bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
/
2 Kings 3
2 Kings 3
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
← Chapter 2
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 23
Chapter 24
Chapter 25
Chapter 4 →
1
ኢዮሳፍጥ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ፥ ኣብ መበል ዓሰርተ ሸሞንተ ዓመቱ ዮራም ወዲ ኣክኣብ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ኣብ ሰማርያ ነገሰ፤ ዓሰርተ ኽልተ ዓመትውን ገዝአ።
2
ንሱ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበረ፤ ይኹን እምበር ከም ኣክኣብ ኣቦኡን ከም ኤልዛቤል እኖኡን ኣይኮነን። እኳ ደኣ ነቲ ኣቦኡ ዝገበሮ ሓወልትታት ጣዖት በዓል ኣፍረሶ።
3
ግና ኸምቲ ንጉስ ኢዮርብዓም ወዲ ናባጥ፥ ንእስራኤል ናብ ጥፍኣት ዘስሓተሉ ሓጢኣት ጠበቐ እምበር ካብኡ ኣይረሓቐን።
4
ሞሳ ንጉስ ሞኣብ በዓል ኣባጊዕ ነበረ። ንንጉስ እስራኤል ድማ ሚእቲ ሽሕ ጡበታትን ፀጕሪ ሚእቲ ሽሕ ማጓሉን ይግብረሉ ነበረ።
5
ኣክኣብ ምስ ሞተ ግና ንጉስ ሞኣብ ኣብ ልዕሊ ንጉስ እስራኤል ዓመፀ።
6
በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ንጉስ ኢዮራም ካብ ሰማርያ ወፂኡ ንዅሉ ሰራዊት እስራኤል ኣኽተቶ።
7
ናብ ኢዮሳፍጥ ንጉስ ይሁዳ ልኢኹ ኸዓ “ንጉስ ሞኣብ ኣብ ልዕለይ ዓሚፁ እዩ እሞ ኽንዋግኦስ ምሳይዶ ትኸይድ ኢኻ?” በሎ። ንሱ ድማ “ሕራይ፥ ክኸይድ ኣነውን ከማኻ ድልዊ እየ፤ ህዝበይን ኣፍራሰይንውን ከም ህዝብኻን ከም ኣፍራስካን ድልዋት እዮም” በሎ።
8
ኣስዒቡ ኸዓ “በየናይ መንገዲ ኢናኸ እንድይብ?” ኢሉ ጠየቖ። ንጉስ እስራኤል ኢዮራም ድማ “ብመንገዲ ምድረ በዳ ኤዶምያስ” ኢሉ መለሰሉ።
9
ንጉስ እስራኤልን ንጉስ ይሁዳን ንጉስ ኤዶምያስን ድማ ኸዱ፥ መንገዲ ሸውዓተ መዓልቲ ምስ ተጕዓዙ ኸዓ፥ ንሰራዊቶምን ነተን እንስሳን ማይ ሰኣኑ።
10
ሽዑ እቲ ንጉስ እስራኤል “እግዚኣብሄር ንኣና ንሰለስተ ነገስታት ኣብ ኢድ ሞኣብ ኣሕሊፉ ምእንቲ ኽህበና ድዩ ናብዙይ ዝፀውዐና!” በለ።
11
ኢዮሳፍጥ ግና “ብእኡ ጌርና ንእግዚኣብሄር ክንጥይቖስ፥ ነቢይ እግዚኣብሄርዶ ኣብዙይ የለን እዩ?” በለ። ሽዑ ሓደ ኻብ ሓሻኽር ንጉስ እስራኤል “እቲ ናብ ኢድ ኤልያስ ማይ ዘፍስስ ዝነበረ ኤልሳዕ ወዲ ሳፋጥ እባ ኣብዙይ ኣሎ” ኢሉ መለሰ።
12
ኢዮሳፍጥ ከዓ “ቃል እግዚኣብሄር ብሓቂ ብእኡ ይርከብ እዩ” በለ። ንጉስ እስራኤልን ኢዮሳፍጥ ንጉስ ይሁዳን ንጉስ ኤዶምያስን ኮይኖም ድማ ናብ ኤልሳዕ ወረዱ።
13
ንሱ ኸዓ ንንጉስ እስራኤል “ንኣይን ንኣኻን እንታይ ዘራኽብ ኣለና? ንስኻስ ናብቶም ኣቦኻን እኖኻን ዝጥይቕዎም ዝነበሩ ነቢያት ደኣ ኺድ” በሎ። እቲ ንጉስ እስራኤል ድማ “ኣይፋሉን፥ እግዚኣብሄር ንኣና ንሰለስተ ነገስታት ኣብ ኢድ ሞኣብ ኣሕሊፉ ኽህበና እዩ ዝፀውዐና” በሎ።
14
ኤልሳዕ ኸዓ “ንኢዮሳፍጥ ንጉስ ይሁዳ እንተ ዘይሓፍርስ፥ በቲ ኣነ ዘገልግሎ ህያው እግዚኣብሄር እምሕል፥ ቈላሕ ኢለ እኳ ኣይምረአኹኻን ነይረ” በሎ።
15
“ሕዚ ኸዓ ሓደ በዓል በገና ኣምፅኡለይ” በለ። እቲ በዓል በገና ኸዓ በገናኡ ምስ ቃነየ፥ ሓይሊ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊኡ ወረደ።
16
ከምዙይ ከዓ በለ፦ “እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ኣብዝ ንቑፅ ሩባ እዙይ ብዙሕ ጐዳጕዲ ዀዓቱ።
17
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ንፋስ ኣይትሪኡን፤ ዝናምውን ኣይትሪኡን፤ እዝ ሩባ እዙይ ግና ማይ ክመልእ እዩ እሞ፥ ንስኻትኩምን ከብትኹምን ናይ ፅዕነት እንስሳኹምን ክትሰትዩ ኢኹም።
18
እዙይ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቀሊል እዩ እሞ፥ ንሞኣባውያንውን ኣብ ኢድኩም ኣሕሊፉ ኽህበኩም እዩ።
19
ንዅለን ዕሩዳት ከተማታትን፥ ንዅለን ፅቡቓት ከተማታትን ክተጥፍእወን ኢኹም። ንዅሉ ፅቡቕ ዝኾነ ኦም ከዓ ኽትቘርፁ፥ ኵሉ ዓይኒ ማያትውን ክትደፍኑ ኢኹም። ንዅሉ ዝፈሪ ግራትውን በእማን ክትመልእዎ ኢኹም።”
20
ንፅባሒቱ ድማ ጊዜ ቝርባን ምስ በፅሐ፥ እንሆ፥ ማይ ብመንገዲ ኤዶምያስ ኣቢሉ መፀ፤ እታ ሃገር ከዓ ማይ መልአት።
21
ኵሎም ሞኣባውያን ድማ እቶም ነገስታት ክዋግእዎም ከም ዝመፁ ምስ ሰምዑ፥ ኣፅዋር ክዓጥቕ ዝኽእል ዝኾነ ኻብ ዓብዪ ኽሳዕ ንእሽተይ ከቲቶም ኣብቲ ወሰን ቆሙ።
22
ኣንጊሆም ምስ ተስኡ፥ ፀሓይ ድማ ኣብቲ ማይ ምስ ኣንፀባረቐት፥ እቶም ሞኣባውያን እቲ ማይ ኣብ መንፅሮም ከም ደም ቀይሑ ረአይዎ።
23
ሽዑ “እዙይ ደም እዩ፤ እቶም ነገስታት ብርግፅ ተዋጊኦም ንስንሳቶም ተቓቲሎም ኣለዉ፤ እምበኣር ሕዚ ንዑናይ ኬድና ንዝመት” ተበሃሃሉ።
24
ናብቲ ሰፈር እስራኤል ምስ ኣተዉ ኸዓ እቶም እስራኤላውያን ተሲኦም ንሞኣባውያን ተዋግእዎም፤ ንሳቶምውን ካብ ቅድሚኣቶም ሃደሙ። ንሞኣባውያን ስዒሮም ድማ ናብታ ሃገር ኣተዉ።
25
ነተን ከተማታት ከዓ ኣፍረስወን፤ ንዅሉ ፅቡቕ ዝኾነ ግራት ድማ ዅሎም እቶም ሰባት፥ ሓድሓደ እምኒ ደርብዮም መልእዎ፤ ንዅሉ ዓይኒ ማያትውን ደፈንዎ፤ ንዅሉ ፅቡቕ ዝኾነ ኦም ድማ ቘረፅዎ። ኣእማን ቂርሓራሴት ጥራሕ ኣትረፉ፤ ንኣኣ ኸዓ ሰብ ወንጭፍ ከቢቦም ወቕዑዋ።
26
ንጉስ ሞኣብ ውግእ ከም ዝበርትዖ ምስ ረአየ፥ ሸውዓተ ሚእቲ ሰይፊ ዝመዝዙ ሰብኡት ወሰደ፤ ናብ ንጉስ ኤዶምያስ ክሓልፉ ድማ ፈተኑ ግና ኣይከኣሉን።
27
ሽዑ ነቲ ኽንድኡ ዝነግስ በዅሪ ወዱ ወሲዱ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ መካበብያ ንዝቃፀል መስዋእቲ ኣቕረቦ። ኣብ ልዕሊ እስራኤል ከዓ ብርቱዕ ቍጥዓ ኾነ እሞ፥ ካብታ ኸተማ ወፂኦም ናብ ሃገሮም ተመለሱ።
← Chapter 2
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 23
Chapter 24
Chapter 25
Chapter 4 →
All chapters:
1
2
3
4
5
6
7
8
9
10
11
12
13
14
15
16
17
18
19
20
21
22
23
24
25