bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
/
Acts 4
Acts 4
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
← Chapter 3
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 23
Chapter 24
Chapter 25
Chapter 26
Chapter 27
Chapter 28
Chapter 5 →
1
ጴጥሮስን ዮሃንስን ነቶም ህዝቢ ኽነግርዎም እንተለዉ፥ ካህናትን ሓለቓ ሓለውቲ ቤተ መቕደስን ሰዱቃውያንን ናብኣቶም መፁ።
2
ነቶም ህዝቢ ስለ ዝመሃሩን፥ ብኢየሱስውን ትንሳኤ ምዉታን ከም ዝርከብ ስለ ዝሰበኹን፥ የመና ተናደዱ።
3
ስለዙይውን ሓዝዎም፤ መስዩ ስለ ዝነበረ ኸዓ፥ ምድሪ ኽሳዕ ዝወግሕ፥ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣሕደርዎም።
4
እንተ ኾነ፥ ካብቶም ነቲ ቓል ዝሰምዑ፥ ብዙሓት ኣመኑ። ብዝሒ እቶም ዝኣመኑ ሰብኡት ከዓ፥ ሓሙሽተ ሽሕ ኾነ።
5
ንፅባሒቱ ድማ መኳንንቶምን ሽማግለታቶምን መምህራን ሕግን፥ ምስ ሃና ሊቀ ካህናትን ቀያፋን ዮሃንስን እስክንድሮስን፥ ኵሎም ወገን ሊቃነ ካህናትን፥ ኣብ ኢየሩሳሌም ተኣከቡ።
7
ንኣኣቶም ኣብ ማእኸል ደው ኣቢሎም ድማ “በየናይ ሓይሊ ወይ ብናይ መን ስም ኢኹም ነዙይ ዝገበርኩምዎ?” ኢሎም ጠየቕዎም።
8
ሽዑ ጴጥሮስ ብመንፈስ ቅዱስ ተመሊኡ ኸምዙይ በሎም፦ “ኣቱም መኳንንቲ ህዝብን ሽማግለታትን፥
9
ሎሚ ንሕና እንምርመር ዘለና፥ ንሓደ ሕሙም ሰብ ብዛዕባ ዝተገብረሉ ሰናይ ነገርን፥ ከመይ ኢሉ ኸም ዝሓወየን እንተ ኾይኑ፥
10
እዝ ሓውዩ ኣብ ቅድሜኹም ደው ኢሉ ዘሎ፥ ብስም እቲ ንስኻትኩም ዝሰቐልኩምዎ፥ እግዚኣብሄር ከዓ ኻብ ምዉታን ዘተስኦ፥ ናይ ናዝሬት ኢየሱስ ከም ዝኾነ፥ ኣብ ኵልኻትኩምን ኣብ ዅሉ ህዝቢ እስራኤልን፥ ፍሉጥ ይኹን።
11
ንሱ እቲ ንስኻትኩም ነደቕቲ ዝነዓቕኩምዎ፥ ግና ርእሲ መኣዝን ዝኾነ እምኒ እዩ።
12
ብእኡ ኽንድሕን ዝግባእ ካልእ ስም፥ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንደቂ ሰብ ኣይተውሃበን እዩሞ፥ ድሕነት ብኻልእ ከቶ የለን።”
13
ትብዓት ጴጥሮስን ዮሃንስን ምስ ረአዩ፥ ዘይተምሃሩን ተራ ሰባት ምዃኖምውን ምስ ፈለጡ ተገረሙ፤ ምስ ኢየሱስ ከም ዝነበሩ ድማ ኣለለይዎም።
14
እቲ ዝሓወየ ሰብኣይ፥ ምስኣቶም ደው ኢሉ ምስ ረአይዎ፥ ዝዛረብዎ ሰኣኑ።
15
ስለዙይ ካብቲ መጋባእያ ድሕር ከብልዎም ኣዘዙ። ንስንሳቶም ከዓ ኸምዙይ ኢሎም ተማኸሩ፦
16
“ኣሉ ኽንብላ ዘይንኽእል፥ ኣብ ኢየሩሳሌም ኣብ ዝነብሩ ዅላቶም ዝተግሃደት፥ ፍልጥቲ ተኣምራት ብኣኣቶም ተገይራ እያ እሞ፥ ነዞም ሰባት እዚኣቶም እንታይ ንግበሮም?
17
ኣብ ህዝቢ ምእንቲ ገኒኑ ኸይውረ፥ ደጊም ብስም ኢየሱስ፥ ንሰብ ከይምህሩን ከይዛረቡን ብፅኑዕ ነጠንቅቆም” በሉ።
18
ፀዊዖም ድማ ብስም ኢየሱስ፥ ንሓደኳ ኸይነግሩ ወይ ከይምህሩ ኣዘዝዎም።
19
ጴጥሮስን ዮሃንስን ከዓ “ንእግዚኣብሄር ካብ ምስማዕ፥ ንኣኻትኩም ምስማዕ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕ እንተ ደኣ ኾይኑስ፥ እስኪ ባዕልኻትኩም ፍረዱ።
20
ንሕና ግና ነቲ ዝረአናዮን ዝሰማዕናዮን፥ ምዝራብ ኣይንሓድግን” ኢሎም መለሱሎም።
21
ንሳቶም ከዓ፥ በቲ ዝተገብረ ተኣምራት፥ እቲ ህዝቢ ንእግዚኣብሄር የመስግን ስለ ዝነበረ ፈሪሖም፥ ዘቕፅዕ ምኽንያትውን ስለ ዝሰኣኑሎም፥ መሊሶም ኣፈራሪሖም ሰደድዎም።
22
እቲ ናይ ምሕዋይ ተኣምራት ዝተገበረሉ ሰብኣይ ድማ፥ ዕድሜኡ ልዕሊ ኣርብዓ ዓመት ነበረ።
23
ጴጥሮስን ዮሃንስን ምስ ተፈትሑ፥ ናብቶም ኣሕዋት ከይዶም፥ ነቲ ሊቃነ ካህናትን ሽማግለታትን ዝበልዎ ዅሉ ነገርዎም።
24
ንሳቶምውን ነዙይ ምስ ሰምዑ፥ ብሓደ ልቢ ኾይኖም፥ ድምፆም ልዕል ኣቢሎም፥ ናብ እግዚኣብሄር ከምዙይ በሉ፦ “ኦ ሰማይን ምድርን ባሕርን ኣብኣተን ዘሎ ዅሉን፥ ዝፈጠርካ ጐይታ!
25
ከምቲ ብመንፈስ ቅዱስ፥ ብኣፍ ኣቦና ዳዊት ባርያኻ ‘ስለ ምንታይ ኣህዛብ ተቘጥዑ፤ ህዝብኸ ንምንታይ ከንቱ ነገር ይኣልሙ?
26
ነገስታት ምድሪኸ ንምንታይ ተልዓሉ፤ እቶም መኳንንትኸ፥ ንእግዚኣብሄርን ንመሲሑን፥ ክፃረሩ ብሓደ ተኣከቡ’ ዝበልካዮ
27
ብሓቂውን ሄሮድስን ጴንጤናዊ ጲላጦስን፥ ምስ ኣህዛብን ምስ ህዝቢ እስራኤልን፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ዝቐባእኻዮ ቕዱስ ወድኻ ኢየሱስ፥ ንሻራ ተልዓሉ።
28
እዙይ ዝኾነውን፥ ንስኻ ኣቐዲምካ ብፍቓድካን ብሓይልኻን ዝወሰንካዮ፥ ምእንቲ ኽፍፀም እዩ።
29
ሕዚ ድማ፥ ኦ ጐይታ! ምፍርራሖም ረአ፤ ንኣገልገልትኻ ኸዓ፥ ቃልካ ብምሉእ ትብዓት ክናገሩ ኣኽእሎም።
30
ብስም እቲ ቕዱስ ወድኻ ኢየሱስ፥ ሕሙማት ክሓውዩ፥ ምልክትን ተኣምራትን ክፍፀም፥ ኢድካ ዘርግሕ” ኢሎም፥
31
እናፀለዩ እንተለዉ፥ እቲ ተኣኪቦሙሉ ዝነበሩ ስፍራ ተናወፀ፤ ኵላቶም ድማ ብመንፈስ ቅዱስ ተመልኡ፤ ቃል እግዚኣብሄርውን ብትብዓት ተዛረቡ።
32
እቶም ዝኣመኑ ዅላቶም ሓደ ልብን ሓደ ሓሳብን ነበሩ፤ ንብረቶም ብምሉኡ ናይ ሓባር ደኣ ነበረ እምበር፥ ካብኣቶም ሓደኳ እዙይ ናተይ እዩ ዝብል ኣይነበሮምን።
33
ሃዋርያት ከዓ ብዛዕባ ትንሳኤ ጐይታና ኢየሱስ ብዓብዪ ሓይሊ ይምስክሩ ነበሩ፤ ኣብ ኵሎም ድማ ዓብዪ ሞገስ ነበረ።
34
ኵላቶም መሬት ወይ ኣባይቲ ዘለዎም ሸይጦም፥ ዋጋ እቲ ዝተሸጠ ኣምፂኦም፥ ኣብ ጥቓ እግሪ ሃዋርያት የንብርዎ ነበሩ። ንሳቶምውን ንነፍሲ ወከፍ፥ ከከምዘድልዮ ይመቕልዎ ነበሩ። ስለዙይ ሓደ እኳ፥ ዝሽግሮ ሰብ ኣይነበሮምን።
36
ናይ ቆጵሮስ ተወላዲ ዝኾነ፥ ሃዋርያት፥ “በርናባስ” እናበሉ ዝፅውዕዎ ዮሴፍ ዝበሃል፥ ሓደ ሌዋዊ ነበረ፤ በርናባስ ማለት ድማ፥ “ወዲ ምፅንናዕ” ማለት እዩ።
37
ንሱ ነቲ ዝነበሮ ግራት ሸይጡ፥ ነቲ ገንዘብ ኣምፂኡ ኣብ ጥቓ እግሪ ሃዋርያት ኣንበሮ።
← Chapter 3
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 23
Chapter 24
Chapter 25
Chapter 26
Chapter 27
Chapter 28
Chapter 5 →
All chapters:
1
2
3
4
5
6
7
8
9
10
11
12
13
14
15
16
17
18
19
20
21
22
23
24
25
26
27
28