bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
/
1 Samuel 21
1 Samuel 21
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
← Chapter 20
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 23
Chapter 24
Chapter 25
Chapter 26
Chapter 27
Chapter 28
Chapter 29
Chapter 30
Chapter 31
Chapter 22 →
1
ዳዊት ናብ ካህን ኣቢሜሌክ ናብ ኖብ መፀ። ኣቢሜሌክ ከዓ ብፍርሒ እናንቀጥቀጠ ንዳዊት ክራኸቦ ወፀ፤ “ስለ ምንታይ ኢኻ ሰብ ዘይብልካ፥ በይንኻ መፂእኻ?” ኢሉውን ጠየቖ።
2
ዳዊት ድማ ንኻህን ኣቢሜሌክ፥ “ንጉስ፥ ‘እቲ ኣነ ዝለኣኽኩኻ ነገርን እቲ ዝኣዘዝኩኻን ሓደ ሰብ እኳ ኣይፍለጦ’ ኢሉ ስለ ዝኣዘዘኒ፥ እቶም ኣጓብዝ ኣብ ሓደ ቦታ ኽቕበሉኒ ኣመልኪተዮም ኣለኹ።
3
ሕዚ ኸዓ ኣብ ኢድካ እንታይ ኣሎ? ሓሙሽተ እንጀራ ወይ ዝተረኽበ ኣብ ኢደይ ሃበኒ” በሎ።
4
እቲ ኻህን ድማ ንዳዊት “ኵሉ ዝበልዖ እንጀራ ኣብ ኢደይ የለን፤ እቶም ኣጓብዝ ካብ ኣንስቲ ዝተሓለዉ እንተ ኾይኖም ግና ቅዱስ እንጀራ ኣሎ” ኢሉ መለሰሉ።
5
ዳዊት ከዓ ነቲ ኻህን “ብሓቂ ኻብ እንወፅእ ጀሚሩ ንሕና ንሰብነትና ኻብ ኣንስቲ ንሰለስተ መዓልቲ ሓሊና ኢና፤ ኣቕሓ እቶም ኣጓብዝውን፥ ዝተቐደሰት እያ። ሎሚ ኣቕሓኦም ዝተቐደሰት ብምዃና፥ እቲ እንጀራ ኸም ዝብላዕ እንጀራ ይኸውን እዩ” በሎ።
6
እቲ ኻህን ከዓ ብዘይ እቲ ብትኩስ እንጀራ ኽትካእ ኢሎም ካብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዘልዓልዎ ሕብስቲ ቝርባን፥ ኣብኡ ኻልእ እንጀራ ስለ ዘይነበረ፥ ነቲ ቕዱስ እንጀራ ሃቦ።
7
በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ኻብ ኣገልገልቲ ሳኦል፥ ዶይቅ ዝስሙ ኤዶማዊ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፥ ኣብኡ ነበረ። ንሱ ናይ ሳኦል ሓለቓ ጓሶት ነበረ።
8
ዳዊት ድማ ንኣቢሜሌክ “እቲ ናይ ንጉስ ነገር ዘሀውኽ ስለ ዝኾነ ሰይፈይን ኣፅዋረይን ኣይተማላእኹን እሞ፥ ዂናት ወይ ሰይፊ ኣባኻዶ ኣሎ?” በሎ።
9
እቲ ኻህን ድማ “ሰይፊ እቲ ንስኻ ኣብ ለሰ ኤላህ ዝቐተልካዮ ፍልስጥኤማዊ ጐልያድ፥ እንሆ፥ ንሱ በዓለባ ተሸፊኑ ኣብ ድሕሪ ኤፉድ ኣሎ፤ ኣብዙይ ከምኡ ዝበለ ኻልእ የለን እሞ፥ ክትወስዶ እንተ ደሊኻስ፥ ውሰዶ” በሎ። ዳዊት ከዓ “ከምኡ ዝበለ የለን እሞ ንእኡ ሃበኒ” በሎ።
10
ተሲኡ ድማ በታ መዓልቲ እቲኣ ኻብ ቅድሚ ሳኦል ሃደመ፤ ናብ ኣንኩስ ንጉስ ጌት ድማ ኸደ።
11
ንኣንኩስ ከዓ እቶም ሓሻኽሩ፥ “እዙይ ዳዊት ንጉስ እታ ሃገርዶ ኣይኮነን? እቲ ‘ሳኦል ሺሕ፥ ዳዊት ድማ እልፊ ቐተለ’ ኢለን ኣንስቲ እናሳዕስዓ ዝደረፋሉ፥ እዙይዶ ኣይኮነን?” በልዎ።
12
ዳዊት ድማ ነዝ ዘረባ እዙይ ኣብ ልቡ ኣንበሮ፤ ንኣንኩስ ንጉስ ጌት ከዓ የመና ፈርሖ።
13
ኣብ ቅድሚኣቶም ከዓ ባህርዩ ለወጠ፤ ኣብ ኢዶም ድማ ኸም ዕቡድ ኮነ፤ ኣብቲ መድረኽ መዓፁ እቲ ኣፍ ደገውን ፈርፈር በለ፤ ልዛዩ ኸዓ ብጭሕሙ ዘርበብ ይብል ነበረ።
14
ሽዑ ኣንኩስ ንሹመኛታቱ “እንሆ፥ እዝ ሰብኣይ እዙይ ዕቡድ ምዃኑ ትሪእዎ ኣለኹም፤ ስለ ምንታይ ናባይ ኣምፃእኹምዎ?
15
ኣብ ቅድመይ ክዓብድ ዘምፃእኹምለይስ፥ ዕቡዳትዶ ስኢነ እየ? እዙይዶ ናብ ገዛይ ክኣቱ ይግባእ?” በሎም።
← Chapter 20
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 23
Chapter 24
Chapter 25
Chapter 26
Chapter 27
Chapter 28
Chapter 29
Chapter 30
Chapter 31
Chapter 22 →
All chapters:
1
2
3
4
5
6
7
8
9
10
11
12
13
14
15
16
17
18
19
20
21
22
23
24
25
26
27
28
29
30
31