bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
/
2 Peter 2
2 Peter 2
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
← Chapter 1
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 3 →
1
ግና ሓሰውቲ ነቢያት ኣብ ማእኸል ህዝቢ እግዚኣብሄር ተሲኦም ከም ዝነበሩ፥ ኣብ ማእኸልኩምውን፥ ሓሰውቲ መምህራን ክትስኡ እዮም። ንሳቶም ብሕቡእ፥ ጥፍኣት ዘስዕብ መናፍቕነት ከምፅኡ እዮም። ነቲ ዝተቤዘዎም ጐይታ ብምኽሓድውን፥ ኣብ ልዕሊኣቶም፥ ቅልጡፍ ጥፍኣት ከምፅኡ እዮም።
2
ብዙሓት ድማ፥ በቲ መንገዲ ርኽሰቶም ክስዕብዎም እዮም። ብሰንኮም፥ እታ መንገዲ ሓቂ ኽትፅረፍ እያ።
3
ንሳቶም ስሱዓት ስለ ዝኾኑ፥ ብዘረባ እናጠበሩ መናገዲ ኽገብሩኹም እዮም። ካብ ቀደም ፍርዶም ተዳልዩ እዩ፤ ጥፍኣትውን ብርግፅ ይፅበዮም ኣሎ።
4
እግዚኣብሄር፥ ነቶም ሓጢኣት ዝገበሩ መላእኽቲ፥ ኣብ ፀልማት ጕድጓድ ፍርዶም ክፅበዩ፥ ናብ ገሃነም ደርበዮም እምበር፥ ኣይራህርሀሎምን።
5
ነታ ቐዳመይቲ ዓለምውን ኣይራህርሀላን፤ ነቲ ሰባኺ ፅድቂ ዝነበረ ኖህ ግና፥ ሻምናይ ርእሱ ጥራሕ ኣድሒኑ፥ ነቲ ናይ ሓጥኣን ቀዳማይ ዓለም ከዓ ራህሪሁ እንተይመሓረ፥ ኣብቶም ሓጥኣን ማይ ኣይሂ ኣውረደ እምበር።
6
ነቶም ፍርሓት እግዚኣብሄር ዘይብሎም፥ መርኣያ መቕፃዕቲ ምእንቲ ክኾና፥ ንሰዶምን ገሞራን ሓመዅሽቲ ኽሳዕ ዝኾና፥ ክቃፀላ ፈረደን።
7
ነቲ ብበደሎምን ብርኹስ ተግባሮምን፥ ዘስካሕክሕ ዝነበረ ፃድቕ ሎጥ ግና ኣድሓኖ።
8
እቲ ፃድቕ ሰብ፥ ኣብ ማእኸሎም ክነብር እንተሎ፥ በብመዓልቱ በቲ ዝሪኦን ዝሰምዖን ዝነበረ ግብሪ ዓመፃኦም፥ እታ ፃድቕ ነፍሱ ትጭነቕ ነበረት።
9
ጐይታ ኸዓ ነቶም ዝፈርሕዎ፥ ካብ ፈተና ኸመይ ገይሩ ኸም ዘድሕኖም፥ ንገበርቲ ዓመፃ ድማ፥ እናቐፅዐ ኸመይ ገይሩ ኽሳዕ መዓልቲ ፍርዲ ኸም ዘፅንሖም ይፈልጥ እዩ።
10
ብሕልፊ እኳ፥ ደድሕሪ እቲ ርኹስ ዝኾነ ስጋዊ ፍትወቶም ንዝስዕቡ፥ ንስልጣን እግዚኣብሄርውን ንዝንዕቑ፥ ንፍርዲ ኸፅንሖም እዩ። ደፋራትን ትዕቢተኛታትን ስለ ዝኾኑ፥ ነቶም ናይ ሰማይ ስልጣናት እንትፃረፉ ኣይፈርሑን።
11
መላእኽቲ፥ ብሓይልን ብስልጣንን ካብኣቶም ዝበልፁ እንተ ኾኑ እኳ፥ ኣብ ቅድሚ ጐይታ፥ ኣብ ልዕሊኣቶም ፀርፊ ዘለዎ ኽሲ ኣየቕርቡን እዮም።
12
እዚኣቶም ግና፥ ከም ንመፃወድን ንጥፍኣትን ዝተፈጥሩ፥ ኣእምሮ ዘይብሎም እንስሳ እዮም ዝመስሉ። ነቲ ዘይፈልጥዎ እናፀረፉ፥ ምስኣቶም ክጠፍኡ እዮም።
13
ዓስቢ ዓመፃኦምውን ክቕበሉ እዮም። ንኣኣቶም ሓጐስ፥ ብቐትሩ ምዕባድ ማለት እዩ። ነውራማትን ርኹሳትን እዮም። ንኽጥብሩኹም ኢሎም፥ ኣብ ማእድኹም ይሳተፉ፤ በዙይውን ይሕጐሱ።
14
ዝሙት ዝመልኣ፥ ካብ ሓጢኣት ከዓ ዘየቋርፃ ኣዒንቲ ኣለዋኦም፤ ነተን ብእምነት ዘይፀንዓ ነፍሳት፥ ይሓብልወን፤ ስስዐ ዝለመደ ልቢ ኣለዎም፤ ደቂ መርገምውን እዮም።
15
ነታ ቕንዕቲ መንገዲ ሓዲጎም ተጋገዩ፤ መንገዲ እቲ ዓስቢ ዓመፃ ዝፈተወ በለዓም ወዲ ባሶር ሰዓቡ።
16
እንተ ኾነ ሕጊ ብምፍራሱ ተግሳፅ ተቐበለ፤ ምዝራብ ዘይትኽእል ኣድጊ፥ ብድምፂ ሰብ ተዛሪባ፥ ንዕብዳን እቲ ነቢይ ዓገተቶ።
17
እዞም ሰባት እዚኣቶም ዝነፀፈ ዓይኒ ማይን፥ ንፋስ ዝዅብኵቦ ግመን እዮም፤ ንኣኣቶም ግብ ዝበለ ፀልማት ዘለኣለም፥ ይፅበዮም ኣሎ።
18
ንሳቶም፥ ነቶም ኣብ ስሕተት ካብ ምንባር፥ ብቐረባ እዋን ኣምሊጦም ዝወፁ፥ በቲ ኸንቱን ትዕቢት ዝመልኦን ዘረባኦም ገይሮም፥ ብኽፉእ ትምኒት ስጋን፥ ብርኽሰትን፥ ይሓባብልዎም ኣለዉ።
19
ዝተስዓረ ሰብ፥ ባርያ ናይቲ ዝሰዓሮ እዩ ዝኸውን እሞ፥ ንሳቶም ንባዕላቶም፥ ናይ ክፉእ ኣመል ባሮት እንተለዉ “ሓራ ኽትወፁ ኢኹም” እናበሉ፥ የተስፍውዎም ኣለዉ።
20
በታ ንጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብምፍላጥ፥ ካብ ርኽሰት ዓለም ዘምለጡ ሰባት፥ ተመሊሶም ብኣኣ ተጠሊፎም እንተ ደኣ ተስዒሮም፥ ካብ ቀዳማዮም ዳሕራዮም እዩ ዝገድድ።
21
ንሳቶም እናፈለጥዋ፥ ካብቲ ዝተውሃቦም ቅዱስ ትእዛዝ ንድሕሪት ካብ ዝምለሱስ፥ ነታ መንገዲ ፅድቂ እንተ ዘይፈልጥዋ ምሐሾም ነይሩ።
22
እዙይ ከዓ እቲ “ከልቢ ናብ ትፋኡ ተመለሰ” ኸምኡ ኸዓ “ሓሰማ ተሓፂባ፥ ኣብ ፀብሪ ኣንገርገረት” ዝብል ምስላ ሓቂ፥ ኣብኣቶም በፅሐ።
← Chapter 1
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 3 →
All chapters:
1
2
3