bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
/
2 Corinthians 2
2 Corinthians 2
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
← Chapter 1
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 3 →
1
ስለዙይ ብሓዘን፥ መሊሰ ናባኻትኩም ከይመፅእ ወሰንኩ።
2
ኣነ እንተሕዚነኩም፥ እቲ ብኣይ ምኽንያት ዝሓዘነ እንተ ዘይኮይኑ ደኣ፥ መን እዩ ዘሐጕሰኒ?
3
እዝ ዝፅሕፈልኩም ዘለኹ፥ ክመፅእ እንተለኹ፥ ካብቶም ሓጐስ ክረኽበሎም ዝግበአኒ፥ ጓሂ ምእንቲ ኸይረክብ ኢለ እየ። ምኽንያቱ ሓጐሰይ፥ ሓጐስ ኵልኻትኩም ከም ዝኾነ፥ ከም እትፈልጡ ስለ ዝኣምን እየ።
4
ብብዙሕ መከራን ጭንቀት ልብን፥ ብብዙሕ ንብዓትን ዝፀሓፍኩልኩም፥ ክሳዕ ኽንደይ ኣፀቢቐ ኸም ዘፍቅረኩም ምእንቲ ኽትፈልጡ እምበር፥ ምእንቲ ኸሕዝነኩም ኢለ ኣይኮንኩን።
5
ሰብ ዘሕዘነ እንተ ሃልዩ፥ ንኣይ ጥራሕ ዘይኮነስ፥ ከየኽብዶ ደኣ እምበር፥ ንዅልኻትኩም እዩ ዘሕዘነ።
6
ነዝ ኸምዙይ ዝበለ ሰብ፥ እቲ ኻብቶም ብዙሓት ዝረኸቦ ተግሳፅ ይኣኽሎ እዩ።
7
እኳ ደኣ፥ ብብዝሒ ሓዘን ከይወሓጥ፥ ይቕረ በሉሉን ኣፀናንዕዎን።
8
ስለዙይ ምስኡ ፍቕርኹም ክተፅንዑ እምዕደኩም ኣለኹ።
9
ነዙይ ዝፅሕፈልኩም ዘለኹ፥ ነቲ ፈተና ስዒርኩም፥ ብዅሉ ነገር እዙዛት ምዃንኩም፥ ምእንቲ ኽፈልጥ ኢለ እየ።
10
ነቲ ይቕረ እትብሉሉ፥ ኣነውን ይቕረ እብለሉ ኣለኹ። እቲ ይቕረ ዝበልኩሉ ሰብ፥ ኣብ ቅድሚ ክርስቶስ ምእንታኻትኩም ኢለ እየ፥ ይቕረ ዝበልክዎ።
11
እዙይ ማለተይ ከዓ፥ ተንኰል ሰይጣን ከመይ ከም ዝኾነ ኣይንስሕቶን ኢና እሞ፥ ከየታልለና ኢለ እየ።
12
ወንጌል ክርስቶስ ክሰብኽ ናብ ጢሮኣዳ ምስ መፃእኹ፥ ንስራሕ ጐይታ ዝተኸፈተለይ ኣፍ ደገ ረኸብኩ።
13
ንቲቶ ሓወይ ስለ ዘይረኸብክዎ ግና፥ ኣብ መንፈሰይ ዕረፍቲ ኣይነበረንን፤ ስለዙይ ካብኣቶም ተሰናቢተ፥ ናብ መቄዶንያ ኸድኩ።
14
ግና ነቲ ብክርስቶስ ገይሩ፥ ኵልሻዕ ናብ ዓወት ዝመርሐና፥ ብኣና ገይሩውን ክርስቶስ ከም ዝፍለጥ ንምግባር፥ ከም ጥዑም መዓዛ ኣብ ኵሉ ቦታ ንዝገልፅ እግዚኣብሄር፥ ምስጋና ይኹኖ።
15
ኣብ ማእኸል እቶም ዝድሕኑን እቶም ዝጠፍኡን፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር መዓዛ ክርስቶስ ኢናሞ።
16
ነዚኣቶም፥ ካብ ሞት ናብ ሞት ዘብፅሕ መዓዛ፥ ነቲኣቶም ከዓ፥ ካብ ህይወት ናብ ህይወት ዘብፅሕ መዓዛ ኢና። ነዝ ነገርዙይ ብቑዕ እየ ዝብልከ መን ኣሎ?
17
ብእግዚኣብሄር ተልኢኽና፥ ብቕንዕና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ብክርስቶስ ኴንና፥ ንዛረብ ኣለና እምበር፥ ከምቶም ብዙሓት፥ ብቓል እግዚኣብሄር ዝነግዱ ኣይኮንናን።
← Chapter 1
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 3 →
All chapters:
1
2
3
4
5
6
7
8
9
10
11
12
13