bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Romans 3
Romans 3
Amharic Tigrinya 2011
← Chapter 2
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 4 →
1
እምብኣርሲ ኣይሁዳዊ ደኣ እንታይ እዩ ረብሓኡ፧ ጥቕሚ ግዝረትሲ እንታይ እዩ፧
2
ብዂሉ ወገን ብዙሕ እዩ። ቅድሚ ዂሉ፡ ቃል ኣምላኽ ንኣታቶም ሕድሪ ተውሂብዎም እዩ።
3
ሓያሎ ኻባታቶም ዘይእሙናት እንተ ዀኑ ግዲ እንታይ እዩ፧ እቲ ዘይእሙናት ምዃኖምዶ ነቲ ናይ ኣምላኽ እምንነት ከንቱ ይገብሮ እዩ፧
4
ያእ ኣይፋሉን። ከምቲ፡ ብቓላትካ ኽትጸድቕ፡ ምስ ዚፍረደካውን ከትረትዕ ኢኻ፡ ዚብል ጽሑፍ ደኣ፡ ኣምላኽ ሓቀኛ ምዃኑ፡ ኲሉ ሰብ ግና ሓሳዊ ምዃኑ ይረኾብ።
5
እቲ ዓመጻናስ ጽድቂ ኣምላኽ ዜርኢ ኻብ ኰነኸ፡ እንታይ ንበል፧ ኣምላኽ ቊጥዓኡ ምስ ዜውርድሲ፡ ዓማጺ ድዩ፧ ዓ ከም ኣዛራርባ ሰብ እዛረብ ኣሎኹ።
6
ኣይፋሉን። ከመይ ኢሉ ደኣ ኣምላኽ ንዓለም ምፈረዳ፧
7
እቲ ሓቂ ኣምላኽ በቲ ሓሶተይ ንኽብሩ ኻብ ወሰኸ፡ ስለምንታይ ደኣ ኣነ ኸም ሓጥእ ኰይነ ዝፍረድ፧
8
ከመይ ደኣ ኸምቲ ዚጸርፉናን ገሊኦምውን፡ ጽቡቕ ምእንቲ ኺመጽእሲ ኽፉእ ንግበር፡ ከም እንብል ዚብሉናን፡ ዘይንገብር፧ ደይኒ ነዚኣቶም ቅኑዕ እዩ።
9
እንታይ ደኣ እዩ፧ ካባታቶም እንሔሸሉዶ ኣሎና፧ ሓንቲ እኳ፡ ኣይሁድ ኰነ ወይስ ጽርኣውያን፡ ኲላቶም ትሕቲ ሓጢኣት ምዃኖም ቅድም ከሲስና ኣሎና።
10
ከምኡውን ተጽሒፉ ኣሎ፡ ሓደ እኳ ጻድቕ የልቦን፡
11
ሓደ እኳ ዜስተብህል የልቦን፡ ሓደ እኳ ንኣምላኽ ዚደልዮ የልቦን።
12
ኲላቶም ዘምበሉ፡ ኲላቶም ሐቢሮም ዘይጠቕሙ ዀኑ፡ ጽቡቕ ዚገብር የልቦን፡ ሓደ እኳ የልቦን።
13
ጐረሮኦም ክፉት መቓብር እዩ፡ ብልሳውንቶም ይጥብሩ፡ ኣብ ትሕቲ ኸናፍሮም ሕንዚ መንደልቶ ኣሎ።
14
ኣፎም መርገምን ምርን ምሉእ እዩ።
15
ኣእጋሮም ንምፍሳስ ደም ቅልጡፍ እዩ።
16
ኣብ መገዶም ጥፍኣትን ጸበባን ኣሎ፡
17
ንመገዲ ሰላም ከኣ ኣይፈልጥዋን እዮም።
18
ኣብ ቅድሚ ኣዒንቶምውን ፍርሃት ኣምላኽ የልቦን።
19
ግናኸ ዂሉ ኣፍ ምእንቲ ኺዕጾ፡ ኲላ ዓለምውን ትሕቲ ፍርዲ ኣምላኽ ክትከውንሲ፡ እቲ ሕጊ ዚብሎ ዘበለ ነቶም ኣብ ትሕቲ ሕጊ ዘለዉ ኸም ዚዛረቦም፡ ንፈልጥ ኢና።
20
ሕግስ ሓጢኣት እዩ ዜፍልጥ እሞ፡ ስለዚ ስጋ ዝለበሰ ዂሉ ኣብ ቅድሚ ብግብሪ ሕጊ ዚጸድቕ የልቦን።
21
ሕጂ ግና እቲ ብሕግን ነብያትን እተመስከረሉ ጽድቂ ኣምላኽ ብዘይሕጊ ተገልጸ።
22
ማለት፡ ጽድቂ ኣምላኽ ብምእማን ብየሱስ ክርስቶስ ንዚኣምኑ ዂላቶም እዩ፡ በዚ ሌላን ጒሌላን የልቦን እሞ፡
23
ኲሎም ሓጢኦም ክብሪ ኣምላኽውን ስኢኖም።
24
በቲ ብየሱስ ክርስቶስ ዚርከብ በጃ ምሕላፍ ብኸምኡ ብጸጋኡ ይጸድቁ።
25
ንእኡ ኸኣ፡ ነቲ ቐደም ብትዕግስቲ ኣምላኽ እተገብረ ሓጢኣት ይሕለፍ ስለ ዝሐደጎ፡ ኣምላኽ ጽድቁ ምእንቲ ኼርኢ፡ ብእምነት ብደሙ መተዓረቒ ገይሩ ኣቘሞ።
26
ንሱ ጻድቕ ኪኸውን፡ ካብ እምነት የሱስ ንዝበለውን ኬጽድቕ፡ ሕጂ ኣብዚ ዘመን እዚ ጽድቁ ኺገልጽ እዩ።
27
ምሕባን ደኣ ኣበይ ኣሎ፧ ተሪፉ። በየናይ ሕጊ፡ ብሕጊ ግብሪዶ፡ ኣይኰነን ብሕጊ እምነት ደኣ እዩ።
28
ስለዚ ኸኣ ሰብ ብዘይግብሪ ሕጊ ብእንበት ከም ዝጽጸድቕ፡ ንብል ኣሎና።
29
ወይስ ኣምላኽ ናይ ኣይሁድ ኣምላኽ ጥራይ ድዩ፧ ኣምላኽ ኣህዛብሲ ኣይኰነንዶ፧ እቲ ንግዙር ካብ እምነት፡ ንዘይግዙርን ብእምነት ዜጽድቕ ኣምላኽ ሓደ ስለዝኾነ፡ እወ ናይ ኣህዛብውን እባ እዩ።
30
ወይስ ኣምላኽ ናይ ኣይሁድ ኣምላኽ ጥራይ ድዩ፧ ኣምላኽ ኣህዛብሲ ኣይኰነንዶ፧ እቲ ንግዙር ካብ እምነት፡ ንዘይግዙርን ብእምነት ዜጽድቕ ኣምላኽ ሓደ ስለዝኾነ፡ እወ ናይ ኣህዛብውን እባ እዩ።
31
እምበኣርሲ ንሕጊዶ ብእምነት ነፍርሶ ኣሎና፡ ያእ ኣይፋልናን፡ ንሕግስ እባ ነደልድሎ ደኣ ኣሎና።
← Chapter 2
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 4 →
All chapters:
1
2
3
4
5
6
7
8
9
10
11
12
13
14
15
16