bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
/
2 Samuel 1
2 Samuel 1
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 23
Chapter 24
Chapter 2 →
1
ድሕሪ ሞት ሳኦል ዳዊት ንኣማሌቃውያን ስዒሩ ተመለሰ። ኣብ ፂቅላግ ከዓ ኽልተ መዓልቲ ገበረ።
2
ኣብታ ሳልሰይቲ መዓልቲ ድማ፥ እንሆ፥ ካብቲ ሳኦል ምስ ሓሻኽሩ ሰፊርዎ ዝነበረ ቦታ፥ ሓደ ሰብኣይ ክዳኑ ብሓዘን ቀዲዱ ሓመድውን ኣብ ርእሱ ነስኒሱ ናብ ዳዊት መፀ፤ ናብ ምድሪ ተደፊኡውን ሰገደ።
3
ዳዊት ከዓ “ካበይ መፂእኻ?” በሎ። ንሱ ድማ “ኻብ ሰፈር እስራኤል ሃዲመ ዘምለጥኩ እየ” በሎ።
4
ዳዊት ድማ “እቲ ኹነታት ከመይ እዩ? በይዛኻ ንገረኒ” በሎ። ንሱ ኸዓ “እቲ ሰራዊት ካብቲ ውግእ ሃዲሙ፥ ካብቲ ህዝቢ ድማ ብዙሓት ተወጊኦም ሞይቶም፤ ሳኦልን ዮናታን ወዱንውን ሞይቶም” በሎ።
5
ሽዑ ዳዊት ነቲ ዝነገሮ መንእሰይ “ሳኦልን ዮናታን ወዱን ከም ዝሞቱ ደኣ ኸመይ ኢልካ ፈሊጥካ?” በሎ።
6
እቲ ዝነገሮ መንእሰይ ከዓ “ብኣጋጣሚ ናብ እምባ ጊልቦዓ መፃእኹ፤ እንሆ ድማ፥ ሳኦል ኲናቱ ተመርኲሱ ደው ኢሉ ነበረ፤ ሰረገላታትን ፈረሰኛታትን ከዓ ኣርከብዎ።
7
ንድሕሪኡ ግልፅ ኢሉ ሪኡኒ ኸዓ ፀውዐኒ። ኣነ ድማ ‘እኒሀኹ’ በልኩ።
8
“ንሱ ኸዓ ‘መን ኢኻ ንስኻ?’ በለኒ። ኣነ ድማ ‘ኣማሌቃዊ እየ’ በልክዎ።
9
“ንሱ ኸዓ፥ ‘ትንፋሰይ እኳ እንተ ዘይወፀት ኣብ ኣፍ ሞት እየ ዘለኹ እሞ፥ በይዛኻ ነዓ ቕተለኒ’ በለኒ።
10
“ኣነ ኸዓ፥ ምስ ወደቐ ኸም ዘይድሕን ፈሊጠ፥ ኣብ ልዕሊኡ ደው ኢለ ቐተልክዎ። እቲ ኣብ ርእሱ ዝነበረ ዘውድን ኣብ ቅልፅሙ ዝነበረ ቢታን ድማ ወሰድኩ፤ እንሆ ኸዓ ናባኻ ናብ ጐይታይ ኣምፃእኽዎ” በሎ።
11
ሽዑ ዳዊት ብሓዘን ክዳውንቱ ቐደደ፤ እቶም ምስኡ ዝነበሩ ዅሎም ሰባትውን ከምኡ ገበሩ።
12
ኣብ ውግእ ስለ ዝሞቱ፥ ንሳኦልን ንወዱ ዮናታንን ንህዝቢ እግዚኣብሄርን ንቤት እስራኤልን ሓዘኑሎምን በኸዩሎምን፤ ክሳዕ ምሸትውን ፆሙ።
13
ዳዊት ድማ ነቲ ዝነገሮ መንእሰይ፥ “ኣታ፥ ካበይ ኢኻ?” ኢሉ ጠየቖ። ንሱ ኸዓ “ኣነ ወዲ ሓደ ስደተኛ ኣማሌቃዊ እየ” ኢሉ መለሰ።
14
ዳዊት ድማ “ነቲ እግዚኣብሄር ዝቐብኦ ኽትቀትል፥ ኢድካ እንትትዝርግሕ ከመይ ዘይፈራሕኻ?” በሎ።
15
ሽዑ ዳዊት ንሓደ ኻብቶም ኣጓብዙ ፀዊዑ፥ ናብኡ ቕረብሞ ውደቖ በሎ፤ ንሱውን ወቕዖሞ ሞተ።
16
“ ‘ነቲ እግዚኣብሄር ዝቐብኦ ኣነ ቐቲለዮ’ ኢልካ ባዕልኻ ስለ ዝመስከርካ፥ ደምካ ኣብ ርእስኻ እዩ” ድማ በሎ።
17
ዳዊት ድማ ብዛዕባ ሳኦልን ብዛዕባ ዮናታን ወዱን እዝ መልቀስ እዙይ ኣልቀሰሎም።
18
ደቂ ይሁዳ ኸዓ ነዝ መልቀስ እዙይ ከፅንዕዎ ኣዘዘ። እዙይ ኣብ መፅሓፍ ያሻር ተፅሒፉ ኣሎ።
19
“ኦ እስራኤል! ክቡራትካ ኣብ እምባታትካ ተቐተሉ፤ እቶም ጀጋኑኸ ኸመይ ወደቑ!
20
ኣዋልድ ፍልስጥኤማውያን ከይሕጐሳ፥ ኣዋልድ እቶም ዘይግሩዛት ደስ ከይብለንስ፥ እዙይ ኣብ ጌት ኣይነገር፤ ኣብ ኣደባባያት ኣስቃሎናውን ኣይወረ።
21
ኣቱም እምባታት ጊልቦዓ! ዋልታ ሓያላት ኣብኡ ወዲቑ እዩሞ፥ ዋልታ ሳኦል ብዘይቲ ኸም ዘይተቐብአ፥ ኣባኻትኩም ተደርቢዩ እዩ እሞ፥ ኣውልን ዝናምን ኣይውረድኩም፤ ኣባኻትኩም ከዓ ንመስዋእቲ ዝኸውን እኽሊ ዘፍርዩ ገራሁ ኣይሃልዉኹም።
22
ቀስቲ ዮናታን ካብ ደም እቶም ውጉኣት፥ ንድሕሪት ተመሊሳ ኣይትፈልጥን። ሰይፊ ሳኦልውን ካብ ስብሒ እቶም ጀጋኑ ጥራዩ ተመሊሱ ኣይፈልጥን።
23
ሳኦልን ዮናታንን ዝፋተዉን ዝተሓባበሩን ነበሩ፤ ኣብ ህይወቶምን፥ ኣብ ሞቶምን ኣይተፈላለዩን፤ ካብ ንስሪ ዝቕልጥፉ፥ ካብ ኣንበሳ ዝሕይሉ ነበሩ።
24
ኣትን ኣዋልድ እስራኤል! ነቲ ዘሐጕስ ቀይሕ ግምጃ ዘልብሰክን ዝነበረ፥ ክዳውንትኽንውን ብወርቂ ዘቦ ንዝሸለመ ንሳኦል ብኸያሉ።
25
ከመይ እዞም ጀጋኑ ኣብ ማእኸል ውግእ ወደቑ! ዮናታን ኣብ እምባታት ሞተ።
26
ኦ ዮናታን ሓወይ! ብዙሕ እፈትወካ ነይረ እየ እሞ፥ ብኣኻ እሓዝን ኣለኹ። እቲ ንኣይ ምፍቃርካ የመና ፍሉይ ነበረ፤ ፍቕርኻ ንኣይ ካብ ፍቕሪ ኣንስቲ ዝበልፅ ነበረ።
27
ከመይ እዞም ጀጋኑ ወደቑ! ኣፅዋር ውግእኸ ኸመይ ከንቱ ኾኑ!”
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 23
Chapter 24
Chapter 2 →
All chapters:
1
2
3
4
5
6
7
8
9
10
11
12
13
14
15
16
17
18
19
20
21
22
23
24