bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Malachi 4
Malachi 4
Amharic Tigrinya 2011
← Chapter 3
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
1
እንሆ እታ ኸም እቶን እትነድድ መዓልቲ ትመጽእ ኣላ እሞ፡ ኩሎም ዕቡያትን ረሲእ ነቲ ዚገብሩ ዘበሉ ኹላቶምን ብርዒ ኪኾኑ እዮም፡ እታ እትመጽእ መዓልቲ ኸአ ንእኦም ሱር ወይስ ጨንፈር ከይሐደገት፡ ሞኽ ከተብሎም እያ። ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራኢውት።
2
ናኻትኩም ስመይ እትፈርሁ ግና፡ ጸሓይ ጽድቂ ኽትበርቀልኩም እያ፡ ምድሓን ከአ ኣብ ኣኽናፉ እዩ። ንስኻትኩም ድማ ክትወጹ ከም ብተይ ደምበ ኽትዕንድሩ ኢኹም።
3
በታ ኣነ ዝገብረላ መዓልቲ ኣብ ትሕቲ ኸብዲ እግርኹም ሐሙኽሽቲ ኪኾኑ እዮም እሞ፡ ንረሲእነት ክትረግጽዎም ኢኹም፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።
4
ነቲ ኣብ ሆሬብ ንኹሎም እስራኤል ኪኸውን ኢለ ንሙሴ ባርያይ ዝአዘዝክዎ ሕጊ ንስርዓትን ፍርድን፡ ዘክርዎ።
5
እንሆ እታ ዓባይን እተፍርህን መዓልቲ እግዚኣብሄር ከይመጸት ነብዩ ኤልያስ ክልእኸልኩም እየ።
6
ኣነ መጺኤ ንምድሪ ብዜጽንት መርገም ከይወቕዓስ፡ ንሱ ልቢ ኣቦታት ናብ ደቂ፡ ልቢ ደቂ ድማ ናብ ኣቦታቶም ኪመልስ እዩ።
← Chapter 3
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
All chapters:
1
2
3
4