bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Nahum 3
Nahum 3
Amharic Tigrinya 2011
← Chapter 2
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
1
እታ ሓሶትን ዓመጽን ዝመልኤት፡ ምዝራፍ ከአ ዘይትሐድግ ከተማ ደም ወይለኣ።
2
ደሃይ ሓለንግን ደሃይ እቲ ድዋዕዋዕ ዚብል መንኮራኹርን ጋለብት ኣፍራስን ዚጎያ ዓረብያታትን ይስማዕ።
3
ጋልበት ፈረሰኛታትን ሃልሃልታ ሰይፍን መብረቕ ኩናትን ምብዛሕ ቅቱላትን ኩምራ ምውታትን ቁጽሪ ዜብሎም ሬሳታትን ኮነ፡ ብሬሳታቶም ድማ ይዕንቀፉ።
4
እዚ ኸአ ብሰሪ እቲ ብዝሒ ምንዝርና ናይታ ንህዝብታት ብምንዝርና፡ ንዓሌታት ከአ ብጠንቆላ እትሸይጥ መልክዔኛ ኣመንዝራ፡ ፈላጥ ጠንቋሊት እዩ።
5
እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል አሎ፡ እኔኹ ኣንጻርኪ እየ፡ አነ ንዘፈር ክዳንኪ ኣብ ልዕሊ ገጽኪ ክቐልዖ፡ ንህዝብታት ዕርቃንኪ፡ ንመንግስትታት ከአ ነውርኺ ኽርእዮም እየ።
6
ርኽሰት ኣባኺ ኽድርቢ፡ ንዕቕቲ ኽገብረኪ መላገጺ ኽትኮኒውን ክውፍየኪ እየ።
7
ኪኸውን ድማ እዩ፡ ዚርእዩኺ ዘበሉ ኹላቶም ካባኺ ኺሀድሙ እሞ፡ ነነዌ ባይመት፡ መንከ ይበኽየላ፡ ዜጸናንዑኺ ኻባይ ክደልየኪ እየ፡ ኪብሉ እዮም።
8
ንስኺዶ ኻብታ ኣብ መንጎ ርባታት እተቐመጠት፡ ማያት ዝኸበባ፡ ቀጽራ ባሕሪ መካበብያኣ ኸአ ባሕሪ ዝኾነ ኖኣምን ትበልጺ ኢኺ፡
9
ኢትዮጵያን ግብጽን መወዳእታ ዜብሉ ሓይላ ነበሩ፡ ፋጥን ሊብያን ሓገዝትኺ ነበሩ።
10
ግናኸ ንሳ ተሰደትን ተማረኸትን፡ ሕጻናታ ድማ ኣብ ርእሲ ኹሉ መገድታት ተጨፍለቑ፡ ኣብቶም ክቡራት ሰባት ኸአ ዕጭ ኣውደቑ፡ ኩላቶም ዓበይቲ ሰባውን ብመቑሕ ተአሰሩ።
11
ንስኺውን ኣብ ቅድሚ ጸላኢ ዕሩድ ቦታ ኽትደልዩ ኢኺ።
12
ኩሉ ዕርድታትኪ ኸም በኹሪ ፍረ ዘለዎ ኣእዋም በለስ እዩ፡ ሰሰው እንተ ኣበልካያ፡ ኣብ ኣፍ እቲ በላዒ ይረግፍ።
13
እንሆ፡ ህዝብኺ ኣብ ማእከልኪ ኣንስቲ ኾኑ። እተን ደጌታት ሃገርኪ ንጸላእትኺ ኽፉታት ኣየን፡ ነቲ መሃርሃሪታትኪ ሓዊ በልዖ።
14
ክትክበቢ ኢኺ እሞ፡ ማይ ቅድሒ፡ ዕርድኺ ኣጽንዒ፡ ኣብ ጭቃ እተዊ፡ መሬት ርገጺ፡ መስርሕ ጡብ ከአ ኣጣጥኢ።
15
ኣብኡ ሓዊ ኺበልዓኪ፡ ሰይፊ ኼጥፍኣኪ፡ ከም ኩብኩብታ ኺበልዓኪ እዩ። ከም ኹብኩብታ ብዝሒ፡ ከም ኣንበጣ ብዝሒ።
16
ነነጋዶኺ ኻብ ኸዋኽብቲ ሰማይ ኣብዛሕክዮም። ኩብኩብታ ፋሕ ይብል፡ ነፊሩውን ይኸይድ።
17
እቶም ዘውዲ ዝደፍኡ ኣባኺ ዘለው ኸም ኣንበጣ፡ እቶም ሓላቑኺ ድማ ከምቲ ብመዓልቲ ቑሪ ኣብ ሓጹር ዚሰፍር ጭፍራ ኹብኩብታ እዮም። ጸሓይ ምስ በረቐት፡ ይሀድሙ፡ አበይ ከም ዝነበሩ ቦታኦም ኣይፍለጥን እዩ።
18
ዎ ንጉስ ኣሶር፡ ጓሶትካ ደቀሱ፡ እቶም ከበርቴታትካ ዐረፉ፡ ህዝብኻ ኣብ ኣኽራን ፋሕ በሉ፡ ዚእክቦም ድማ የልቦን።
19
እከይካ ኹሉ ጊዜ ብልዕሊኡ ዘይሐልፎ መን እዩ፡ ስለዚ ንቑስልኻ ፈውሲ የብሉን፡ መውቃዕትኻ ብርቱዕ እዩ፡ እቶም ወሬኻ ዝሰምዑ ኹላቶም ኣእዳዎም ኣጣቕዑልካ።
← Chapter 2
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
All chapters:
1
2
3