bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
/
1 Samuel 4
1 Samuel 4
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
← Chapter 3
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 23
Chapter 24
Chapter 25
Chapter 26
Chapter 27
Chapter 28
Chapter 29
Chapter 30
Chapter 31
Chapter 5 →
1
ቃል ሳሙኤል ከዓ ኣብ ኵሉ እስራኤል ተሰምዐ። ደቂ እስራኤል ድማ ምስ ፍልስጥኤማውያን ክዋግኡ ወፁ፤ ኣብ ጥቓ ኣቤንዔዘርውን ሰፈሩ። ፍልስጥኤማውያን ከዓ ኣብ ኣፌቅ ሰፈሩ።
2
ፍልስጥኤማውያን ድማ ምስ እስራኤል ክዋግኡ ተሰለፉ። እቲ ውግእ ምስ በርትዐ ድማ፥ እስራኤል ብፍልስጥኤማውያን ተስዓሩ፤ ኣብቲ ዝተሰለፉሉ በረኻ ኣስታት ኣርባዕተ ሽሕ እስራኤላውያን ሞቱ።
3
እቶም ተዋጋእቲ ናብ ሰፈሮም ምስ ተመለሱ፥ እቶም ዓበይቲ እስራኤል፥ “ስለ ምንታይ ኮን እዩ እግዚኣብሄር ሎሚ ኣብ ቅድሚ ፍልስጥኤማውያን ከም እንሰዓር ዝገበረና? እምበኣር ኣብ ማእኸልና ኾይኑ ኻብ ኢድ ፀላእትና ምእንቲ ኸድሕነና፥ ንታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ካብ ሴሎ ናባና ነምፅኣዮ” በሉ።
4
እቶም ህዝቢ ናብ ሴሎ ልኢኾም፥ ነቲ ኣብ ልዕሊ ኪሩቤል ዝነብር ናይቲ ዅሉ ዝኽእል እግዚኣብሄር ታቦት ኪዳን ኣምፅእዎ። ክልቲኦም ደቂ ኤሊ፥ ኦፍኒን ፊንሓስን ድማ ምስቲ ታቦት ኪዳን ኣምላኽ መፁ።
5
እቲ ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ናብ ሰፈር ምስ ኣተወ፥ ኵሎም እስራኤል ምድሪ ኽሳዕ እትናወፅ ብዙሕ ዓለሉ።
6
ፍልስጥኤማውያን ከዓ እቲ ድምፂ ዕልልታ ምስ ሰምዑ “እዝ ኣብ ሰፈር ዕብራውያን ዝስማዕ ዘሎ ድምፂ ብዙሕ ዕልልታስ እንታይ ኮን እዩ?” በሉ። ታቦት እግዚኣብሄር ናብ ሰፈሮም ከም ዝኣተወ ኸዓ ፈለጡ።
7
ፍልስጥኤማውያን የመና ፈርሑ፤ “ኣምላኽ ናብ ሰፈሮም መፂኡ እዩ” እውን በሉ። ንሳቶም ከዓ “ቅድሚ ሕዚ ኸምዙይ ዝበለ ነገር ኮይኑ ኣይፈልጥን እሞ፥ ወይለና!
8
ንግብፃውያን ብዅሉ ዓይነት መዓት ኣብ ምድረ በዳ ዝወቕዕዎም እዞም ኣማልኽቲ እዚኣቶም እዮም እሞ፥ ወይለና! ኻብ ኢድ እዞም ሓያላት ኣማልኽቲ እዚኣቶም መን ከድሕነና እዩ?
9
ኣቱም ፍልስጥኤማውያን፥ ከምቲ ንሳቶም ባሮትኩም ዝነበሩ፥ ንስኻትኩም ከዓ ባሮት ዕብራውያን ከይትኾኑስ፥ ፅንዑ፤ ሰብኡት ኩኑ፤ እወ፥ ሰብኡት ኩኑ፤ ተዋግኡ” በሉ።
10
ሽዑ ፍልስጥኤማውያን ተዋግኡ፤ ደቂ እስራኤል ከዓ ተስዓሩ፤ ነፍሲ ወከፍ ድማ ነናብ ድንኳኑ ሃደመ። እቲ ውግእ ከዓ የመና በርትዐ እሞ፥ ካብ እስራኤል ሰላሳ ሽሕ ኣጋር ወደቑ።
11
ታቦት እግዚኣብሄር ተማረኸ፤ ክልቲኦም ደቂ ኤሊ፥ ኦፍኒን ፊንሓስን እውን ሞቱ።
12
በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ሓደ ብንያማዊ ሰብኣይ ብሓዘን ክዳውንቱ ቐዲዱ፥ ኣብ ርእሱ ሓመድ ነስኒሱ፥ ካብቲ ውግእ ናብ ሴሎ ጐይዩ መፀ።
13
ንሱ ኽመፅእ እንተሎ፥ እንሆ ኤሊ ብዛዕባ ታቦት ኣምላኽ ተጨኒቑ ነበረ እሞ፥ ኣብ ወሰን መንገዲ ኣብ መንበር ተቐሚጡ የማዕዱ ነበረ። እቲ ሰብኣይ ናብ ከተማ ኣትዩ ምስ ኣውረየ፥ ብዘላ እታ ኸተማ ዋይ ዋይ በለት።
14
ኤሊ ድማ ድምፂ እቲ ዋይ ዋይታ ምስ ሰምዐ፥ “እዝ ድምፂ ዋይ ዋይታ እዙይ እንታይ ኮን እዩ?” በለ። እቲ ሰብኣይ ከዓ ቐልጢፉ ናብ ኤሊ መፂኡ ነገሮ።
15
ኤሊ ግና ወዲ ተስዓን ሸሞንተን ዓመት ኮይኑ ነበረ እሞ፥ ኣዒንቱ ፈዚዘን ክርኢ ኣይከኣለን።
16
እቲ ሰብኣይ ንኤሊ “ካብቲ ውግእ ሃዲመ መፂአ እኒሀኹ” በሎ። ንሱ ኸዓ “ወደይ! ኩነታት ከመይ ኮነ?” ኢሉ ጠየቖ።
17
እቲ ወረ ዘምፅአ ሰብኣይ ድማ “ህዝቢ እስራኤል ኣብ ቅድሚ ፍልስጥኤማውያን ሃዲሞም፤ ብዙሕ ሰብውን ተወዲኡ፤ ክልቲኦም ደቅኻ ኦፍኒን ፊንሓስን ከዓ ሞይቶም፤ ታቦት እግዚኣብሄርውን ተማሪኹ” ኢሉ መለሰሉ።
18
እቲ ሰብኣይ ምምራኽ ታቦት እግዚኣብሄር ምስ ነገሮ፥ ኤሊ ኣሪጉ፥ ሰብነቱውን ግዙፍ ስለ ዝነበረ፥ ካብቲ ተቐሚጥዎ ዝነበረ መንበር ኣብ ጥቓ እቲ በሪ ንድሕሪት ወደቐ። ክሳዱ ተሰይሩ ድማ ሞተ። ንሱ ንእስራኤል ኣርብዓ ዓመት ዝመርሖም እዩ።
19
ሰበይቲ ፊንሓስ ወዱ ድማ ሕርሳ ዝቐረበ ጥንስቲ ነበረት እሞ፥ ታቦት እግዚኣብሄር ከም ዝተማረኸ፥ ሓሙኣን ሰብኣያን ከዓ ኸም ዝሞቱ ወረ ምስ ሰምዐት፥ ሕርሲ ተትሓዘት እሞ፥ ብብርቱዕ ፃዕሪ ወለደት።
20
ንሞት ምስ ቀረበት ከዓ፥ እተን ኣብ ዙርያኣ ደው ኢለን ዝነበራ ኣንስቲ “ወዲ ወሊድኪ ኢኺ እሞ፥ ኣይትፍርሒ” በላኣ። ንሳ ግና ሓደኳ ኣይመለሰትን፥ ኣየቕለበትሉንውን።
21
ታቦት እግዚኣብሄር ስለ ዝተማረኸ፥ ሓሙኣን ሰብኣያንውን ስለ ዝሞቱ፥ ክብሪ ኻብ እስራኤል ረሓቐ ብምባል፥ ነቲ ህፃን “ኢካቦድ” ኢላ ሰመየቶ።
22
ንሳ ድማ “ታቦት እግዚኣብሄር ተማሪኹ እዩ እሞ፥ ክብሪ ኻብ እስራኤል ረሓቐ” በለት።
← Chapter 3
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 23
Chapter 24
Chapter 25
Chapter 26
Chapter 27
Chapter 28
Chapter 29
Chapter 30
Chapter 31
Chapter 5 →
All chapters:
1
2
3
4
5
6
7
8
9
10
11
12
13
14
15
16
17
18
19
20
21
22
23
24
25
26
27
28
29
30
31