bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
/
2 Corinthians 3
2 Corinthians 3
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
← Chapter 2
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 4 →
1
ከምዙይ ክንብል እንተለና፥ ገና ንባዕልትና ንንእድ ዲና ዘለና? ወይ ከምቲ ገሊኣቶም ዝገብርዎ፥ ናባኻትኩም ወይ ከዓ ኻባኻትኩም፥ ናይ ናእዳ መልእኽቲ የድልየና ድዩ?
2
እታ ዅሉ ሰብ ምእንቲ ኽፈልጣን ከንብባን፥ ኣብ ልብና ዝተፅሓፈት ናይ ናእዳ መልእኽትና፥ ንስኻትኩም ኢኹም።
3
ንስኻትኩም፥ ካብ ክርስቶስ ዝተልኣኸት፥ ብኣናውን ዝበፅሐት፥ ብቐለም ዘይኮነ፥ ብመንፈስ እቲ ህያው ዝኾነ እግዚኣብሄር ዝተፅሓፈት፥ ኣብ ፅላት እምኒ ዘይኮነ፥ ኣብ ልቢ ወዲ ሰብ ዝተቐርፀት መልእኽቲ ምዃንኩም፥ ግሁድ እዩ።
4
እዙይ እንብል ዘለና ኸዓ፥ በቲ ኣብ እግዚኣብሄር ዘለና፥ ብክርስቶስ ዝረኸብናዮ እምነት እዩ።
5
ዝኾነ ነገር ንምግባር፥ ብቕዓት ዝሃበና እግዚኣብሄር እዩ እምበር፥ ካብ ባዕልና ዝኾነ ብቕዓት የብልናን።
6
ናይታ ብፊደል ዝተፅሓፈት ሕጊ ዘይኮነስ፥ ናይታ ብመንፈስ ቅዱስ ዝኾነት ሓዳስ ኪዳን፥ ኣገልገልቲ ኽንከውን ብቑዓት ዝገበረና እግዚኣብሄር እዩ፤ ፈደል ይቐትል፥ መንፈስ ግና ህይወት ይህብ እዩ እሞ።
7
ደቂ እስራኤል፥ ብምኽንያት እቲ ሓላፊ ዝኾነ ኽብሪ፥ ገፅ ሙሴ ምጥማት ሰኣኑ። እቲ ኣብ ፅላት እምኒ ብፊደል ዝተቐርፀ፥ ሞት ዘስዕብ ሕጊ፥ ብኽብሪ ኻብ ተገልፀ፥
8
እቲ ኣገልግሎት መንፈስ ቅዱስ ደኣ፥ ከመይ በሊፁ ብኽብሪ ዘይግለፅ?
9
እቲ ዅነኔ ዘስዕብ ኣገልግሎት ካብ ከበረ፥ እቲ ፅድቂ ዘስዕብ ኣገልግሎት ደኣ፥ ከመይ በሊፁ ዘይኸብር?
10
እቲ ኽቡር ዝነበረ፥ እዝ ኻብኡ ዝኸበረ ብምምፃኡ ኽብሪ ኸም ዘይነበሮ ኾነ።
11
እቲ እናሃሰሰ ዝኸይድ ሓላፊ፥ ብኽብሪ ኻብ መፀ፥ እቲ ፀኒዑ ዝነብር ደኣ ኸመይ ኣብሊፁ ብኽብሪ ዘይኸውን!
12
ከምዙይ ዝበለት ተስፋ ስለ ዘላትና ኢና፥ ብትብዓት እንዛረብ ዘለና።
13
ንሕና፥ ከምቲ ሙሴ ነቲ ዝሃስስ ዝነበረ ምንፅብራቕ ገፁ፥ ደቂ እስራኤል ከይሪእዎ ዝጕልበብ ዝነበረ ኣይኮንናን።
14
እንተ ኾነ ልቦም ተደፊኑ እዩ፤ ብሉይ ኪዳን ከንብቡ እንተለዉ፥ እቲ ጕልባብ ገና ኽሳዕ ሎሚ ኣይተቐልዐሎምን፤ እቲ ጕልባብ እቱይ ዝቕላዕ፥ ብክርስቶስ ጥራሕ እዩ እሞ።
15
እወ፥ ክሳዕ ሎሚውን ሕጊ ኦሪት ክንበብ እንተሎ፥ ልቦም ብጕልባብ ክዉል እዩ።
16
ሓደ ሰብ ናብ ጐይታ እንትምለስ ግና፥ እቲ ጕልባቡ ይቕንጠጠሉ እዩ።
17
ጐይታስ፥ መንፈስ እዩ፤ ኣብቲ መንፈስ ጐይታ ዘለዎ ድማ፥ ኣብኡ ሓርነት ኣሎ።
18
ንሕና ዅልና ኸዓ፥ ብቕሉዕ ገፅ፥ ክብሪ ጐይታ ኸም መስትያት እናንፀባረቕና፥ መንፈስ ካብ ዝኾነ ጐይታ ከም ዝግበር፥ ነቲ ምስሊ ኣርኣያኡ ምእንቲ ኽንመስል፥ ካብ ክብሪ፥ ናብ ክብሪ ኽንልወጥ ኢና።
← Chapter 2
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 4 →
All chapters:
1
2
3
4
5
6
7
8
9
10
11
12
13