bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Judges 4
Judges 4
Amharic Tigrinya 2011
← Chapter 3
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 5 →
1
ደቂ እስራኤል፡ ኤሁድ ምስ ሞተ፡ መሊሶም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበሩ።
2
እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ኢድ እቲ ኣብ ሓጾር ነጊሱ ዝነበረ ያቢን ንጉስ ከነኣን ሸጦም። ሓለቓ ሰራዊቱ ሲሰራ ነበረ፡ ንሱ ኸኣአ ኣብ ሓሮሼት ጎይም ይቕመጥ ነበረ፡
3
ንሱ ድማ ትሽዓተ ሚእቲ ሰረገላ ሓጺን ነበሮ እሞ፡ ንደቂ እስራኤል ብሓይሊ ዕስራ ዓመት ኣጥቅዖም። ሽዑ ደቂ እስራኤል ናብ እግዚኣብሄር ተማህለሉ።
4
ዴቦራ ድማ፡ ነብዩት ሰበይቲ ላጲዶት፡ ንሳ በታ ጊዜ እቲኣ ንእስራኤል ትፈርድ ነበረት።
5
ንሳ ኸአ ኣብ ከረን ኤፍሬም ኣብ መንጎ ራማን ኣብ መንጎ ቤትኣኤልን፡ ኣብ ትሕቲ ተምሪ ዴቦራ ትቕመጥ ነበረት። ደቂ እስራኤል ድማ ንፍርዲ ናብኣ ደየቡ።
6
ንባራቅ ወዲ ኣበኖዓም፡ ካብ ቃዴስ ንፍታሌም ልኢኻ ጸዊዓ ድማ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፡ ኣነ ንሲሰራ ሓለቓ ሰራዊት ያቢን ምስናይ ሰረገላታቱን ሰራዊቱን ናባኻ ኣብ ርባ ቂሶን ስሔበ ኣብ ኢድካ ኽህበካ እየ እሞ፡ ኪድ ካብ ደቂ ንፍታሌም ካብ ደቂ ዛብሎንን ምሳኻ ዓሰርተ ሽሕ ሰብኣይ ሒዝካ ናብ ከረን ታቦር ተጎዐዝ፡ ኢለዶ ኣይአዘዘካን እዩ በለቶ።
7
ንባራቅ ወዲ ኣበኖዓም፡ ካብ ቃዴስ ንፍታሌም ልኢኻ ጸዊዓ ድማ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፡ ኣነ ንሲሰራ ሓለቓ ሰራዊት ያቢን ምስናይ ሰረገላታቱን ሰራዊቱን ናባኻ ኣብ ርባ ቂሶን ስሔበ ኣብ ኢድካ ኽህበካ እየ እሞ፡ ኪድ ካብ ደቂ ንፍታሌም ካብ ደቂ ዛብሎንን ምሳኻ ዓሰርተ ሽሕ ሰብኣይ ሒዝካ ናብ ከረን ታቦር ተጎዐዝ፡ ኢለዶ ኣይአዘዘካን እዩ በለቶ።
8
ባራቅ ድማ፡ ምሳይ እንተ ዘይከድኪ ግና ኣይከድን፡ በላ።
9
ንሳ ኸአ፡ ኤረ ምኻድስ ምሳኻ እኸይድ፡ ግናኸ እግዚኣብሄር ንሲሰራ ኣብ ኢድ ሰበይቲ ኺሸጦ እዩ እሞ፡ እዛ ንስኻ እትኸዳ ዘሎኻ መገዲ ንኽብርኻ ኣይትኸውንን እያ፡ በለቶ። ዴቦራ ድማ ተንሲኣ፡ ምስ ባራቅ ናብ ቃዴስ ከደት።
10
ሽዑ ባራቅ ንዛብሎንን ንንፍታሌምን ናብ ቃዴስ ጸውዖም፡ ዓሰርተ ሽሕ ሰብኣይ ከአ ደድሕሪ ደየቡ፡ ዴቦራውን ምስኡ ደየበት።
11
ሔበር ቄናዊ ግና ካብቶም ቄናውያን፡ ደቂ ዩባብ ሓሙ ሙሴ፡ ተፈልቱ ነበረ፡ ድንኳኑ ድማ ኽሳዕ እቲ ኣብ ጥቓ ቃዴስ፡ ኣብ ጻዓናይም ዘሎ ድዋ ተኺሉ ነበረ።
12
ንሲሶራ ድማ፡ ባራቅ ወዲ ኣቢኖም ናብ ከረን ታቦር ከም ዝደየበ፡ ነገርዎ።
13
ሽዑ ሲሶራ ንኹሉ ሰረገላታቱ፡ ትሽዓተ ሚእቲ ሰረገላ ሓጺንን ምስኡ ዝነበረ ኹሉ ህዝብን ካብ ሓሮሼትጎይም ናብ ርባ ቂሶን ኣኽተተ።
14
ዴቦራ ድማ ንባራቅ፡ እታ እግዚኣብሄር ንሲሶራ ኣብ ኢድካ ዚሀበላ መዓልቲ ሎሚ እያ እሞ፡ ተንስእ። እግዚኣብሄርዶ ቐቅድሜኻ ወጺኡ ኣየሎን፡ በለቶ። ሽዑ ባራቅ፡ ደድሕሪኡ ኸአ ዓሰርተ ሽሕ ሰብ፡ ካብ ከረን ታቦር ወረደ።
15
እግዚኣብሄር ድና ንሲሰራን ንኹሉ ሰረገላታቱን ንኹሉ ሰራዊቱን ኣብ ቅድሚ ባራቅ ብስሕለት ሴፍ ኣሸበሮም። ሲሰራ ኸአ ካብ ሰረገላኡ ወሪዱ ብእግሩ ሀደመ።
16
ባራቅ ድማ ደድሕሪ እቲ ሰረገላታትን ደድሕሪ ሰራዊትን ስዒቡ ኽሳዕ ሓሮሼትጎይም ሰጎጎም። ብዘሎ ሰራዊት ሲሰራ ኸአ ብስሕለት ሴፍ ወደቐ፡ ሓደ እኳ ኣይተረፈን።
17
ያቢን ንጉስ ቤት ሔበር ቄናዊን ኣብ መንጎኦም ሰላም ነበረ እሞ፡ ሲሰራ ብእግሩ ናብ ድንኳን ያዔል፡ ሰበይቲ ሔበር ቄናዊ ሀደመ።
18
ያዔል ድማ ንሲሰራ ኽትቅበሎ ወጺኣ፡ ጐይታይ እቶ፡ ናባይ እቶ፡ ኣይትፍራህ በለቶ። ናብኣ ድማ ናብ ድንኳን አተወ፡ ንሳ ኸአ ወንጮ ኸደነቶ።
19
ንሱ ድማ፡ ጽሚኤ እየ እሞ በጃኺ ሒደት ማይ ኣስትይኒ በላ። ንሳ ኸአ ሓርቢ ጸባ ፈቲሓ ኣስተየቶ ኸደነቶውም።
20
ንሱ ድማ፡ ኣብ ደገ ድንኳን ደው በሊ። ኪኸውን ድማ እዩ፡ ሰብ መጺኡ፡ ኣብዚዶ ሰብ ኣሎ፡ ኢሉ እንተ ሓተተኪ፡ የልቦን በሊ በላ።
21
ንሱ ድቃስ ውሒጥዎ ህልያቱ ጠፍኡ፡ ሽዑ ያዔል ሰበይቲ ሔበር ሽኻል ድንኳን ወሲዳ ሞደሻውን ኣብ ኢዳ ሒዛ፡ ቀስ ኢላ ናብኡ ኣተወት፡ ነቲ ሸኻል ኣብ መትልሑ ተኸለቶ ናብ ምድሪ ድማ ኣተወ። ንሱ ኸአ ሞተ።
22
እንሆ ድማ ባራቅ ንሲሰራ ኺሰጎ እትደልዮ ዘሎኻ ሰብኣይ ከርእየካስ ንዓ በለቶ። ናብኣ ድማ ኣተወ፡ እንሆ ኸአ፡ ሲሰራ ሞይቱ ወዲቑ ነበረ፡ እቲ ሽኻልውን ኣብ መትልሑ ነበረ።
23
በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ፡ ኣምላኽ ንያቢን፡ ንጉስ ከነአን፡ ኣብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ኣዋረዶ።
24
ንያቢን ንጉስ ከነአን ክሳዕ ዜጥፍእዎ ኸአ፡ ኢድ ደቂ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ያቢን ንጉስ ከነኣን እናረዘነት ከደት።
← Chapter 3
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 5 →
All chapters:
1
2
3
4
5
6
7
8
9
10
11
12
13
14
15
16
17
18
19
20
21