ፧ በለቶ።
13
የሱስ ድማ፡ ካብዚ ማይ እዚ ዚሰቲ ዘበለ መሊሱ ኺጸምእ እዩ።
14
እቲ ኻብቲ ኣነ ዝህቦ ማይ ዚሰቲ ግና፡ እቲ ኣነ ዝህቦ ማይ ኣብኡ ንዘለኣለም ህይወት ዚፍልፍል ዓይኒ ማይ ኪኸውን እዩ እምበር፡ ንዘለኣለም ኣይጸምእን እዩ፡ ኢሉ መለሰላ።
15
እታ ሰበይቲ ኸኣ፡ ጐይታይ፡ ከይጸምእ እሞ ክቐድሕ ድማ ናብዚ ኸይወርድሲ፡ ካብቲ ማይ እቲ ሀበኒ፡ በለቶ።
16
የሱስ ከኣ፡ ኪዲ፡ ሰብኣይኪ ጸዊዕኪ ናብዚ ንዒ፡ በላ።
17
እታ ሰበይቲ መሊሳ፡ ሰብኣይ የብለይን፡ በለቶ። የሱስ ከኣ፡ ሰብኣይ የብለይን ብምባልኪ ቅኑዕ ተዛረብኪ።
18
ሓሙሽተ ሰብኣይ ነይሮምኺ እዮም እሞ፡ እዚ ሕጂ ምሳኺ ዘሎውን ኣይሰብኣይክን እዩ። እዚስ ሓዊ ተዛረብኪ፡ በላ።
19
እታ ሰበይቲ በለቶ፡ ጐይታይ፡ ንስኻ ነብዪ ምዃንካ እርኢ ኣሎኹ።
20
ኣቦታትና ኣብዚ ኸረን እዚ ሰገዱ። ንስኻትኩም ግና፡ እታ ኺሰግዱላ ዚግባእ ስፍራ ኣብ የሩሳሌም እያ፡ ኢኹም እትብሉ።
21
የሱስ በላ፡ ኣቲ ሰበይቲ፡ ኣብዚ ኸረን እዚ ወይ ኣብ የሩሳሌም ነቦ ዘይትሰግዱላ ጊዜ ኸም እትመጽእ፡ እመንኒ።
22
ንስኻትኩም ንዘይትፈልጥዎ ኢኹም እትሰግዱ፡ ንሕና ግና፡ ምድሓን ካብ ኣይሁድ እዩ እሞ፡ ንንፈልጦ ኢና እንሰግድ።
23
ኣምላኽ መንፈስ እዩ፡ እቶም ዚሰግዱሉ ድማ ብመንፈስን ብሓቅን ኪሰግዱሉ ይግብኦም። ኣቦ ኸምዚ ዝበሉ ሰገድቲ እዮም ዚደሊ እሞ፡ እቶም ናይ ሓቂ ሰገድቲ ነቦ ብመንፈስን ብሓቅን ዚሰግዱሉ ሰዓት ክትመጽእ እያ፡ ንሳ ኸኣ ሕጂ እያ።
24
ኣምላኽ መንፈስ እዩ፡ እቶም ዚሰግዱሉ ድማ ብመንፈስን ብሓቅን ኪሰግዱሉ ይግብኦም። ኣቦ ኸምዚ ዝበሉ ሰገድቲ እዮም ዚደሊ እሞ፡ እቶም ናይ ሓቂ ሰገድቲ ነቦ ብመንፈስን ብሓቅን ዚሰግዱሉ ሰዓት ክትመጽእ እያ፡ ንሳ ኸኣ ሕጂ እያ።
25
እታ ሰበይቲ ድማ፡ ክርስቶምስ ዚብልዎ መሲህ ከም ዚመጽእ፡ እፈልጥ ኣሎኹ። ንሱ ምስ መጸ ኸኣ፡ ኲሉ ኺነግረና እዩ፡ በለቶ።
26
የሱስ ከኣ፡ ኣነ ዝዛረበኪ ዘሎኹ ንሱ እየ፡ በላ።
27
ሽዑ እቶም ደቀ መዛሙርቱ መጹ፡ ምስ ሰበይቲ ብምዝርራቡውን ተገረሙ። ግናኸ ሓደ እኳ፡ እንታይ ትደሊ፧ ወይሲ፡ ንምንታይ ምስኣ ትዛረብ ኣሎኻ፧ ዝበሎ የልቦን።
28
እታ ሰበይቲ ኸኣ ዕትሮኣ ሓዲጋ ናብ ከተማ ኣተወት፡ ነቶም ሰብውን፡
29
ዝገበርክዎ ዘበለ ዝነገረኒ ሰብኣይ ንዑ ርኣዩ። እንድዒ፡ ክርስቶስ ኰን ይኸውን፧ በለቶም።
30
ካብ ከተማ ወጺኦም ናብኡ መጹ።
31
ኣብ መንጎ እዚ እቶም ደቀ መዛሙርቱ፡ መምህር፡ ብላዕ፡ ኢሎም ለመንዎ።
32
ንሱ ኸኣ፡ ኣነስ ንስኻትኩም ዘይትፈልጥዎ ዝበልዖ ብልዒ ኣሎኒ፡ በሎም።
33
እቶም ደቀ መዛሙርቲ ንሓድሕዶም፡ ሰብ ደዀን ገለ ዚብላዕ ኣምጺኡሉ ዀይኑ፧ ተባሃህሉ።
34
የሱስ በሎም፡ ብልዔይሲ ፍቓድ እቲ ዝለኣኸኒ ኽገብር ዕዮኡውን ክፍጽም እዩ።
35
ንስኻትኩምዶ፡ ቀውዒ ኽሳዕ ዚመጽእ ኣርባዕተ ወርሒ ኣሎ፡ ትብሉ ኣይኰንኩምን፧ ኣዒንትኹም ቋሕ ኣብሉ እሞ ምድሪ ድሮ ንዓጺድ ከም ዝጸዕደወት ርኣዩ፡ እብለኩም ኣሎኹ።
36
ሓደ ኸም ዚዘርእ፡ ሓደ ኻልእ ከኣ ከም ዚዐጽድ፡ በዚ እዚ ዘረባ እዚ ሓቂ እዩ እሞ፡ እቲ ዚዐጽድ ውዕለቱ ይቕበል፡ እቲ ዘራእን እቲ ዓጻድን ብሓንሳእ ምእንቲ ኺሕጐሱ ኸኣ፡ ንዘለኣለም ህይወት ፍረ ይእክብ።
37
ሓደ ኸም ዚዘርእ፡ ሓደ ኻልእ ከኣ ከም ዚዐጽድ፡ በዚ እዚ ዘረባ እዚ ሓቂ እዩ እሞ፡ እቲ ዚዐጽድ ውዕለቱ ይቕበል፡ እቲ ዘራእን እቲ ዓጻድን ብሓንሳእ ምእንቲ ኺሕጐሱ ኸኣ፡ ንዘለኣለም ህይወት ፍረ ይእክብ።
38
ኣነ ንኣኻትኩም ኣብ ዘይጸዐርኩምሉ ኽትዐጽዱ ለኣኽኩኹም። ካልኦት ጸዐሩሉ፡ ንስኻትኩም ኣብቲ ጻዕሮም ኣቶኹም።
39
ስለቲ እታ ሰበይቲ፡ ዝገብርክዎ ዘበለ ኣጊሩኒ፡ ኢላ ዝመስከረቶ ቓል፡ ካብታ ኸተማ እቲኣ ብዙሓት ሳምራውያን ብእኡ ኣመኑ።
40
እቶም ሳምራውያንውን ናብኡ መጺኦም፡ ምሳታቶም ኪቕመጥ ለምንዎ። ኣብኡ ኸኣ ክልተ መዓልቲ ወዐለ።
41
ኣዝዮም ዚበዝሑ ድማ ስለ ቓሉ ኣመንዎ።
42
ነታ ሰበይቲውን፡ ደጊምሲ ባዕላትና ደኣ ንሱ ብሓቂ ክርስቶስ መድሓን ዓለም ምኻኑ ሰሚዕናን ፈሊጥናን እምበር፡ ኣይብዘረባኽን ኢና እንኣምን ዘሎና፡ ይብልዋ ነበሩ።
43
ነብዪ ኣብ ዓዱ ኸም ዘይከብር፡ የሱስ ባዕሉ መስኪሩ ነበረ እሞ፡ ድሕሪ እተን ክልተ መዓልቲ ኻብኡ ወጺኡ ናብ ገሊላ ኸድ።
44
ነብዪ ኣብ ዓዱ ኸም ዘይከብር፡ የሱስ ባዕሉ መስኪሩ ነበረ እሞ፡ ድሕሪ እተን ክልተ መዓልቲ ኻብኡ ወጺኡ ናብ ገሊላ ኸድ።
45
ናብ ገሊላ ምስ መጸ፡ እቶም ሰብ ገሊላ፡ ባዕላቶም ከኣናብ በዓል መጺኦም ነበሩ እሞ፡ በቲ በዓል ኣብ የሩሳሌም ዝገበሮ ስለ ዝረኣዩ፡ ተቐበልዎ።
46
የሱስ ድማ ናብታ ንማይ ናብ ወይኒ ዝለወጠላ፡ ናብ ቃና ናይ ገሊላ፡ መጸ። ኣብ ቅፍርናሆም ከኣ ወዱ ዝሐመሞ ሓደ ኣገልጋል ንጉስ ነበረ።
47
ንሱ፡ የሱስ ካብ ይሁዳ ናብ ገሊላ ኸም ዝመጸ ምስ ሰምዔ፡ ናብኡ ኸደ፡ ወዱ ንሞት ቀሪቡ ነበረ እሞ፡ ወሪዱ ኼሕውየሉ ንየሱስ ለመኖ።
48
ሽዑ የሱስ፡ ትእምርትን ተኣምራትን እንተ ዘይርኤኹም፡ ኣይትኣምኑን ኢኸም፡ በሎ።
49
እቲ ኣገልጋል ንጉስ ከኣ፡ ጐይታይ፡ ወደይ ከይሞተ ውረድ፡ በሎ።
50
የሱስ ድማ፡ ኪድ፡ ወድኻ ሐውዩልካ፡ በሎ። እቲ ሰብኣይ ከኣ በታ የሱስ እተዛረባ ቓል ኣሚኑ ኸደ።
51
ኪወርድ ከሎ፡ ባሮቱ ተቐበልዎ እሞ፡ ወድኻ ሐውዩ፡ ኢሎም ኣበሰርዎ።
52
ንሱ ኸኣ እታ ዝሐወየላ ሰዓት ሐተቶም። ንሳቶም ድማ፡ ትማሊ ብሳብዐይቲ ሰዓት ዓሶኡ ሐዲጋቶ፡ በልዎ።
53
ሾዑ ኣቦኡ በታ የሱስ፡ ወድኻ ሐውዩ፡ ዝበሎ ሰዓት ምዃና ፈለጠ። ንሱ ኸኣ ምስ ኲሉ ስድራ ቤቱ ኣመነ።
54
የሱስ ካብ ይሁዳ ናብ ገሊላ ምስ መጸ ዝገበሮ ተኣምራት፡ እዚ ኻልኣይ እዩ።
← Chapter 3
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 5 →
All chapters:
1
2
3
4
5
6
7
8
9
10
11
12
13
14
15
16
17
18
19
20
21