bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
/
2 Peter 1
2 Peter 1
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 2 →
1
ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣገልጋልን ሃዋርያን ካብ ዝኾነ ስምኦን ጴጥሮስ፥ ናብቶም ብናይ እግዚኣብሄርን፥ መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስን ፅድቂ፥ ከማና ኽብርቲ እምነት ዝተቐበሉ፥
2
በቲ ንእግዚኣብሄርን፥ ንጐይታና ኢየሱስን ብዘለኩም ፍልጠት፥ ፀጋን ሰላምን ይብዝሐልኩም።
3
ነቲ ብኽብሩን ሕያዋይነቱን ዝፀውዐና፥ ንእኡ ብምፍላጥና መለኮታዊ ሓይሉ፥ ንህይወትን ንመንፈሳዊነትን፥ ኵሉ ዘድልየና ሂቡና ኣሎ።
4
በዙይውን፥ እታ ኽብርትን ዓባይን ተስፋ ረኸብና፤ በዛ ተስፋ እዚኣ፥ ኣብ ዓለም ካብ ዘሎ ኽፉእ ትምኒት ዘስዕቦ ጥፍኣት ኣምሊጥኩም፥ ተኻፈልቲ መለኮታዊ ባህርዩ ኾንኩም።
5
ስለዙይ ብዅሉ ትግሃት፥ ኣብ እምነትኩም ሕያዋይነት ወስኹ፤ ኣብ ሕያዋይነትውን ፍልጠት፥
6
ኣብ ፍልጠት ከዓ ንባዕልኻ ምግዛእ፥ ኣብ ንባዕልኻ ምግዛእ ትዕግስቲ፥ ኣብ ትዕግስቲ ንእግዚኣብሄር ምምላኽ፥
7
ኣብ ንእግዚኣብሄር ምምላኽ ሕውነት፥ ኣብ ሕውነት ድማ ፍቕሪ ወስኹ።
8
እዞም ነገራት እዚኣቶም እንተ ሃልዮምኹም፥ እናዓበዩውን እንተ ኸይዶም፥ ንጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ከፍልጡኹም እዮም። ሃካያትን ዘየፍርዩውን ኣይትኾኑን ኢኹም።
9
እዝ ነገር እዙይ ዘይብሉ ግና፥ ኣርሒቑ ዘይርኢ፥ ዕዉር ሰብ እዩ፤ ካብቲ ናይ ቀደም ሓጢኣቱ፥ ከም ዝነፅሀውን ዝረስዐ እዩ።
10
ስለዙይ፥ ኣቱም ኣሕዋትና፥ ንፅውዓኹምን ምሕራይኩምን ክተፅንዕዎ፥ ኣብሊፅኩም ተጋደሉ። እዙይ እንተ ጌርኩም፥ ከቶ ኣይትወድቁን ኢኹም።
11
በዙይ ድማ፥ ናብቲ ናይ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዘለኣለማዊ መንግስቲ ምእታው፥ ብምልኣት ክወሃበኩም እዩ።
12
ስለዙይ እንተ ፈለጥኩምዎ እኳ፥ ኣብቲ ዘለኩም ሓቂ እውን እንተ ፀናዕኹም፥ ነዝ ነገር እዙይ፥ ኵሉ ጊዜ ኸዘኻኽረኩም ሸለል ኣይብልን።
13
ብህይወት ክሳዕ ዘለኹ፥ እናዘኻኸርኩ ኸነቓቕሐኩም፥ ቅኑዕ ኾይኑ ይረአየኒ ኣሎ።
14
ከምቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝገለፀለይ፥ ነዝ ሰብነት እዙይ፥ ገዲፈ ዝኸደሉ እዋን፥ ቀሪቡ ኸም ዘሎ ፈሊጠ ኣለኹ።
15
ኣነ ምስ ተፈለኹኹም፥ ነዝ ነገራት እዙይ፥ ክትዝክርዎ ምእንቲ ኽትክእሉ እፅዕር ኣለኹ።
16
ብዛዕባ ሓይሊ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ተመሊሱ ኸም ዝመፅእን ክንነግረኩም እንተለና፥ ሰባት ብተንኰል ዝተጣበብዎ ተረት ዘይኮነስ፥ ነቲ ብዓይንና ዝረአናዮ ግርማ፥ መሳኻኽር ስለ ዝኾንና እዩ።
17
እቲ “ብእኡ ዝተሓጐስኩ፥ ዝፈትዎ ወደይ እዙይ እዩ” ዝብል ድምፂ ኻብቲ ልዑል ግርማ ምስ መፀ፥ ካብ እግዚኣብሄር ኣብ፥ ክብርን ግርማን ተቐበለ።
18
ኣብቲ ቕዱስ እምባ ምስኡ እንተለና ኸዓ፥ እዝ ድምፂ እዙይ ካብ ሰማይ ክመፅእ እንተሎ፥ ንሕና ባዕልትና ሰሚዕናዮ ኢና።
19
ነዙይ ብዝበለፀ ዘረጋግፀልና፥ ቃል ነቢያትውን ኣለና። ምድሪ ኽሳዕ ዝወግሕ፥ ኮኸብ ፅባሕ ኸዓ፥ ኣብ ልብኹም ክሳዕ ዝወፅእ፥ ነዝ ቃል እዙይ፥ ከምቲ ኣብ ፀልማት ዘብርህ መብራህቲ ጌርኩም እንተ ኣስተብሂልኩምሉ፥ ሰናይ ትገብሩ ኣለኹም።
20
ቅድሚ ዅሉ፥ እቲ ኣብ መፅሓፍ ዘሎ ትንቢት፥ ሓደኳ ብናይ ባዕሉ ኣተሓሳስባ፥ ክትርጉሞ ኸም ዘይኽእል ፍለጡ።
21
ትንቢት፥ ቅዱሳን ሰባት እዮም፥ ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሖም፥ ካብ እግዚኣብሄር ዝተዛረብዎ እምበር፥ ፈፂሙ ብድሌት ሰብ ዝመፀ ኣይኮነን።
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 2 →
All chapters:
1
2
3