bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
/
2 Samuel 3
2 Samuel 3
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
← Chapter 2
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 23
Chapter 24
Chapter 4 →
1
እቲ ኣብ መንጎ ቤት ሳኦልን ኣብ መንጎ ቤት ዳዊትን ዝነበረ ውግእ ነዊሕ ነበረ። ቤት ዳዊት እናበርትዐ ኸደ፤ ቤት ሳኦል ግና እናደኸመ ከደ።
2
ንዳዊት ኣብ ኬብሮን እዞም ዝስዕቡ ሽዱሽተ ኣወዳት ተወለዱሉ፦ በዅሩ ኻብ ኣሒኖዓም በዓልቲ ኢይዝራኤል ዝተወለደ ኣምኖን፤
3
ካልኣዩ ኻብ ኣቢግያ፥ ሰበይቲ ናባል በዓል ቀርሜሎስ ዝነበረት፥ ዝተወለደ ዶሎሕያ፤ ሳልሳይ ካብ መዓካ ጓል ታልማይ ንጉስ ጌሹር ዝተወለደ ኣቤሴሎም፤
4
ራብዓይ ካብ ሓጊት ዝተወለደ ኣዶንያስ፤ ሓምሻይ ካብ ኣቢጣል ዝተወለደ ሰፋጥያስ፤
5
ሻድሻይ ካብ ዔግላ ሰበይቲ ዳዊት ዝተወለደ ይትረሃም፤ እዚኣቶም ንዳዊት ኣብ ኬብሮን ዝተወለዱሉ እዮም።
6
በቲ ኣብ መንጎ ቤት ሳኦልን ኣብ መንጎ ቤት ዳዊትን ውግእ ዝነበረሉ ጊዜ፥ ኣበኔር ኣብ ቤት ሳኦል እናሓየለ ኸደ።
7
ሳኦል ሪፅጳ ዝስማ ጓል ኣያ፥ ሰበይቲ ወሰን ነበረቶ። ኢያቡስቴ ድማ ንኣበኔር “ስለ ምንታይ ኢኻ ናብታ ሰበይቲ ወሰን ኣቦይ ዝኣተኻ?” በሎ።
8
ሽዑ ኣበኔር ብዘረባ ኢያቡስቴ የመና ተቘጢዑ “ኣነስ ንቤት ሳኦል ጠሊመ፥ ኣገልጋሊ ቤት ይሁዳ ዝኸውንዶ ይመስለካ? ካብ ቅድም ሒዘ ንቤት ኣቦኻ ሳኦልን ነሕዋቱን ንፈተውቱን እሙን ኮይነ ኣገልገልኩ፤ ንኣኻውን ናብ ኢድ ዳዊት ኣሕሊፈ ኣይሃብኩኻን። ንስኻ ግና ሎሚ ናብዛ ሰበይቲ እዚኣ ብምእታወይ ከም በደል ትቘፅረለይ ኣለኻ።
9
ከምቲ እግዚኣብሄር ንዳዊት ዝመሓለሉ፥ እታ መንግስቲ ኻብ ቤት ሳኦል ከም እትሓልፍ፥ ዙፋን ዳዊት ከዓ ኣብ ልዕሊ እስራኤልን ኣብ ልዕሊ ይሁዳን፥ ካብ ዳን ክሳዕ ቤርሳቤህ ከም ዝቐውም እንተ ዘይገይረ፥ ኣምላኽ ንኣይ ንኣበኔር ከምዙይ ይግበረኒ፤ ከምዙይውን ይወስኸኒ” በለ።
11
ሽዑ ኢያቡስቴ ንኣበኔር ስለ ዝፈርሖ፥ ሓንቲ እኳ ኽዛረቦ ኣይደፈረን።
12
ሽዑ ኣበኔር ናብ ዳዊት ልኡኻት ሰዲዱ “እዛ ሃገር ናይ መን ድያ? ኪዳን እተወለይ እሞ፥ ብምልእታ እስራኤል ናባኻ ኽትምለስ ክሕግዘካ እየ” በሎ።
13
ዳዊት ድማ “ፅቡቕ፤ ኣነ ምሳኻ ኺዳን እኣቱ። እንተ ኾነ ኻባኻ ዝደልያ ሓንቲ ነገር ኣላ። ንሳ ኸዓ ናባይ ክትመፅእ እንተለኻ ንሜልኮል ጓል ሳኦል ተማሊእኻያ እንተ ዘይመፂእኻ ገፀይ ኣይትርእን ኢኻ” በሎ።
14
ዳዊት ድማ ናብ ኢያቡስቴ ወዲ ሳኦል ልኡኻት ሰዲዱ “እታ ብሚእቲ ቝልፈት ፍልስጥኤማውያን ዝተመርዓኽዋ ሰበይተይ ሜልኮል ምለሰለይ” ኢሉ ልኡኻት ሰደደ።
15
ኢያቡስቴ ከዓ ልኢኹ ኻብ ሰብኣያ ጳልጢኤል ወዲ ሌሳ ወሰዳ።
16
ሰብኣያውን ምሳኣ ኸደ፤ ክሳዕ ባሑሪምውን እናበኸየ ሰዓባ። ሽዑ ኣበኔር “ኪድ ተመለስ” በሎ። ንሱውን ተመለሰ።
17
ኣበኔር ድማ ንዓበይቲ እስራኤል “ዳዊት ኣብ ልዕሌኹም ንጉስ ክኸውን ካብ ቀደም ደሊኹምዎ ኔርኩም ኢኹም።
18
እግዚኣብሄርውን ብዛዕባ ዳዊት ‘ንህዝበይ እስራኤል ካብ ኢድ ፍልስጥኤማውያንን ካብ ኢድ ኵሎም ፀላእቶምን ብኢድ ዳዊት ባርያይ ከድሕኖም እየ’ ኢሉ ተዛሪቡ ነይሩ እዩ እሞ ሕዚ ግበርዎ” ኢሉ ተዛረቦም።
19
ንነገድ ብንያምውን ተዛረቦም። እቲ ንዅሉ እስራኤልን ንዅላ ቤት ብንያምን ፅቡቕ ኮይኑ ዝተርኣዮም፥ ንዳዊት ክነግሮ ናብ ኬብሮን ከደ።
20
ኣበኔር ዕስራ ሰብ ምስኡ ተማሊኡ ናብ ዳዊት ናብ ኬብሮን መፀ። ዳዊት ድማ ንኣበኔርን ነቶም ምስኡ ዝነበሩ ሰባትን ምሳሕ ገበረሎም።
21
ኣበኔር ከዓ ንዳዊት “ንዅሎም ደቂ እስራኤል ናባኻ ናብ ጐይታይ ክእክቦም እሞ ምሳኻ ኺዳን ክኣትዉስ ተሲአ ክኸይድ፥ ሽዑ ኸምቲ ዝደለኻዮ ጌርካ ትነግስ” በሎ። ዳዊት ድማ ንኣበኔር ሰደዶ። ንሱ ድማ ብሰላም ከደ።
22
እንሆ ኸዓ ሹመኛታት ዳዊትን ኢዮኣብን ካብ ወራር መፁ፤ ምስኣቶም ድማ ብዙሕ ምርኮ ኣእተዉ። ኣበኔር ግና ዳዊት ኣፋንይዎ ብሰላም ከይዱ ነበረ እምበር፥ ኣብ ኬብሮን ኣይነበረን።
23
ኢዮኣብን ምስኡ ዝነበረ ዅሉ ሰራዊትን ምስ ኣተዉ ኸዓ፥ ኣበኔር ወዲ ኔር ናብ ንጉስ መፂኡ ኸም ዝነበረን፥ ንጉስ ድማ ኣፋንይዎ ብሰላም ከም ዝኸደን፥ ንኢዮኣብ ነገርዎ።
24
ሽዑ ኢዮኣብ ናብ ንጉስ ኣትዩ “እዝ ዝገበርካዮ እንታይ እዩ? እንሆ ኣበኔር መፂኡካ እንተሎስ፥ ስለ ምንታይ ኢኻ ክኸይድ ዝሰደድካዮ?
25
ኣበኔር ወዲ ኔር ከታልለካ፥ መውፅኢኻን መእተዊኻን ክፈልጥ፥ ኵሉ እትገብሮውን ከስተብህል ከም ዝመፀዶ ኣይትፈልጥን ኢኻ?” በሎ።
26
ኢዮኣብ ሽዑ ኻብ ዳዊት ወፂኡ፥ ደድሕሪ ኣበኔር ልኡኻት ሰደደ። ንሳቶም ከዓ ኻብ ዒላ ሲራ መለስዎ፤ ዳዊት ግና ነዙይ ኣይፈለጠን ነበረ።
27
ኣበኔር ናብ ኬብሮን ምስ ተመለሰ ኸዓ፥ ኢዮኣብ ንበይኑ ኽዛረቦ ኸም ዝደሊ ኣምሲሉ ናብ ኣፍ ደገ ወሰዶ። ኣብኡ ድማ ሕነ ደም ሓዉ ኣሳሄል፥ ከብዱ ወግኦ እሞ ሞተ።
28
ድሕሪዙይ ከዓ ዳዊት ሰምዐ እሞ “ኣነን መንግስተይን ካብ ደም ኣበኔር ወዲ ኔር ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ንዘለኣለም ንፁሃት ኢና።
29
እዙይ ኣብ ልዕሊ ኢዮኣብን ኣብ ልዕሊ ዅላ ቤት ኣቦኡን ይውደቕ፤ ኣብ ቤት ኢዮኣብ ድማ ዝመግል ቍስሊ ዘለዎ፥ ለምፃም፥ ብምርኩስ ዝኸይድ ሓንካስ፥ ብሰይፊ ዝቕተል ወይ ዝበልዖ ዝሰኣነ ጥሙይ ኣይሰኣን” በለ።
30
(ኣበኔር ንሓዎም ኣሳሄል ኣብ ገባዖን ኣብቲ ውግእ ስለ ዝቐተሎ፥ ኢዮኣብን ኣቢሳ ሓዉን ከዓ ንኣበኔር ቀተልዎ።)
31
ዳዊት ድማ ንኢዮኣብን ነቲ ምስኡ ዝነበረ ዅሉ ህዝብን “ክዳውንትኹም ቅደዱ፤ ወጮ ተኸደኑ፤ ንኣበኔር ከዓ ብኸዩሉ” በሎም። ንጉስ ዳዊት ድማ ደድሕሪ እቲ ቓሬዛ ይኸይድ ነበረ።
32
ንኣበኔር ኣብ ኬብሮን ቀበርዎ፤ ንጉስ ድማ ኣብቲ መቓብር ኣበኔር ድምፁ ዓው ኣቢሉ በኸየ፤ ኵሎም ህዝቢ እውን በኸዩ።
33
ንጉስ ድማ ንኣበኔር “ኣበኔር እውንዶ ኣማውታ ዓሻ ይመውት?
34
ኣእዳውካ እሱራት ኣይነበራን፤ ኣእጋርካውን ብመቝሕ ኣይተቐየዳን፤ ከምቲ ኣብ ቅድሚ ዓመፅቲ ዝወድቕ፥ ከምኡ ዄንካ ወደቕካ” ኢሉ ኣልቀሰሉ። ኵሎም እቶም ህዝቢ እውን በኸዩሉ።
35
ኵሎም እቶም ህዝቢ ኸዓ ንዳዊት ገና ቐትሪ እንተሎ “እንጀራ ብላዕ” ኽብልዎ መፁ። ዳዊት ግና፥ “ፀሓይ እንተይዓረበት እንጀራ ኾነ ወይ ካልእ እንተ ጠዓምኩ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይግብረኒ፤ ከምዙይውን ይወስኸኒ” ኢሉ መሓለ።
36
ኵሎም እቶም ህዝቢ ኸዓ እዙይ ምስ ፈለጡ ተሓጐሱ፤ በቲ ዅሉ እቲ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ህዝቢ ንጉስ ዝገበሮውን ሕጉሳት ነበሩ።
37
ሞት ኣበኔር ወዲ ኔር፥ ካብ ንጉስ ከም ዘይኮነ፥ ኵሉ እቲ ህዝብን ኵሉ እስራኤልን በታ መዓልቲ እቲኣ ፈለጡ።
38
ንጉስ ድማ ነቶም ሹመኛታት “ሎሚ መዓልቲ ኣብ እስራኤል መስፍንን ዓብዪ ሰብን ከም ዝሞተዶ ኣይፈለጥኩምን ኢኹም?
39
ኣነ ንጉስ ክኸውን እንተ ተቐባእኹ እኳ፥ ድኹም እየ፤ እዞም ደቂ ፅሩያ ድማ በርቲዖምኒ ኣለዉ። ነቲ ኽፉእ ዝገብርስ፥ እግዚኣብሄር ደኣ ኸምቲ ኽፍኣቱ ይፍደዮ” በሎም።
← Chapter 2
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 23
Chapter 24
Chapter 4 →
All chapters:
1
2
3
4
5
6
7
8
9
10
11
12
13
14
15
16
17
18
19
20
21
22
23
24