bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
/
2 Timothy 1
2 Timothy 1
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 2 →
1
ብክርስቶስ ኢየሱስ ንዝርከብ ናይ ህይወት ተስፋ፥ ብፍቓድ እግዚኣብሄር፥ ሃዋርያ ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ዝኾነ ጳውሎስ፥
2
ናብ ዝፈትዎ ወደይ ጢሞቴዎስ፤ ካብ እግዚኣብሄር ኣብን፥ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ፀጋ፥ ምሕረት፥ ሰላም፥ ንኣኻ ይኹን።
3
ለይትን መዓልትን እንተየቋረፅኩ፥ ኣብ ፀሎተይ ክዝክረካ እንተለኹ፥ ነቲ ኸምቲ ናይ ኣቦታተይ ገይረ፥ ብንፁህ ሕሊና ዘገልግሎ እግዚኣብሄር አመስግኖ ኣለኹ።
4
ንብዓትካ እናዘከርኩ፥ ብታሕጓስ ምእንቲ ኽምላእ ኸዓ፥ ክሪአካ እናፍቕ ኣለኹ።
5
ነታ ኣባኻ ዘላ፥ ግብዝና ዘይብላ እምነት እዝክራ እየ። እዛ እምነት እዚኣ፥ ቅድም ኣብ እኖሓጐኻ ሎይድ፥ ከምኡውን ኣብ እኖኻ ኤውንቄ ነበረት። ሕዚ ኸዓ ኣባኻ ኸም ዘላ ተኣማሚነ ኣለኹ።
6
ስለዙይ ነቲ ብምንባር ኢደይ ዝተቐበልካዮ፥ ኣባኻ ዘሎ ውህብቶ እግዚኣብሄር፥ ክተለዓዕሎ ኣዘክረካ ኣለኹ።
7
እግዚኣብሄር ዝሃበና፥ መንፈስ ሓይልን፥ ፍቕርን፥ ንባዕልኻ ምግዛእን እምበር፥ መንፈስ ፍርሓት ኣይሃበናንሞ።
8
እምበኣር ብዛዕባ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምምስካርን፥ ብኣይ ናይ ክርስቶስ እሱርን ኣይትሕፈር፤ እኳ ደኣ፥ በቲ እግዚኣብሄር ዝህበካ ሓይሊ፥ ምእንቲ ወንጌል ምሳይ መከራ ተቐበል እምበር።
9
ንሱ ብግብርና ዘይኮነስ፥ ብፍቓዱን፥ በቲ ብኢየሱስ ክርስቶስ ቅድሚ ዘመናት ዝተውሃበና ፀጋን፥ ኣድሓነና፤ ብቕዱስ ፅውዓውን ፀውዐና።
10
እዝ ፀጋ እዙይ፥ ብምምፃእ መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ተገልፀ። ንሱ ንሞት ስዒሩ፥ ንህይወትን ንዘይሙማትን፥ ብወንጌል ናብ ብርሃን ኣውፅኦ።
11
ኣነውን ናይዝ ወንጌል እዙይ ኣብሳሪ ሃዋርያን፥ ንኣህዛብውን መምህር ክኸውን ተሸምኩ።
12
በዝ ምኽንያትዙይ ከዓ እየ፥ መከራ ዝቕበል ዘለኹ፤ ግና ንመን ከም ዝኣመንኩ ስለ ዝፈልጥ፥ ኣይሓፍርን እየ። ንሱ ኸዓ ነቲ ዝሃብክዎ ሕድሪ፥ ክሳዕ እታ መዓልቲ ጐይታ ኽሕልወለይ ከም ዝኽእል ርግፀኛ እየ።
13
ነቲ ኻባይ ዝሰማዕኻዮ ቕኑዕ ትምህርቲ፥ ከም ኣብነት ጌርካ፥ በቲ ብኢየሱስ ክርስቶስ ዝርከብ፥ እምነትን ፍቕርን ሓልዎ።
14
ነቲ ብሕድሪ ዝተውሃበካ ሓቂ፥ በቲ ኣባና ሓዲሩ ዘሎ መንፈስ ቅዱስ ሓልዎ።
15
እቶም ኣብ እስያ ዘለዉ ዅላቶም፥ ከም ዝጠለሙኒ ትፈልጥ ኢኻ። ኣብ መንጎኦም እኳ ፊጌሎስን ሄርዋጌኔስን እዮም።
16
እግዚኣብሄር ንቤተ ሰብ ሄኔሴፎሩ፥ ምሕረት ይሃቦም፤ ንሱ ብምእሳረይ እንተይሓፈረ፥ ብዙሕ ጊዜ ኣዕሪፉኒ እዩ እሞ።
17
ኣብ ሮሜ ምስ መፀውን፥ ክሳዕ ዝረኽበኒ ብዙሕ ደኺሙ እዩ።
18
በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ጐይታ እግዚኣብሄር ምሕረት ይሃቦ። ኣብ ኤፌሶን ክንደይ ከም ዘገልገለኒውን፥ ንስኻ ኣፀቢቕካ ትፈልጥ ኢኻ።
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 2 →
All chapters:
1
2
3
4