bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
/
2 Kings 2
2 Kings 2
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
← Chapter 1
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 23
Chapter 24
Chapter 25
Chapter 3 →
1
እግዚኣብሄር ንኤልያስ ብንፋስ ኣውሎ ንሰማይ ከዕርጎ ምስ ደለየ፤ ሽዑ ኤልያስ ምስ ኤልሳዕ ካብ ጌልገላ ተልዓለ።
2
ኤልያስ ከዓ ንኤልሳዕ “እግዚኣብሄር ናብ ቤቴል ክኸይድ ልኢኹኒ እዩ እሞ፥ በይዛኻ፥ ኣብዙይ ፅናሕ” በሎ። ኤልሳዕ ግና “ብህያው እግዚኣብሄርን ህያው ነፍስኻን እምሕል ኣለኹ፥ ኣይፍለየካን እየ” በሎ። ናብ ቤቴል ድማ ወረዱ።
3
እቶም ኣብ ቤቴል ዝነበሩ ደቂ ነቢያት ከዓ ናብ ኤልሳዕ መፂኦም “እግዚኣብሄር ንጐይታኻ ሎሚ ኻባኻ ኸም ዝወስዶዶ ፈሊጥካ ኣለኻ?” በልዎ። ኤልሳዕ ድማ “እወ፥ ፈሊጠ ኣለኹ፤ ግና ስቕ ደኣ በሉ” በሎም።
4
ኤልያስ ከዓ “ኣታ ኤልሳዕ፥ እግዚኣብሄር ናብ ኢያሪኮ ልኢኹኒ እዩ እሞ፥ በይዛኻ ኣብዙይ ፅናሕ” በሎ። ኤልሳዕ ድማ “ብህያው እግዚኣብሄርን ብህያው ነፍስኻን እምሕል ኣለኹ፥ ኣይፍለየካን እየ” በሎ፤ ናብ ኢያሪኮ ኸዓ በፅሑ።
5
እቶም ኣብ ኢያሪኮ ዝነበሩ ደቂ ነቢያት ድማ ናብ ኤልሳዕ ቀሪቦም “እግዚኣብሄር ንጐይታኻ ሎሚ ኻባኻ ኸም ዝወስዶዶ ትፈልጥ ኢኻ?” በልዎ። ኤልሳዕ ከዓ “እወ ፈሊጠ ኣለኹ፤ ግና ስቕ ደኣ በሉ” በሎም።
6
ኤልያስ ድማ “እግዚኣብሄር ናብ ዮርዳኖስ ክኸይድ ልኢኹኒ ኣሎ እሞ፥ በይዛኻ ኣብዙይ ፅናሕ” በሎ። ኤልሳዕ ግና “ብህያው እግዚኣብሄርን ህያው ነፍስኻን እምሕል ኣለኹ፥ ኣይፍለየካን እየ፤” በለ፤ ክልቲኦም ከዓ ኸዱ።
7
ሓምሳ ኻብ ደቂ ነቢያት ከዓ ከዱ፤ ኣብ ርሑቕ ኮይኖም ድማ ኣብ መንፅሮም ደው በሉ። ኤልያስን ኤልሳዕን ከዓ ኣብ ወሰን ዮርዳኖስ ደው በሉ።
8
ሽዑ ኤልያስ ነታ ባርኖሱ ጠቕሊሉ ነቲ ማይ ወቕዖ፤ ናብዙይን ናብቱይን ድማ ተመቕለ፤ ክልቲኦም ድማ ብንቑፅ ተሳገሩ።
9
ምስ ተሳገሩ፥ ኤልያስ ንኤልሳዕ “ገና ኻባኻ እንተይተወሰድኩ እቲ ኽገብረልካ እትደልዮ ለምን” በሎ። ኤልሳዕ ድማ “በይዛኻ፥ ናትካ መንፈስ ዕፅፊ ኾይኑ ኣባይ ክሓድር እልምነካ ኣለኹ” በሎ።
10
ንሱ ኸዓ “ከቢድ ነገር ለሚንካ። ካባኻ ኽውሰድ እንተለኹ እንተ ርኢኻኒ፥ ክኾነልካ እዩ፤ እንተ ዘይርኢኻኒ ግና ኣይኾነልካን እዩ” በሎ።
11
እናተዘራረቡ ክኸዱ እንተለዉ ኸዓ፥ እንሆ፥ ሰረገላታት ሓዊን ኣፍራስ ሓዊን፥ ኣብ መንጎኣቶም ኣትዮም ንኽልቲኦም ፈላለይዎም። ኤልያስ ድማ ብንፋስ ኣውሎ ናብ ሰማይ ዓረገ።
12
ኤልሳዕ ከዓ ነዙይ ሪኡ “ኣቦይ! ኣቦይ! ናይ እስራኤል ሰረገላታትን ፈረሰኛታትን” ኢሉ ድምፂ ኣስምዐ፤ ብድሕሪኡውን ኣይረአዮን። ነቲ ኽዳኑ ሒዙ ድማ ኣብ ክልተ ተርተሮ።
13
ነቲ ኻብ ኤልያስ ዝወደቐ ባርኖስ ኣልዒሉ ኸዓ፥ ተመሊሱ ኣብ ገምገም ዮርዳኖስ ደው በለ።
14
በቲ ካብ ኤልያስ ዝወደቐ ባርኖስ ገይሩ ድማ ነቲ ማይ ዮርዳኖስ ወቕዖ “እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኤልያስ፥ ኣበይ ኣሎ?” ድማ በለ። እቲ ማይ ከዓ ናብዙይን ናብቱይን ተመቕለ፤ ኤልሳዕ ከዓ ተሳገረ።
15
እቶም ኣብ ኢያሪኮ ኣብ ማዕዶኡ ዝነበሩ ደቂ ነቢያት ምስ ረአይዎ ድማ “መንፈስ ኤልያስ ኣብ ልዕሊ ኤልሳዕ ሓዲሩ ኣሎ” በሉ። ክራኸብዎ መፂኦም ከዓ ኣብ ምድሪ ተደፊኦም ኢድ ነስኡሉ።
16
ንሳቶም ድማ “እንሆ፥ ምስ ሓሻኽርካ ሓምሳ ብፁሓት ኣጓብዝ ኣለዉ እሞ፥ ንጐይታኻ መንፈስ እግዚኣብሄር ኣልዒሉ ናብ ሓደ እምባ ወይ ኣብ ሓደ ዓሚቝ ቦታ ደርቢይዎ ኸይኸውንስ፥ በይዛኻ ኸይዶም ክደልይዎ ንልምነካ ኣለና” በልዎ። ንሱ ግና “ኣይትስደዱ” በሎም።
17
ክሳዕ ዝሓፍር ግዲ ምስ በልዎ ግና፥ “ስደዱ” በሎም። ሰባት ሰደዱ፤ ሰለስተ መዓልቲ እውን ደለይዎ፤ ግና ኣይረኸብዎን።
18
ንሱ ኣብ ኢያሪኮ ተቐሚጡ እንተሎ፥ ናብኡ ተመለሱ። ኤልሳዕ ድማ “ኣይትኺዱዶ ኣይበልኩኹምን?” በሎም።
19
ሰብ እታ ኸተማ እቲኣ ኸዓ ንኤልሳዕ “ከምዝ ጐይታይ እትሪኣ ዘለኻ፥ እዛ ኸተማ እዚኣ ሰናይ እያ፤ እቲ ማይ ግና ሕማቕ እዩ፤ እታ ምድሪ እውን ፍረ ኣይትህብን” በልዎ።
20
ንሱ ኸዓ “ሓድሽ ዕትሮ ጨው ጌርኩም ኣምፅኡለይ” በሎም። ንሳቶም ከዓ ኣምፅኡሉ።
21
ናብታ ዓይኒ ማይ ከደ፤ ነቲ ጨው ኣብኡ ደርቢዩ ድማ “እግዚኣብሄር ‘ኣነ ነዚ ማይ ኣጥዕየዮ እየ፤ ድሕሪ ደጊም ብእኡ ሞትን ምውራድ ጥንስን ኣይኸውንን እዩ’ ይብል ኣሎ” በለ።
22
እቲ ማይ ከዓ፥ ከምቲ ኤልሳዕ ዝተዛረቦ ዘረባ፥ ካብ እታ መዓልቲ እቲኣ ጠዓየ።
23
ካብኡውን ናብ ቤቴል ደየበ። ብመንገዲ ክኸይድ እንተሎ ድማ፥ ኣናእሽቱ ቘልዑ ኻብታ ኸተማ ወፂኦም “ኣታ በራሕ፥ ደይብ፤ ኣታ በራሕ፥ ደይብ” እናበሉ ኣላገፁሉ።
24
ንድሕሪት ግልፅ ኢሉ ድማ ረአዮም፤ ብስም እግዚኣብሄር ከዓ ረገሞም። ሽዑ ኽልተ ድቢ ኻብ ዱር ወፂኦም፤ ካብኣቶም ኣርብዓን ክልተን ቈልዑ ሰባበሩ።
25
ቀፂሉ ኸዓ ናብ እምባ ቀርሜሎስ ከደ፤ ካብኡውን ናብ ሰማርያ ተመለሰ።
← Chapter 1
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 23
Chapter 24
Chapter 25
Chapter 3 →
All chapters:
1
2
3
4
5
6
7
8
9
10
11
12
13
14
15
16
17
18
19
20
21
22
23
24
25