bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Matthew 1
Matthew 1
Amharic Tigrinya 2011
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 23
Chapter 24
Chapter 25
Chapter 26
Chapter 27
Chapter 28
Chapter 2 →
1
መጽሓፍ ወለዶ የሱስ ክርስቶስ ወዲ ዳዊት፡ ወዲ ኣብርሃም።
2
ኣብርሃም ንይስሃቅ ወለደ፡ ይስሃቅ ንያእቆብ ወለደ፡ ያእቆብ ንይሁዳን ነሕዋቱን ወለደ፡
3
ይሁዳ ኸኣ ካብ ትእማር ንፋሬስን ንዛራን ወለደ፡ ፋሬስ ንኤስሮም ወለደ፡ ኤስሮም ንኣራም ወለደ፡
4
ኣራም ንኣሚናዳብ ወለደ፡ ኣሚናዳብ ንነኣሶን ወለደ፡ ነኣሶን ንሰልሞን ወለደ፡
5
ሰልሞን ካብ ራኬብ ንቦኣዝ ወለደ፡ ቦኣዝ ካብ ሩት ንእዮቤድ ወለደ፡ እዮቤድ ንእሴይ ወለደ።
6
እሴይ ንንጉስ ዳዊት ወለደ፡ ንጉስ ዳዊት ካብ ሰበይቲ ኡርያ ንሰሎሞን ወለደ፡
7
ሰሎሞን ንሮብኣም ወለደ፡ ሮብኣም ንኣብያ ወለደ፡ ኣብያ ንኣሳ ወለደ፡
8
ኣሳ ንእዮሳፋጥ ወለደ፡ እዮሳፋጥ ንእዮራም ወለደ፡ እዮራም ንኦዝያ ወለደ፡
9
ኦዝያ ንእዮኣታም ወለደ፡ እዮኣታም ንኣካዝ ወለደ፡ ኣካዝ ንህዝቅያስ ወለደ፡
10
ህዝቅያስ ንምናሴ ወለደ፡ ምናሴ ንኣሞን ወለደ፡ ኣሞን ንእዮስያስ ወለደ፡
11
እዮስያስ ከኣ ብዘመን ምርኮ ባቢሎን ንኢኮንያን ነሕዋቱን ወለደ።
12
ድሕሪ ምርኮ ባቢሎን ድማ ኢኮንያ ንሰላትኤል ወለደ፡ ሰላትኤል ንዘሩባቤል ወለደ፡
13
ዘሩባቤል ንኣብዪድ ወለደ፡ ኣብዪድ ንኤልያቄም ወለደ፡ ኤልያቄም ንኣዛር ወለደ፡
14
ኣዛር ንሳዶቅ ወለደ፡ ሳዶቅ ንኣኪም ወለደ፡ ኣኪም ንኤልዪድ ወለደ፡
15
ኤልዩድ ንኣልኣዛር ወለደ፡ ኣልኣዛር ንማታን ወለደ፡ ማታን ንያእቆብ ወለደ፡
16
ያእቆብ ንዮሴፍ ሕጹይ ማርያም ወለደ፡ ካብኣ ድማ እቲ ክርስቶስ ዚበሀል ዘሎ የሱስ ተወልደ።
17
እምብኣርሲ ዂሉ ወለዶ ኻብ ኣብርሃም ክሳዕ ዳዊት ዓሰርተው ኣርባዕተ ወለዶ፡ ካብ ዳዊት ክሳዕ ምርኮ ባቢሎን ዓሰርተው ኣርባዕተ ወለዶ፡ ካብ ምርኮ ባቢሎን ክሳዕ ክርስቶስ ድማ ዓሰርተው ኣርባዕተ ወለዶ እዩ።
18
ልደት የሱስ ክርስቶስ ከምዚ እዩ፡ ኣዲኡ ማርያም ንዮሴፍ ተሐጽያ ኸላ፡ ከይተራኸቡ፡ ብመንፈስ ቅዱስ ጠኒሳ ተረኽበት።
19
ዮሴፍ ሕጹያ፡ ጻድቕ ሰብኣይ ነበረ እሞ፡ ብሕቡእ ኪሐድጋ ሐሰበ እምበር፡ ኪገልጻ ኣይፈተወን።
20
ንሱ እዚ ኺሐስብ ከሎ፡ እንሆ፡ መልኣኽ እግዚኣብሄር ብሕልሚ ተራእዮ፡ ከምዚ ኢሉ፡ ዮሴፍ ወዲ ዳዊት፡ እቲ ሕጽይትኻ ማርያም ጠኒሳቶ ዘላ ኻብ መንፈስ ቅዱስ እዩ እሞ፡ ንምውሳዳ ኣይትፍራህ።
21
ወዲ ኽትወልድ እያ፡ ንሱ ኸኣ ንህዝቡ ኻብ ሓጢኣቶም ኬድሕኖም እዩ እሞ፡ ስሙ የሱስ ክትሰምዮ ኢኻ።
22
እዚ ዂሉ እቲ እግዚኣብሄር ብነብዪ እተዛረቦ ኺፍጸም ኰነ፡ ከምዚ ዚብል፡
23
እንሆ፡ ድንግል ክትጠንስ ወዲውን ክትወልድ እያ፡ ስሙ ኸኣ ኣማኑኤል ኪብልዎ እዮም፡ ትርጉሙ፡ ኣምላኽ ምሳና እዩ።
24
ዮሴፍ ካብ ድቃሱ ንሲኡ፡ መልኣኽ እግዚኣብሄር ከም ዝኣዘዞ ገበረ፡ ንማርያም ሕጽይቱ ወሰዳ።
25
በዂሪ ወዳ ኽሳዕ እትወልድ ከኣ ኣይፈለጣን። ስሙ ድማ የሱስ ሰመዮ።
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 23
Chapter 24
Chapter 25
Chapter 26
Chapter 27
Chapter 28
Chapter 2 →
All chapters:
1
2
3
4
5
6
7
8
9
10
11
12
13
14
15
16
17
18
19
20
21
22
23
24
25
26
27
28