bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
/
2 Timothy 2
2 Timothy 2
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
← Chapter 1
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 3 →
1
እምበኣር፥ ጢሞቴዎስ ወደይ፥ በቲ ብኢየሱስ ክርስቶስ ዘሎ ፀጋ በርትዕ።
2
ነቲ ኣብ ቅድሚ ብዙሓት መሰኻኽር ካባይ ዝሰማዕኻዮ፥ ንኻልኦት ክምህሩ ንዝኽእሉ እሙናት ሰባት፥ ሕድሪ ሃቦም።
3
ከም ተባዕ ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ወታደር ኴንካ፥ ምሳይ መከራ ተቐበል።
4
ወታደር ኮይኑ ዘገልግል፥ ነቲ ኣዛዚኡ ምእንቲ ኸሐጕስ፥ ብናብራ እዝ ዓለም እዙይ ኣይጥለፍን።
5
ከምኡውን እቲ ኣብ ውድድር ዝሳተፍ፥ ከምቲ ሕጊ ገይሩ እንተ ዘይተወዳዲሩ፥ ናይ ኣሸናፍነት ኣኽሊል ኣይረክብን እዩ።
6
እቲ ዝፅዕር ሓረስታይ፥ ካብቲ ዘፍረዮ ፍረ ኣቐዲሙ ኽወስድ ይግብኦ እዩ።
7
ነዝ ዅሉ ዝብለካ ዘለኹ ኣስተብህሎ፤ እግዚኣብሄር፥ ንዅሉ ምስትውዓል ይሃብካ።
8
እቲ ኣነ ብወንጌል ዝሰብኮ፥ ነቲ ኻብ ዘርኢ ዳዊት ዝተወለደ፥ ካብ ሞት ዝተስአ ኢየሱስ ክርስቶስ ዘክሮ።
9
ብምኽንያት እዝ ወንጌል እዙይ ከዓ፥ ከም ገባሪ ክፉእ ተኣሲረ፥ መከራ እቕበል ኣለኹ። ቃል እግዚኣብሄር ግና ኣይእሰርን እዩ።
10
ስለዙይ እቶም ሕሩያት፥ ነቲ ዘለኣለማዊ ኽብሪ ዘውህብ፥ ብኢየሱስ ክርስቶስ ዝርከብ ድሕነት ምእንቲ ኽረኽቡ፥ ንዅሉ እዕገስ ኣለኹ።
11
እዝ ቓል እዙይ እሙን እዩ፤ “ምስኡ እንተ ሞትና፥ ምስኡ ኸዓ ብህይወት ክንነብር ኢና።
12
እንተ ተዓገስና፥ ምስኡ ኸዓ ኽንነግስ ኢና። እንተ ኸሓድናዮ፥ ንሱውን ክኽሕደና እዩ።
13
እሙናት እንተ ዘይኴንና፥ ንሱ ንባዕሉ ክኽሕድ ስለ ዘይኽእል፥ እሙን ኮይኑ እዩ ዝነብር።”
14
ንዝሰምዕዎ ብዘጥፍእ፥ ረብሓ ብዘይብሉ ቓል ከይበኣሱ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር እናመዓድካ፥ ነዙይ ኣዘክሮም።
15
ንቓል ሓቂ ብቕንዕና ዝነግር፥ ዘሕፍር ዘይብሉ፥ ዝተመስከረሉ ሰራሕተኛ ጌርካ፥ ንባዕልኻ ንእግዚኣብሄር ክተወፊ ትጋህ።
16
ነቲ ቑም ነገር ዘይብሉ ኸንቱ ኽትዕ ግና፥ ካባኻ ኣርሕቆ፤ እቶም ነዙይ ዘዘውትሩ፥ ካብ እግዚኣብሄር እናረሓቑ እዮም ዝኸዱ እሞ።
17
ትምህርቶም እናሰፍሐ ኸም ዝኸይድ፥ ዝባላዕ ቝስሊ እዩ፤ ኣብ መንጎኦም ሄሜኔዎስን ፊሊጦስን ዝበሃሉ ይርከብዎም።
18
ንሳቶም ካብ ሓቂ ርሒቖም “ትንሳኤ ሙታን ቅድሚ ሕዚ ኾይኑ እዩ” እናበሉ፥ እምነት ብዙሓት ሰባት የናውፁ ኣለዉ።
19
ይኹን እምበር “ኵሉ ስም እግዚኣብሄር ዝፅውዕ፥ ካብ ዓመፅ ይርሓቕ፤” ከምኡውን “እግዚኣብሄር፥ ነቶም ናቱ ዝኾኑ ይፈልጦም እዩ” ዝብል፥ ማሕተም ዘለዎ ዘይነቓነቕ መሰረት እግዚኣብሄር፥ ፀኒዑ ኽነብር እዩ።
20
ኣብ ዓብዪ ገዛ፥ ካብ ዕንፀይትን መሬትን ዝተሰርሐ ኣቕሓ እምበር፥ ኣቕሓ ወርቅን ብሩርን ጥራሕ ኣይኮነን ዝርከብ፤ ገሊኡ ንኽብሪ፥ ገሊኡውን ክቡር ንዘይኮነ ይኸውን።
21
እምበኣር፥ ካብ ኵሉ ኽፍኣት፥ ንባዕሉ ዘንፅሀ ሰብ፥ ንሱ ናይ ክብሪ ኣቕሓ፥ ዝተቐደሰ፥ ንኣገልግሎት ጐይታኡ ዝጠቅም፥ ንዅሉ ሰናይ ግብሪ ዝተዳለወ ይኸውን።
22
ካብ ክፉእ ናይ ጕብዝና ትምኒት ህደም፤ ምስቶም ብንፁህ ልቢ፥ ንእግዚኣብሄር ዝፅውዕዎ ኸዓ፥ ኣሰር ፅድቅን፥ እምነትን፥ ፍቕርን፥ ሰላምን፥ ሰዓብ።
23
ባእሲ ኸም ዘምፅእ ፈሊጥካ፥ ካብቲ ናይ ዕሽነትን ከንቱ ኽርክርን ረሓቕ።
24
ኣገልጋሊ እግዚኣብሄር ዝኾነ፥ ምስ ኵሉ ለዋህ፥ ንምምሃር ብቕዓት ዘለዎ፥ ዕጉስ ክኸውን ደኣ እምበር፥ ተበኣሳይ ክኸውን ኣይግብኦን እዩ።
25
ምናልባሽ እግዚኣብሄር ንሓቂ ምእንቲ ኽፈልጥዋ ኢሉ፥ ንስሃ ኽኣትዉ ዕድል ክህቦም ይኸውን እዩ እሞ፥ ንሱ፥ ነቶም ተፃረርቲ፥ ብህድኣት ዝእርሞም ክኸውን ኣለዎ።
26
ንሳቶም ከዓ፥ ካብቲ ፍቓዱ ኽገብሩ ኢሉ፥ ኣሲርዎም ዝነበረ መፈንጠር ዲያብሎስ ኣምሊጦም፥ ናብ ልቦም ክምለሱ እዮም።
← Chapter 1
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 3 →
All chapters:
1
2
3
4