bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
/
Amos 3
Amos 3
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
← Chapter 2
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 4 →
1
ኣቱም ደቂ እስራኤል፥ ኣነ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሌኹም፥ ኣብ ልዕሊ ዅሉ እቲ ኻብ ምድሪ ግብፂ ዘውፃእኽዎ ወገን ዝተናገርክዎ እዝ ቃል ስምዑ፤ ከምዙይውን በለ፦
2
“ኣነ ኻብ ኵሎም ህዝብታት ምድሪ ንኣኻትኩም ንበይንኻትኩም ፈለጥኩኹም፤ ስለዙይውን ብሰንኪ ዅሉ ሓጢኣትኩም ክቐፅዐኩም እየ።”
3
ክልተ ሰባት እንተይተሰማምዑዶ፥ ብሓደ ይኸዱ እዮም?
4
ኣንበሳኸ ግዳይ እንተይረኸበዶ፥ ኣብ ዱር ይጓዝም እዩ? ወይ ከዓ ሽደን ኣንበሳኸ ዝኾነ እንተይሓዘዶ ኻብ ጕድጓዱ የድምፅ እዩ?
5
መፈንጠር ኣብዘይብሉዶ፥ ዒፍ ብመፈንጠር ይተሓዝ እዩ? መፈንጠርከ ዝኾነ እንተይሓዘዶ፥ ካብ ምድሪ ይነጥር እዩ?
6
መለኸት ኣብ ከተማ እንትንፋሕኸ፥ ህዝብዶ ኣይድንግፅን እዩ? እግዚኣብሄር እንተይኣዘዘኸ፥ ንኸተማዶ ኽፉእ ይወርዳ እዩ?
7
ብሓቂ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ምስጢሩ ንባሮቱ ነቢያት እንተዘይገሊፁሎም፥ ሓደ እኳ ኣይገብርን እዩ።
8
ኣንበሳ ጓዚሙኸ ዘይፈርሕ መን እዩ? ጐይታ እግዚኣብሄር ተዛሪቡኸ ዘይንበ መን እዩ?
9
ነቶም ኣብ ኣደራሻት ኣዛጦንን፥ ኣብ ምድሪ ግብፅን ዝነብሩ “ኣብ ርእሲ እምባታት ሰማርያ ተኣከቡ፤ ነቲ ኣብ ማእኸላ ዘሎ ዓብዪ ዕግርግርን፥ ነቲ ኣብ ውሽጣ ዘሎ ግፍዕን ተመልከቱ” ኢልኩም ኣውጁ።
10
“እዚኣቶም ዓመፃን ዘረፋን ኣብ ኣዳራሻቶም ይእክቡ፤ ቅኑዕ ምስራሕውን ኣይፈልጡን እዮም፤ ይብል እግዚኣብሄር።
11
ስለዙይ ጐይታ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ ኣብ ዙርያ እታ ምድሪ ፀላኢ ኽመፅእ እዩ፤ ሓይልኺ ኻባኺ ኸውርድ እዩ፤ ንኣዳራሻትክውን ክብዝብዞ እዩ።”
12
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ጓሳ ኻብ ኣፍ ኣንበሳ፥ ክልተ እግሪ ወይ ሓንቲ ቍራፅ እዝኒ ኸም ዘናግፍ፥ ከምኡ ኻብቶም ኣብ ሰማርያ ኣብ ልዕሊ ጫፍ ዓራቶም፥ ኣብ ደማስቆውን ኣብ ምንፃፎም ዝተቐመጡ ደቂ እስራኤል ክድሕኑ እዮም።
13
ስምዑ፤ ኣብ ልዕሊ ቤት ያእቆብ ከዓ መስክሩ” ይብል ጐይታ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰራዊት።
14
“በታ ኣነ ንህዝቢ እስራኤል፥ ብሰንኪ ሓጢኣቶም ዝቐፅዐላ መዓልቲ፥ ንመሰውኢታት ቤቴልውን ክብቀሎ እየ። እቶም ኣቕርንቲ መሰውኢ ድማ ኽስበሩ እዮም፤ ናብ ምድሪ እውን ክወድቁ እዮም።
15
ንቤት ክረምትን ንቤት ሓጋይን ከዕንወን እየ፤ እቶም ብስኒ ሓርማዝ ዘጌፁ ኣባይቲ ኸዓ ኽድምሰሱ እዮም፤ ዓበይቲ ኣባይቲውን ክፈርሱ እዮም” ይብል ጐይታ እግዚኣብሄር።
← Chapter 2
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 4 →
All chapters:
1
2
3
4
5
6
7
8
9