bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
/
Acts 3
Acts 3
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
← Chapter 2
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 23
Chapter 24
Chapter 25
Chapter 26
Chapter 27
Chapter 28
Chapter 4 →
1
እንሆ ድማ ጴጥሮስን ዮሃንስን፥ ብታሽዐይቲ ሰዓት ብጊዜ ፀሎት፥ ናብ ቤተ መቕደስ ይድይቡ ነበሩ።
2
ካብ ዝውለድ ጀሚሩ፥ መፃጕዕ ዝኾነ ሓደ ሰብኣይ ነበረ፤ ካብቶም ናብ ቤተ መቕደስ ዝኣትዉ ምፅዋት ምእንቲ ኽልምን ከዓ፥ ፆይሮም ዕለት ዕለት፥ ኣብታ “ፅብቕቲ” እትብሃል ኣፍ ደገ ቤተ መቕደስ፥ የቐምጥዎ ነበሩ።
3
ንሱ ድማ ጴጥሮስን ዮሃንስን ናብ ቤተ መቕደስ ክኣትዉ እንተለዉ ምስ ረአዮም፥ ክምፅውቱሉ ለመኖም።
4
ጴጥሮስ ምስ ዮሃንስ ኮይኑ፥ ናብኡ ኣተኵሩ እናጠመተ፥ “ናባና ጠምት” በሎ።
5
ንሱ ኸዓ ኻብኣቶም ምፅዋት ዝረክብ መሲልዎ ኣተኲሩ ጠመቶም።
6
ጴጥሮስ ድማ “ወርቅን ብሩርን የብለይን፤ እቲ ዘለኒ ግና ኽህበካ እየ፤ ብስም ናይ ናዝሬት ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ተስእ እሞ ተመላለስ!” በሎ።
7
ብየማነይቲ ኢዱ ሒዙውን ኣተስኦ፤ ሽዑ ንሽዑ ኣእጋሩን ዓክዓካሪቶኡን ፀንዐ።
8
ብድድ ኢሉ ኸዓ ደው በለ እሞ ኽመላለስ ጀመረ። እናተመላለሰን እናዘለለን ንእግዚኣብሄርውን እናመስገነን፥ ምስኣቶም ናብ ቤተ መቕደስ ኣተወ።
9
ኵሎም እቶም ህዝቢ ድማ፥ ብእግሩ እናኸደን፥ ንእግዚኣብሄር እናመስገነን ረአይዎ።
10
ንሱ እቲ ኣብታ “ፅብቕቲ” እትብሃል ኣፍ ደገ ቤተ መቕደስ ተቐሚጡ፥ ምፅዋት ዝልምን ዝነበረ ምዃኑ ምስ ኣለለይዎ፥ በቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝተገብረ ተኣምር፥ ተደነቑን ተገረሙን።
11
እቲ ዝሓወየ ሰብኣይ፥ ምስ ጴጥሮስን ዮሃንስን ሓቢሩ እንተሎ፥ እቶም ህዝቢ ብምሉኦም ብዓብዪ ምግራም፥ ናብኣቶም ናብቲ “ገበላ ሰሎሞን” ተብሂሉ ዝፅዋዕ ጐየዩ።
12
ጴጥሮስ ነዙይ ምስ ረአየ፥ ነቶም ህዝቢ ኸምዙይ በሎም፦ “ኣቱም ሰብ እስራኤል፥ ንምንታይ በዙይ ትግረሙ? ብሓይልና ወይ ብፅድቅና፥ ነዝ ሰብ እዙይ ክኸይድ ከም ዝገበርናዮኸ፥ ንምንታይ ንኣና ትጥምቱ ኣለኹም?
13
ኣምላኽ ኣቦታትና፥ ኣምላኽ ኣብርሃምን ይስሓቅን ያእቆብን፥ ንወዱ ኢየሱስ ኣኽበሮ፤ ንስኻትኩም ግና፥ ነቲ ጲላጦስ ‘ይፈታሕ’ ኢሉ ዝፈረደሉ ኣሕሊፍኩም ሃብኩምዎ፤ ኣብ ቅድሚ ጲላጦስ ከዓ ኸሓድኩምዎ።
14
ንስኻትኩም ነቲ ቕዱስን ፃድቕን ክሒድኩም፥ እቲ ቐታሊ ነፍሲ ኽፍትሐልኩም፥ ለመንኩም።
15
ነቲ ወሃብ ህይወት ድማ ቐተልኩምዎ፤ ንእኡ ግና እግዚኣብሄር ካብ ምዉታን ኣተስኦ፤ ንሕና ኸዓ ነዙይ ምስክር ኢና።
16
ብስሙ ብምእማን፥ ነዝ እትሪእዎን እትፈልጥዎን ሰብ ኣፅንዖ። እታ ብኢየሱስ ምእማን ድማ፥ ኣብ ቅድሚ ዅልኻትኩም፥ ምሉእ ጥዕና ሃበቶ።
17
ሕዚ ድማ ኣሕዋተይ፥ ከምቶም መራሕትኹም፥ ነዙይ ብዘይ ምፍላጥ ከም ዝገበርኩምዎ እፈልጥ ኣለኹ።
18
እግዚኣብሄር ግና ክርስቶስ መከራ ኽቕበል ከም ዘለዎ፥ ኣቐዲሙ ብኣፍ ኵሎም ነቢያት ከም ዝተዛረቦ፥ ከምኡ ፈፀሞ።
19
እምበኣር ሓጢኣትኩም ምእንቲ ኽድምሰሰልኩም፥ ካብ ገፅ እግዚኣብሄርውን፥ ዘመን ምሕዳስ ምእንቲ ኽመፀልኩም፥
20
ነቲ ኣቐዲሙ ንኣኻትኩም ዝሓረዮ ኢየሱስ ክርስቶስ ምእንቲ ኽሰደልኩም፥ ተነስሁን ተመለሱን።
21
ከምቲ ዝተነግረኩም፥ እግዚኣብሄር ካብ ጥንቲ ብኣፍ ቅዱሳን ነቢያቱ ዝተዛረቦ፥ ኵሉ ነገር ዝሕደሰሉ ዘመን ክሳዕ ዝመፅእ፥ ሰማይ ንእኡ ኽቕበሎ ይግባእ እዩ።
22
ሙሴውን ‘እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከምቲ ንኣይ ዘተስአኒ፥ ካብ ኣሕዋትኩም ነቢይ ከተስአልኩም እዩ፤ ኵሉ እቲ ንሱ ዝብለኩም ከዓ ስምዕዎ።
23
እንሆ ዅላ እታ፥ ነቲ ነቢይ እቱይ ዘይትሰምዕ ነፍሲ፥ ካብ ህዝባ ተፈልያ ኽትንቀል እያ’ በለ።
24
ኵላቶም ነቢያት፥ ካብ ሳሙኤል ጀሚሮም፥ ክሳዕ እቶም ብድሕሪኡ ዝነበሩ፥ ብዛዕባ እዘን መዓልቲታት እዚኣተን እዮም ዝተናገሩ።
25
ንስኻትኩም ውሉድ ነቢያትን፥ ውሉድ እቲ እግዚኣብሄር ዝሰርዖ ስርዓትን ኢኹም። ንኣብርሃም ‘ኵሎም ኣህዛብ ምድሪ፥ ብዘርእኻ ኽባረኹ እዮም’ ኢሉ ምስ ኣቦታትና ዝኣተዎ፥ ውሉድ ኪዳን ኢኹም።
26
እግዚኣብሄር፥ ንነፍሲ ወከፍኩም ካብ ክፍኣትኩም ተመሊስኩም ምእንቲ ኽባርኸኩም፥ ንወዱ ኣተሲኡ፥ ቅድሚ ዅሉ ናባኻትኩም ለኣኾ።”
← Chapter 2
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 23
Chapter 24
Chapter 25
Chapter 26
Chapter 27
Chapter 28
Chapter 4 →
All chapters:
1
2
3
4
5
6
7
8
9
10
11
12
13
14
15
16
17
18
19
20
21
22
23
24
25
26
27
28